Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ፕሮጀክት ኤውሮጳዊ ሕብረት ተጎልቢቦም ኤርትራውያን ናብ መሸጣ ይልእኩ

By   /  November 1, 2016  /  Comments Off on ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ፕሮጀክት ኤውሮጳዊ ሕብረት ተጎልቢቦም ኤርትራውያን ናብ መሸጣ ይልእኩ

    Print       Email

ኣብ ሃገሩ ካብ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ዜጋታት ኤርትራ ፈሊዩ ዘነጻጽር ዘሎ መንግስቲ ሱዳን ፥ ንሕጋዊ ወረቓቕቲ ዝሓዙ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኤርትራውያን በጻሕቲን ብኣልማማ ይገፍፍ ከምዘሎ ወኪል ድምጺ መድረኽ ካብ ከተማ ካርቱም ሓቢሩ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብመሰረት እቲ ብካርቱም ኣረንጅመንት ዝፍለጥ ኣብ ቀረባ ኣውና ኣብ መንጎ ኤውሮጳዊ ሕብረትን መንግስታት ካርቱምን ኣስመራን እተበጸሐ ውዕል መዝሚዙ ንምግፋፍ ኤርትራውያን ከም ልዑል ናይ እቶት ምንጪ ይጥቀመሉ ምህላዉ ወኪልና ሓቢሩ። ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ወኪል፥ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ኣብ`ተን ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝሰፍሩለን ከባቢታት ከተማ ካርቱም ብልዑል ቊጽሪ እንዳወፈሩ ፥ ሕጋዊ ወረቐት ስደተኛ ፡ መንበሪ ፍቓድ ወይ`ውን ፓስፖርት ንዝሓዙ ኤርትራዉያን ከይተረፈ ኣኪቦም ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ እንዳወሰዱ ብልዑል ክፍሊት ገንዘብ ትራይ ከምዝልቀቚ ይገብሩዎም ምህላዉ ክርዳእ ተኻኢሉ።

እቶም ኤርትራውያን ካብ 3 ሽሕ ክሳዕ 5 ሽሕ ጅነ እንዳኸፈሉ ነብሶም ነጻ ከውጽኡ ይፍትኑ ምህላዎም እዉን እቲ ሓበሬታ የረድእ ።

ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ፣ ጂሬፍ፣ ሰሓፋ፣ ዴም ፣ ዋሒድ-ወርብዒን፣ ሙኽተርቢን፣ ሹቕ ኣሻዕቢ፣ ክንቀሳቐሱ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት  ሻቡ ኣብ ዓይኒ ኣባላት ጸጥታ ክኣትዉ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ከምዘሎ እዉን ወኪል ድምጺ መድረኽ ይሕብር።

ልዕሊ`ዚ ዝተጠቕሰ ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ ፥ ገለ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ምስ ኣሰጋገርቲ እንዳተሰማምዑ ንዝገፍዎም ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዘይመደቦም ናብ ሊብያ ከምዝሰግሩ ጌርካ ፣ ኣብ ሊብያ ምስ በጽሑ ልዑል መጠን ገንዘብ ንኽኸፍሉ የገድዱዎም ኣለዉ።

ካብዚ ሕልፍ ብዝበለ እዉን ፥ እቶም ኣኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን  ካብ ዝገፍዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንገለ ኣብ መሸጣ ደቂ ሰባት ዝነጥፋ ጉጅልታት ይሸጥዎም ከምዘለዉ ከምሳዕቢኑ ደሃዮም ናይ ዝጠፍእ ዘለዉ ዜጋታትና ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ይዛይድ ከምዘሎን ኣብ ውሽጢ ወርሒ ጥቅምቲ  ጥራይ ከባቢ 50 ኤርትራውያን ደሃይ ኣጥፊኦም ምህላዎምን ተሓቢሩ ኣሎ። ።

 

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →