Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ተማሓዪሹ ዝተባህለ ደሞዝ ስራሕ፡ ኣብ ምዝላቕ ከቢዱ ዘሎ መነባብሮ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝኾነ እወታዊ ተራ የብርክት ከምዘየለ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ኣቃሊሖም።

By   /  November 11, 2016  /  Comments Off on ተማሓዪሹ ዝተባህለ ደሞዝ ስራሕ፡ ኣብ ምዝላቕ ከቢዱ ዘሎ መነባብሮ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝኾነ እወታዊ ተራ የብርክት ከምዘየለ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ኣቃሊሖም።

    Print       Email

ተማሓዪሹ ዝተባህለ ደሞዝ ስራሕ፡  ኣብ ምዝላቕ ከቢዱ ዘሎ መነባብሮ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝኾነ እወታዊ ተራ የብርክት ከምዘየለ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ኣቃሊሖም።

እቲ ምቅይያር ደሞዝ ዝገዘፍ ክፋሉ ኣብ ቅድመን ድሕረን ክፍሊት ዘለዉ ምምሕዳራዊ ቀይዲታት ተሸሚሙ ከይኣክል ፥ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብመንጽር እቲ ቊጽሪ እምበር ሕሰም ክብደት መነባብሮኦም ዘይፍዉስ ዘሎ ሓዲሽ ደሞዝ ስርሖምን ኣገልግሎቶምን ከዕብዩ ጸቕጥታት ይግበረሎም ከምዘሎ ክፍለጥ ተኽኢሉ።

ከም ኣብነት መምሃራን መባእታዊ ደረጃ ተወሲኸንኦም ዘለዋ ኣብ ግብርታት ኣታዉን መልዕሎን ተዳቒቐን 500 ናቕፋ ጥራይ ዝኾና ገንዘብ ከም ሞሳ ተወሲዱ ፥ ተወሳኺን ስራሕ ክዓሙን ብኣህላኺ ቊጽጽር ስራሕ ክሓልፉን ተገይሩ ከምዘሎ ምንጭታትና ሓቢሮም።

ገለ መምሃራን ንምንጭታት ድምጺ መድረኽ ኣብ ዝሓበርዎ ፥ ቊንጣሮ ገንዘብ ወሲኽካ ብናብራን ሃልኪን ተዳኺሙ ዝጸንሐ መምህር 4 ሳዕ ንመዓልቲ ቊጽጽር ስራሕ ክግበረሉን ተወሳኺ ክፍልታት ንኽሽፍን ከተገድዶን ምርኣይ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ የረድኡ።

ኣብ ኣተገባብራኡ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ብሓፈሻ ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ድማ ብፍላይ ኣቖጢዑ ዘሎ ንኡስ ወሰኻ ደሞዝ – ምስቲ ኣብ ሃገር ሰሪቱ ዘሎ ከቢድ ማሕበረ-ቊጠባዊ ጸገማት ዘይሳነን ምስ ዘሎ ቀረባትን ዋጋታትን ሃለኽቲ ነገራት ዘይላዘብን ከምዝኾነ ዝሕብሩ ምንጭታት  ፥ እዚ ድማ መንግስቲ መነባብሮ ዜጋታት ንምምዕርራይ ዘይኮነ መለሳ እቲ ወሲኸኩም ዝብሎ መሃያ ዓጸፋ ኣገልግሎት ካብ ዜጋታት ንምጥላብ ነዚ ንኡስ ናይ ደሞዝ ምቅይያር ከምዝገበረ ይትንትኑ።

    Print       Email

You might also like...

Former Eritrean fighters injured in their 30-year war of independence against Ethiopia and their current  border war with the same country at a rehabilitation camp south of the capital Asmara.

56 ስንኩላን ኩናት ስሞምን ክታሞምን ብምስፋር ናብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቤቱታ ኣቕሪቦም።

Read More →