Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

6 ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሰንኪ ምንዋሕ ግዜ ባርነታዊ ኣገልግሎት ዝፈጠረሎም ጭንቀት ሂወቶም ከምዘሕለፉ ክፍለጥ ተኻኢሉ

By   /  October 8, 2016  /  Comments Off on 6 ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሰንኪ ምንዋሕ ግዜ ባርነታዊ ኣገልግሎት ዝፈጠረሎም ጭንቀት ሂወቶም ከምዘሕለፉ ክፍለጥ ተኻኢሉ

    Print       Email

ምንዋሕ ግዜ ባርነታዊ ኣገልግሎትን  ካብ ወተሃደራዊ ስነምግባር ዘርሓቐ ኣተሓሕዛ ኣዘዝቲ ሰራዊትን  ብዘንቀሎ  ምረትን  ኣእምሮኣዊ ጸቕጥን  ተዳፊኦም ናይ ቀቢጸ ተስፋ ስጒምትታት ዝወስዱን ሂወቶም ዘጥፍኡን ናይ ዘለዉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ቊጽሪ ይዓቢ ከምዘሎ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ካብ ውሽጢ ሃገር ኣቃሊሖም።

እቶም ምንጭታት ካብ ክፍሊ መርመራ ገበናት ቅትለት ፖሊስ ዞባ ማእከል ብዝረኸብዎ ሓበሬታ መሰረት ፥   በቲ ጠንቂ ፣ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ`ዛ ሒዝናያ ዘሎና ወርሒ ጥቅምቲ ጥራይ ሓንቲ ጓል ኣነስተይቲ እትርከቦም 6 ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ሂወቶም ከምዘሕለፉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እዞም ካብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳዕ 28 ዓመት ዝርከቡ ምዃኖም ዝተገልጹ 6 ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝተፈላለየ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ሜላ ብምጥቃም ሂወቶም ከምዘሕለፉ እዮም እቶም ምንጭታት ዘረድኡ።

ኣተሓሕዛ መራሕቶም ስለዝበኣሶምን ሂወት ባርነታዊ ኣገልግሎት ስለዘሕሰሞምን ናብቲ ስጒምቲ ዝበጽሑ እቶም መንእሰያት ፥ ኣብ ከባቢ ማይ-ተመናይ፣ ቪላጆ፣ ጻዕዳ-ክርስትያንን ሹቕ ኪዳነምህረትን ሞይቶም ከምዝተረኽቡ እዮ እቲ ካብ ክፍሊ  መርመራ ገበናት ቅትለት ፖሊስ ዞባ ማእከል ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘንጽር።

ንውሓት ባርነታዊ ኣገልግሎትን ሕሱም ወተሃደራዊ ምሕደራን ንብሩህ መጻኢ`ቶም ካብ ትምህርቶምን ሰባዊ ልምዓቶምን ተፈናቒሎም ዝርከቡ መንእሰያት ኤርትራ ብድሎ ዝቐትል ዘሎ ኩነት ከምዝኾነ ዘረድኡ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ፥ ከምሳዕቤኑ ስደት፣ ነብሰ-ቅትለት፣ ካብ ውትህድርናን ኣገልግሎትን ምሕባእ ዝኣመሰሉ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ዉሳኔታት ብብዝሒ ዝረአ ዘሎ ውሳኔ እቶም መንእሰያት ምዃኑ የተሓሳስቡ።

ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሓፈሻ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ድማ ብፍላይ ፡ ግዳይ ናይቲ ብመንግስቲን ሓለፍቲን ዝጸዓኖም በደል ኮይኖም ካብ ሃገራዊ ክዉነነት ክሃድሙን ሂወቶም ክዓድዩን ካብ ዝሕልኑ ፡ ነቲ በደል ቀዪዶም ፈታሕቲ ናይቲ ኣብ ሃገሮም ሰሪቱ ዘሎ ሽግር ክኾኑ ከምዝግባእ እዩ ብቐጻሊ ዝምከሩ።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →