Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኣብ ኢትዮጲያ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ንኤርትራ በየናይ ሴናርዮታትን ብኸመይን ክጸልዋ ይኽእል?

By   /  October 19, 2016  /  Comments Off on ኣብ ኢትዮጲያ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ንኤርትራ በየናይ ሴናርዮታትን ብኸመይን ክጸልዋ ይኽእል?

    Print       Email

ኣብ ጎረቤትና ኢትዮጲያ ተኸሲቱ ዘሎ ውሽጣዊ ኩነታት በብእዋኑ ክዓርግ ጸኒሑ ኣሎ። ከም መርኣያ ናይዚ እንዳዓበየ ክመጽእ ዝጸንሐ ዘይምርግጋእ ድማ፤ መንግስቲ ኢትዮጲያ ብ9 ጥቅምቲ 2016 ኩነተ ህጹጽ እዋን (state of emergency) ኣዊጁ ኣሎ። ብመሰረት እዚ ዝተጠቐሰ ኣዋጅ፤  ማእከል እዝታት (command post) ህጹጽ እዋን፤ ዝርዝራት ትግባረ ህጹጽ እዋን ዘርጊሑ ኣሎ። በዚ መሰረት  ንኣጠቓቕማ መራኸቢ ብዙሃን፥ ንደረት ምንቅስቓስ፥ ንመንነትን ዓሌትን መሰረት ጌሩ ንዝፍጸም መጥቃዕቲ፥ ቀያሕቲ መስመራት ተባሂሎም ዝግለጹ ዶባት ወዘተ ኣመልኪቱ ዝርዝራት ድንጋገታት ሂቡ ኣሎ።

ናይ ኢትዮጲያ ውሽጣዊ ጉዳይ ንኢትዮጲያ ዝምልከት ሉዓላዊ ጉዳይ ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ እዚ ዓንቀጽ ነቲ እዚ ኣብ ኢትዮጲያ ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባለታት ንኤርትራ ብኸመይን ክሳብ ክንደይን  ይጸልዋ ኣብ ዝብል ክፋሉ ጥራይ ኣድሂቡ ክትንትን ክህቅን ኢዩ።

ንዝኾነ ብሃገራዊ ድሕነትን ህላወን ኤርትራ ዝሓስብ ወገን፤ እዚ ኣብ ኢትዮጲያ ተኸሲቱ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ንኤርትራ ብኸመይ ክጸልዋ ይኽእል ዝብል ሕቶ ኣንቂሉ ብኣንክሮ ኪከታተሎ ዝግባእ ናይ ቀረባ ዞባ ጉዳይ ኢዩ። ምኽንያቱ፤ ኣብዚ ዞባውን ዓለማዊን ፖለቲካዊ፥ ጸጥታዊን፥ ቁጠባዊን  ተወሳስቦ ጠነግ ኮይኑሉ ዘሎ እዋን፤ ይትረፍ ኣብ ከም ኢትዮጲያ ዝኣመሰለት ብኩልንትነኣ ንኤርትራ ቀረባ ሃገር፤ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፤ ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ፤ ኣብ የመን ይኹን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝገሃዱ ዘለዉ ኩነታት ውን እንተኾኑ ንሃገርና ብልዑል ደረጃ ዝጸልዉዋ ኢዮም።

ንቐጻልነታ  ካብ ዝደናደን ስግኣታት ነጻ ዝኾነት ሃገራዊ ድሕነታ ዘውሓሰት ሃገር ምሕላው፥ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ዕዮ ኢዩ። መንግስታት ይኹኑ መራሕቲ መጺኦም ዝኸዱ ናይ ውሱን እዋን ተርእዮታት ኢዮም፤ ነበርቲ ህዝብን ሃገራትን ኢዮም።

ኤርትራ ኣብ ናይ ሙኻንን ምቕጻልን መዋእላ፤  ወሳኒ ግደ ዝተጻወተ ህዝባ እኳ እንተኾነ፤ ከም ኩለን ሃገራትን ከም ኩሎም ህዝብታትን ብግዳማዊ ጂኦ ፖለቲካዊ፤ ቁጠባዊ፤ ውሳነታትን ምዕባለታትን ተጸልያን ተቐሪጻን ኢያ። ብሕጂ ውን መጻኢኣ ብብዙሓት ግዳማውያን ረቓሒታት ክጽሎን ክንደልን ይኽእል ኢዩ፤ ምኽንያቱ ንበይኑ ተንጠልጢሉ ዝነብር ህዝቢ ይኹን ተነጺላ እትህሉ ሃገር ስለዘየላ።ብፍላይኳ ኣብዚ ሓያል ናይ ዓውለማ ተውሳስቦ።

ንኤርትራ ኣብ 1890 መግዛእታዊ ዶባታ ዝሓንጸጸት ዘመናዊት ሃገር ክትከውን ዝጸለዋ ግዳማዊ ግዝኣት ኢዩ፥ ኣብ 1945 ካልኣይ ውግእ ዓለም ብስዕረት ናይታ እትገዝኣ ዝነበረት ኢጣልያ ምስተዛዘመ ኣብ ትሕቲ ሙግዚትነት ብሪጣንያ ክትጸንሕ ክውሰን ከሎ ተራ ግዳማዊ ምውስሳብ ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ዘርኣየ ግሁድ እዋን ኢዩ። ኣብ 15 መስከረም 1952 ኤርትራ ምስ ኢትዮጲያ ብፈደረሽን ክትቁረን እተወሰነ ኣብ ኣስመራ ዘይኮነስ ኣብ ኒዩርክ ብእተገበረ ዓማጺ ውሳነ ኢዩ ። ኣብ 1978 ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ከባቢታት ኣስመራ ናብ ሳሕል ስትራተጂካዊ ምዝላቕ ክገብር ዝተገደደ፤ ብግዳማዊ ምትእትታው ሕብረት ሶቬት እምበር ብናይ ደርግ ሓይሊ ኣይነበረን። ኣብ 1991 ህዝቢ ኤርትራ ብገዛእ ቅልጽሙ ዘውዲ ሓርነቱ ደፊኡ ክንሱ ንኽልተ ዓመታት ዝኣክል ብምጽባይ ናጽነቱ ብረፈረንድም ከረጋግጽ ዝወሰነ ኣብቲ ደሙ ዝኸፈለሉ ሕቶ፤ ካልእ ዘይመለሶ ሕቶ ስለዝነበሮ ዘይኮነስ ኣብ ዓለም ብፖለቲካዊ ኣፍልጦ ከምእትነባበር ስለዝተገንዘበ ኢዩ።

ስለዝኾነ፤ እዚ ኣብ ርሕቕ ቦታታት ኮይኑ ንታሪኽናን ጉዕዞናን ዝጸለወ ጉዕዞ ምስ እንግምግም እዚ ኣብ ኣፍንጫና ዘሎ ጉዳይ፤ እሞ ድማ ብሰንኪ ዝተወለዐ ኩናት ሓርፊፉ ዝጸንሐ ዝምድናን፤ ክቱር ናይ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን መንፈስን ዘሎዎም መንግስታት፤ ንህዝቢ ኤርትራ ብቐረባ ክጸልዎ ባህርያዊ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ባህርያዊነቱ እቲ ቅድሚ ዓሰርተ ኣርባዕተ ኣመታት ክፍጸም ዝግበኦ ዝነበረ ግን ከኣ ብሰንኪ ኣብያ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዘይተሓንጸጸ ዶብ ዝሓዛ ሃገራትን ብሙኻነን ድማ ናይታ ሓንቲ ኩነታት ነታ ካልእ ምጽላው ካብ ተኽእሎኣዊ ንላዕሊ ግድነታዊ ይገብሮ።

ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ኩነታት በየናይ ሴናርዮታትን ብኸመይን ንኤርትራ ክጸልዋ ይኽእል?

1፡ ህዝቢ ኤርትራ ድምጺ ክህልዎ ኣይኮነን

ቅድሚ ኣብ ኢትዮጲያ ክመጹ ዝኽእሉ ሴናርዮታት ምዝርዛርና እዞም ሴናርዮታት እንታይ ኢዮም ኪኽኑ ብዘየገድስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸላሉ ዘሎ ነባሪ ሓደጋ ክንገልጽ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራን ብስም ኤርትራን ዝውሰዱ ውሳነታት ህዝቢ ኤርትራ ኣይፈልጦምን ኢዩ።

አብ ኤርትራ ህዝቢ ዝውክል ባይቶ ናይ ወከልቲ ህዝቢ የለን። ከም ኣብነት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ጉዳይ የመን ይኹን ኣብ ዝዓበየ ከባቢታት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓረብን መንግስቲ ኤርትራ ክወስዶም ዝጸንሐ ሃገራዊ ስጉምትታን ኬካይዶም ዝኸረመ ርክባትን ይትረፍ ንተራ ህዝቢ ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሓለፍቲ ውን ግሉጻት ኣይኮኑን።እዚ ማለት ድማ ሉዓላዊ ጉዳያት ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ህዝባዊ ድምጺ ብዘይ ፖለቲካዊ ሱታፌ ትካላት መንግስቲ ኣብ ጸልማት ብሓደ ሰብ እንተሰፍሐ ድማ ብኣጻብዕ ኣእዳው ብዝቑጸሩ ሰባት ይውሰን ኣሎ ማለት ኢዩ። እዚ ንህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ድሕነቱን ከቢድ ሓደጋ ኢዩ።

ስለዝኾነ ሕጂውን ምስ ኢትዮጲያ ተኣሳሲሩ ይኹን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ብስም ህዝቢ ኤርትራ ዝውሰዱ ውሳኔታት፤ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኪኾኑ፥ ሕጋዊ መስርሕ ዝተኸተሉ፥ ግሉጽነት ዘለዎም፥ ዝበረኸ ዕላምኦም ድማ ምድሓን ስልጣን ምልኪ ሓደ ዘይኮነስ ምውሓስ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሉዓላውነትን ኪኾኑ ይግባእ። ከምኡ ሙኻኖም ዝረጋገጹ ድማ እቲ ሃገራዊ ጉዳይ ብወከልቲ ህዝቢ፥ ብትካላዊ ኣሰራርሓ፥ ብግሉጽ ከይዲ፥ ብናጽነት ሓበሬታ፥ ምሉእ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ውነና ሃገራዊ ውሳነታት ምስዝረጋገጽ ጥራይዩ።

ኣብ ኤርትራ ኩሎም እዞም ዝተጠቐሱ ኣርሒቆም ካብ ዝገሹ ክልተ ጥማር ናይ ዓሰርተ ዓመት (decades) ኣሕሊፎም ኣለዉ። ንዝመረጾ ህዝቢ ወኪሉ ሃገራዊ ጉዳያት ዝዝቲ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ዝስረዝን ኣባላቱ ካብ ዝሓቁን ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ስለዚ ህዝቢ ወከልቲ የብሉን፥ መንግስቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ኣካል ድማ ንህዝቢ ዘይውክል ናይ ፕረሲደንት ኤርትራ ሓለዋ ስልጣን እዩ። ስለዝኾነ ሕጂ ውን ዝውሰዱ ውሳነታት ብውልቃዊ ምርጫታትን ብዘይተሓታትነትን ንድሕነት ናይ ሓደ ንኡስ ጉጅለ ሉዓላዊ ክብረት ሃገር ናብ ዕዳጋ ዘውርድ ከይከውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ ኢዩ።

2፡ ናይ ኢትዮጲያ ምብትታን ሴናርዮ፡

ገለ ንዞባዊ ጉዳያትን ሓደጋታቱን ዕድላቱን ብጸቢብ መለክዒ ዝርእዩ የዋሃ፥ እዚ ኣብ ኢትዮጲያ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ከም ናይ ኤርትራ ዓወት፤ ኣብ ገለ ዘይወግዓዊ ዓንኬላት ድማ  ብድሕሪት ኮንና ንሕና እንቕልሶ ዘሎና ተግባር ኢዩ  (መንግስቲ ኤርትራ ማለቶም ኢዩ) ዘስምዕ መግለጺታት ክወሃብ ይስማዕ ኢዩ።

እዚ መግለጺታት እዚ ኣርሕቕካ ካብ ዘይምሕሳብ ወይ ውን ዞባዊን ዓለማውን ጸጥታን ተውሳስቦኦምን ካብ ዘይምግንዛብ ዝበሃል ኣጉል (bravado) መግለጺታት ኢዩ። ካብ ናይ ጎረቤቱ ዕግርግርን ሁከትን ዝኸስብ ዝኾነ ህዝቢ ይኹን ሃገር የለን። ይትረፍ ከም ኤርትራን ኢትዮጲያን ዝኣመሰላ ናይ ሓባር ዕድላተን ብሓባር ዝጠፍአ፤  ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፤ ከም ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝኣመሰላ ጉዕዞ ምዕባለ ወዲእናዮ ኢና ርእሰማልነትና መወዳእታ ታሪኽ ኢዩ ኢለን ዝኣወጃ ሃገራት ውን ከይተረፋ፤ ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ዝገበረኦ ምትእትታው ዘምጸኦ ክሳራን ዕንወትን ናይ ታሪኽ መምሃሪ ኮይኑ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ እውን ካብ ምብትታን ኢትዮጲያ ክረብሕ ኢየ ኢሉ ተጸቢዩ ኣይፈልጥን። ብኣንጻሩ ህዝባዊ ግንባር ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ነተን ንምንጻል ብሄራት ዝቃለሳ ዝነበራ ውድባት፤ ሃገሮም  ኢትዮጲያ ሃገር እትኸውን፤ ጸንባሪት፤ ሓዳስ ናይ ኩሉ ዜጋ ኢትዮጲያ ምስእትኸውን ኢያ ኢሉ ኢዩ እተሟገተን ዘእመነን። ኣብ ምሉእ ታሪኽ ድማ ንምብትታን ኢትዮጲያ ከም ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ርእይዋ ኣይፈልጥን። ህዝቢ ኤርትራ ይትረፍ ናይታ ብኩሉ ክፋላቱ እትዳወቦ ሃገር ኢትዮጲያ ኣብ ሶማል ዝተኸሰተ ምብትታን ህዝብን ሃገርን ውን ከይተረፈ እንተስ ብቐረባ እንተስ ብርሑቕ ጸልይዎ ኢዩ።

3፡ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ናብ ኩናት ናይ ምምራሕ ሴናርዮ

መንግስቲ ኢትዮጲያ ብዛዕባ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ጠንቁን ሳዕቤናቱን ኣብ ዝዝርዝረሉ እዋን፤ ኣጽኒዑ (consistently)  እኳ እንተዘይኮነ፤ ኣስማት ከይጠቐሰ፤ ዋናታት ናይዚ ዕግርግር ግብጽን ኤርትራን ኢየን ክብል ሓደ ሓደ እዋን ብኣመት (implication) ካልእ እዋን ድማ ብጋህዲ ምውንጃሉ ዝፍለጥ ኢዩ።

ኣብ ገለ ዓንኬላት ኢትዮጲያውያን ብፍላይ ድማ ኣኽረርቲ ደገፍቲ ሰልፊ ኢህወደግ፤  ኢትዮጲያ ናብዚ ደረጃ ዝበጽሐት ብሰንኪ እቲ ኣብ ጎረቤትና ኮይኑ ሰላም ዝኸልኣና ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ፤ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ጉዳይና ኣይኮነን ክትብሉ ንህዝቢ ትግራይ ጎዲእኩሞ ዝብሉ ወገናት ናብ ኩናት ምስ ኤርትራ ዝደፍእ ቃና ሒዞም ንኩናት ክጽውዑ ጸኒሒኦም ኣለዉ።

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣኽረርቲ ወትሩ ናይ ህዝብታት ሓደጋ ኢዮም። ዝበዝሐ እዋን ንናይ ባዕሎም ጸቢብ ዛዕባታት፤  ገለ እዋን ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ማዓሙቕ ቅርሕንትን ጽልእን ጥራይ ዝነብርን ዝህነጽን ኣመለኻኽተኦም ዝጉዳእ ህዝቢ ዝጠፍእ ዕድላት ብዘተገድስ ኣዕናዊ መንገዲ ክውሰድ ኢዮም ዝጽውዑ። ከምዚኦም ዓይነት ሓይልታት ድማ ወጊድ ክበሃሉ ይግባእ።

ክልቲኡ ህዝብታት ንውግእን ወረ ውግእን ከምዝነጽጎ ብዙሕ እዋን ገሊጹ ኢዩ። ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣቐዲሞም ን30 ዓመት ብሓባር ንናጽነቶምን ማዕርነቶምን ኣብ ዘካየድዎ ኩናት፥ ጸኒሖም ብምኽንያት ዶባዊ ግጭት (ወይ ዶባዊ ግጭት ንዝተሰየመ ኩናት) ኣብ ነንሕድሕዶም ኣብ ዝተኻየደ ውግኣት፤ ህይወት ኣእላፍ መንእሰያት ደቆም ሃሊቑሞም’ዮም። ጉዳይ ዶብ እንተኾይኑ፥ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ብዝመዘዞ ኮሚሺን ፤ብመሰረት ናይ መወዳእታን ቀያድን ውሳነ ሚያዝያ 12፤ 2012 ተበይኑ ኢዩ። ንክልቲኦም ሃገራት ዝተርፎም ጉዳይ ፈጽሚ ክገብሩሉን ነብሲ ወከፍ ሃገር ናይታ ካልእ ሃገር ዶብ ምኽባርን ጥራይ ኢዩ።

ክልቲኦም መንግስታት ነናይ ባዕሎም ሽግራት ንምድቕቓስ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ገንሸል ክርፍሳቶምን ፖለቲካዊ ህርፋናቶምን ከይገብርዎ ድማ ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ኢዩ።

4፡ ሴናርዮ ምቕያር መንግስቲ ኣብ ኢትዮጲያ

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ብርክት ዝበሉ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ፖሊሲታቱ፤ ‘ጸላኢ ጸላእየይ ፈታውየይ’ ኣብ ዝብል ብዙሕ እዋን ዘየስርሕ ኪዳን ዝተመስረቱ ኢዮም። ከምቲ ብዙሓት ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝምነይዎ፤ ኣብ ኢትዮጲያ ወላ እቲ ዘይመስል ሴናርዮ ውን ኣጋጢሙ  እቲ ብግንቦት 7 ዝምራሕን ካልኦት ሰልፍታትን (ብፍላይ እቶም ናጽነት ኤርትራ ዘይኣምኑ) ፖለቲካዊ ስልጣን እንተደኣጨቢጦም ንሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ክለዓል ዝግባእ ሃገራዊ ሕቶ ኢዩ።

ግንቦት 7 ይኹን መሰልቱ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታትን ኣዋጃቶምን፥  ኤርትራ ዘጠቓለለት ሓንቲ ኢትዮጲያ ዝብልዋ ካርታ ዘቕርቡ ኢዮም። እቶም ሎሚ ንስልጣን ዝወዳደሩ ዘለዉ ሓይልታት፤ ኣብ እዋን ምርጫታት ኢትዮጲያ፤  ‘ኣብ ስልጣን እንተተመጺና  ወደብ ዓሰብ ክንመልሳ ኢና’ ዝብሉ ሙኻኖም ውን ምዝካር ዘገድስ ኢዩ። እዞም መንግስቲ ወያነ ጥራይ ይኺድ እምበር ንሶም ተመጹ ይሕሻ ንኤርትራ ዝብሉ ገለ ወገናት፤ እዞም ተዝመጹልና ዝብልዎም ዘለዉ ሰልፍታት ንናይ ኢህወደግ ስርዓት ብቐጻሊ ን25 ዓመታት ናይ ኤርትራ ናጽነት ምፍቃዱ (ኤርትራ ብገዛእ መስዋእታን ሓይላን ናጽነት ዝጨበጠት ሃገር ሙኻና ብፍላጥ ክዝንግዑ ስለዝደለዩ) ኪኸሱን ነቲ ውሳነ ንምቕላስ ክሰርሑ ዝጸንሑን ኢዮም። ኣብ ኢትዮጲያ መን ኣብ ስልጣን ይመጽእ ናይ ህዝቢ ኢትዮጲያ ውሽጣዊ ጉዳይ እኳ እንተኾነን ንህዝቢ ኢትዮጲያ ክግደፍ እንተለዎን ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ዘይቅበል ሓይሊ ዳግም ኣብ ኢትዮጲያ ስልጣን እንተሒዙ እንታይ ክገብር ይግባእ ከእተንትን ሃገራዊ መሰሉን ሓላፍነቱን ኢዩ።

መጠቓለሊ

ከምቲ እዚ ጽሑፍ ኣብ መእተዊኡ ዝገለጾ ኣብ ኢትዮጲያ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ንኤርትራን ህዝባን ብቐረባ ዝጸልዎም ኢዩ። እቲ ኩነታት ንህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ድሕነቱን ንኣወንታ ክጸልዎ እንተኾይኑ ድማ

ሀ) መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ዝወስዶ ስጉምቲ ንህዝቢ ኤርትራ ከማኽርን ከፍልጥን ከምቲ ዘለዎ ንህዝቢ ኤርትራ ከየማኸረ ባይናዊ ስጉምቲ ምውሳድ ክቕጽል ተኾይኑ ድማ ብዉሑዱ ንሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ቀዳምነት ዝሃበ ሙኻኑ ከረጋግጽ፡

ለ) ኣብ ኢትዮጲያ ፖለቲካዊ ስልጣን መን ይጭብጥ ናይ ህዝቢ ኢትዮጲያ ውሽጣዊ ጉዳይ እኳ እንተኾነ፤ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ‘ዓሰብ ክንመልስ ኢና ኢትዮጲያን ኤርትራን ሓንቲ ሃገር ኢየን’ ዝብል ኣመለካኽታ ንዘለዎም ታሪኽ ክቕልሱ ዝህቅኑ ጉጅለታት ስለ ምንዋሕ ዕምሩ ኢሉ ልዕሊ ድሕነት ኤርትራ ከይሰርዖም፤

ሐ) መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ውሽጣዊ ጸገማቶም ንምዝላቕ፤ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ገንሸል ዝገብር ናይ ኩናት ኣጀንዳ ምስሳይ ከወግዱ ይግባእ።

 

__________________________________________________________________

እዚ ዓንቀጽ እዚ ካብ ሬድዮ መድረኽ እተወሰደ ናይ ሬድዮ ትንታነ ኢዩ። ግድን ንመርገጺ መድረኽ  ንሃገራዊ ዘተ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን።

 

 

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →