Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ሊብያ ኣብ ትሕቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ከም ናይ ጾታ ባራዩ ኮይነን ክሳቐያ ዝጸንሓ 8 ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ውሑስ ቦታ ሃዲመን

By   /  October 21, 2016  /  Comments Off on ኣብ ሊብያ ኣብ ትሕቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ከም ናይ ጾታ ባራዩ ኮይነን ክሳቐያ ዝጸንሓ 8 ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ውሑስ ቦታ ሃዲመን

    Print       Email

ኣብ ከተማ ሲርት ናይ ሊብያ ኣብ ትሕቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ከም ናይ ጾታ ባራዩ ኮይነን ክሳቐያ ዝጸንሓ 8 ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ  ፥ ኣብ`ታ ከተማ ነቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ከዳቕቚ ወፊሮም ናብ ዘለዉ ብሰራዊት-ሚስራታ ዝጥቀሱ ሓይልታት  ሃዲመን ከምእተዓቚባ መርበብ ሓበሬታ ሊብያ-ኦብሰርቨር ገሊጹ።

እተን ኤርትራውያን – ኣብ ከተማ ሲርት ንዳዒሽ ንምጥፋእ ደብዳባት ዘካይዳ ዘለዋ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር መንግስቲ ሊብያ ንዝዘርገሐኦ ፥ ኣባላት እቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ይዂኑ ኣብ  ትሕቲ እቲ ጉጅለ ዝሳቐዩ ዘለዉ ወገናት ናብ ኣብታ ከተማ ወፊሮም ዘለዉ ሓይልታት መንግስቲ  ክዑቆቡ ከምዝኽእሉ ዝሕብሩ ፓብፍሌታት  ድሕሪ ምንባበን እየን ካብቲ ከም ባራዩ ተቖሪነናሉ ዝነበራ ከባቢ ሃዲመን ናብ ዝቐረቡወን ወተሃደራት መንግስቲ እታ ሃገር ዝተዓቚባ።

ዳዒሽ ኣብ ሊብያ ልዑል ቊጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዳጒን ከምዘሎ ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፥ ብፍላይ በቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዝተሓዛ ደቂ ኣንስትዮ ንኣባላት እቲ ጉጅለ ከም ኣቕሓ እንዳተዓደላ ግዳያት ዘስካሕክሕ ጾታዊ ምዝመዛ ይኾና ምህላወን ይሕበር።

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሃገሩ ምንባር ዝኸልኦ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ብሕስረትን ውርደትን ክነብር ተገዲዱ ኣሎ።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →