Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ንሰለስተ ዓመት ተፈሪዶም ዝጸንሑ ተመሃሮ በረራ ናይ ‘ጣዕሳ’ ሰነድ ምፍራም ስለዝኣበዩ ደጊሞም ተኣሲሮም

By   /  October 11, 2016  /  Comments Off on ንሰለስተ ዓመት ተፈሪዶም ዝጸንሑ ተመሃሮ በረራ ናይ ‘ጣዕሳ’ ሰነድ ምፍራም ስለዝኣበዩ ደጊሞም ተኣሲሮም

    Print       Email

ብዋሕዲ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ተጣሪዑ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ፥ ንሰለስተ ዓመታት ፈሪዱዎም ዝጸንሐ 2 ተማሃሮ በረራ – ምሕረት ከምእተገብረሎምን ናብ ቦታኦም ተመሊሶም ብደሞዝ ክሰርሑ ምዃኖምን ነጊሩ ምስ ኣውጸኦም፥ ጣዕሳኦም ዘነጽር ሰነድ ክኽትሙ ተሓቢሩዎም ስለዝሓንገዱ ዳግማይ ናብ ማእሰርቲ ከምዝመለሶም ምንጭታት ካብ ሓይሊ ኣየር ሓቢሮም ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ምንጭታት፥  ኣባል 19 ዙርያ ኤርምያስ ክፍለየሱስን ከምኡዉን ምክትል ተለንተ ኣሮን መኮነንን ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ናብ ገዝኣኦም ድሕሪ ምስዳዶም፥ ናብ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሓይሊ ኣየር ተረኺቦም ነቲ ናይ ጣዕሳ ሰነድ ክፍርሙ ከምእተነግሮም፣ ነቲ ጠለብ ብቐጥታ ከምዝነጸግዎ ምስ ኣፍለጡ ድማ ሻቡ ናብቲ ዝነበርዎ ናይ ማእሰርቲ ቦታ ከምእተወስዱን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብሰንኪ`ቲ ነንዝረኸቦ ዕድል ተጠቒሙ ዝወጽእ ዘሎ ኣባል ሓይሊ ኣየር ፥ ዓቕሚ-ሰብ እቲ ሓይሊ ብብዝሕን ዓይነትን ባይታ ዘቢጡ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →