Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ምምሓዳራት ከባቢታት ናይ ኩፖን ምጽራይ መስርሕ ብዝብል ምኽንያት ህዝቢ የከላብታ ምህላወን ተገሊጹ 

By   /  October 25, 2016  /  Comments Off on ምምሓዳራት ከባቢታት ናይ ኩፖን ምጽራይ መስርሕ ብዝብል ምኽንያት ህዝቢ የከላብታ ምህላወን ተገሊጹ 

    Print       Email

ምምሕዳራት ከባቢታት ኣስመራ ነብሲ ወከፍ ነባሪ ተመዝጊቡሉ ዘሎ ኩፖን ከጻርያ  ካብ ምምሕዳር ዞባዊ ጉዳያትን ምምሕዳር ዞባ ማእከልን መመርሒ ተዋሂበን። ብመሰረት ዝተላእከለን ትእዛዝ  ምምሕዳራት ከባቢታት ኣስመራ ህላውነት ስድራቤታት ፈቲሽካ ምጽራይ ኣብ ዝብል ጽዑቕ ዕዮ ተጸሚደን ከምዝርከባ ተገሊጹ። ብመሰረት እቲ ካብ ሚኒስትሪ ዞባዊ መምሕዳር ዝተዋህበን ዕዮ እተን ምምሕዳራት ኣስማት ናይ ነብሲ ወከፍ ኣብ ኩፖን ስድራቤት ተመዝጊቡ ዘሎ ምጽራይ ጥራይ ዘይኮነ  ህላውነቶም ምርግጋጽን ኣበይ ከም ዘለዉ መረጋገጺ ምምጻእን ዝብል ናይ ምጽራይ ዕማም ሒዘን ንስድራቤታት ይሓታ ኣለዋ።

እቶም ኣብ ሊስታ ናይ ምምሕዳር ከባቢታትን ኩፖንን ዘለዉ ሰባት ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ዘለዉ እንተኾይኖም ካብ ኣሃዳኦም መረጋገጺ ሰነድ ከቕርቡ ስድራቤቶም ይሕተቱ ምህላዎም ተፈሊጡ። እቶም ኣብ ሊስታ ዘለዉ ሰባት ናብ ስግረዶብ ዝኸዱ ተኮይኖም ድማ ስድራቤቶም ብዛዕባ ምህዳም ደቕኹም ኣቀዲምኩም ንምምሕዳር ከባቢታትኩም ስለምንታይ ኣይሓበርኩምን ዝብል ሕቶታት ፅሕተቱ ምህላዎምን ኣብቲ ናይቲ ስድራቤት ፎርም ብስግረዶብ ዝሕተት ዝብል ምልክት ይሰፍር ከምዘሎን ምንጭታት ሓቢሮም።

ገለ  ደቆም ዝተኣሰሩን ብዘይ ሃለዋት ዘጥፉኡን ስድራቤታት ‘ደቅና ንስኹም ምስወሰድኩሞም ሃለዋቶም ኣይንፈልጥን ኢና፤ ደቅና ኣበይ ኣለዉ ንእንሕተት ሕና ዘይኮናስ ንስኹም ኢኹም ክትኮኑ ዘለኩም ንሕና ሓተቲ ኢና’  ዝብል መልሲ ብብዝሒ ስድራቤታት ይህቡ ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እዚ ናይ ሎምቅነ ኩፖን ናይ ምምላእ ዕዮ፤  ህዝቢ ዒፍ ኢልዎ ስለዘሎ ምንዕዓብ ከይገብር ሰሙናዊ ንህዝቢ ዘሻቕልን ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ዘዕገርግሮን ኩነታት እንዳፈጠረ ዝኾነ ተቓውሞ ንከየልዕል ዝምህዞ ዘሎ ተግባራት መንግስቲ ኤርትራ ሙኻኑ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም። ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ዝኽነ ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ናቕፋ ዘቐመጠ ሰብ ካበይ ከምዘምጸኦ መዓስ በየናይ ቀረጽ ወዘተ ዝብል ሕቶታት ዝሓዘ ፎርም ዓዲሉ ነቲ ገንዘብ ንምርሳይ ይዳሎ ምህላዉ ብሬድዮ መድረኽ ተሓቢሩ ነይሩ። ከም መቐጸልታ ናይዚ ህዝቢ ናይ ምዕግርጋር ውዲት ማይ እንዳሃለወ ማይ የለን፥ ጥሜት መታን ክኣቱን ስፔዛ መታን ክሰኣንን  ካብ ተሰነይ ንዝግበር ምንቅስቓስ እንዳፈተሽካ ስፔዛ ምህጋር  ይቕጽል ምህላዉ ዝሓበሩ ምንጭታት  ንህዝቢ ሰላም ከሊእካ ናብ ተቓውሞ ከየነጻጽር ዝግበር ዘሎ ሜላ ብሙኻኑ ቅንይ ኢሉ ውን ተመሳሳሊ ህዝቢ ዘሻቕል ካልእ ኣዋጅ ክመጽእ ሙኻኑ ሓቢሮም።

 

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →