Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና) ኣብ ትሕቲ ከቢድ ምክትታል ኣሃዱታት ጸጥታ!

By   /  October 28, 2016  /  Comments Off on ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና) ኣብ ትሕቲ ከቢድ ምክትታል ኣሃዱታት ጸጥታ!

    Print       Email

ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና) ኣብ ትሕቲ ከቢድ ምክትታል ኣሃዱታት ጸጥታ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንትን ኣካላት ሃገራዊ ድሕነትን ከምዘሎ ምንጭታት መድረኽ ካብ ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም።

ጀነራል ፍሊጶስ ሓለቓ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኮይኑ ድሕሪ ምምዳቡ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል ብፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ናይ ምእላይ ደብዳብ ሕቶ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ድሕሪ ምልኣኹ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ፤ ጀነራል ሃይለ ዝኾነ መልሲ ካብ ቤትጽሕፈት ፕረሲደንት ብዘይምርካቡ ካብ መዝነቱ ከም ዝተኣለየን  ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ስራሕ ደው ኢሉ ምህላዉን ዝእዝዞ ዝነበረ እዚ ድማ ሓድሽ ኣዛዚ ከምእተመደበሉን  ዝፍለጥ ኢዩ።

ብሰንኪ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ምትፍናን ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንትን ሃገራዊ ድሕነትን ንጀነራል ቻይና ንምክትታል ዝተመደቡ ሰባት ብጥቡቕ ኩሉ ናይ ቴሌፎን ርክባት፥ ዝኾነ ዘካይዶም ርክባትን ዝረኽቦም  ሰባትን እንተላይ ናይ መቕርቡ ምንቅስቓስን ዝርርባትን ዕላላትን ይከታተሉ ምህላዎም፥ ኩሉ ናይ ቴሌፎን ርክባቶም ድማ ተጠሊፉ ኣብ ትሕቲ ዝርዝራኣዊ ምክትታል ሃገራዊ ድሕነት  ምህላዉ ይሕበር።

ሜጀር ጀነራል ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ናብ ጀርመን ንሕክምና ኪገይሽ ዘቕረቦ ሕቶ ብቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ከም እተነጽገ ዝሓበሩ ምንጭታት፤ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ናብ ሱዳን መጺኡ ናይ ዓይኒ ሕክምና ኣብ ዝገበረሉ እዋን ሲቪላዊ ናብራ ዝነብሩ ብዝመስሉ ኣባላት ጸጥታ ኣዚዩ ጽዑቕ ምክትታል ይግበረሉ ምንባሩ ሓቢሮም፥ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ናይ ሱዳን ናይ ሕክምና ግዚኡ ሓጺር ምንባሩ፤ ምናልባት እውን ቅድሚ ግዚኡ ምእካሉ ንኣስመራ ከም እተጸወዐ ምንጭታት ይሕብሩ።

ሬድዮ መድረኽ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ገሊጽዎ ከምዝነበረ ጀነራል ፍሊጶስ፤ ናይ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ምንቅስቓሳትን ኣንጻር ፕረዚደንት ኢልዎ ዝበሃል ዘረባታትን ናብ ፕረሲደንት ብምብጻሕ ኣብ ምሕሽካር እቲ ዝምድና ልዑል ኣሉታዊ ተራ ምጽዋቱ ይፍለጥ።

 

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →