Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

መንግስቲ ግብጺ 60 ዝኾኑ ናብ ሊብያ ክሰግሩ ዝሓዞም ስደተኛታት ናብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቡ

By   /  October 19, 2016  /  Comments Off on መንግስቲ ግብጺ 60 ዝኾኑ ናብ ሊብያ ክሰግሩ ዝሓዞም ስደተኛታት ናብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቡ

    Print       Email

ብ 14 ጥቅምቲ፥ መንግስቲ ግብጺ ኣስታት 60 ዝኾኑ ናብ ሊብያ ክሰግሩ ዝሓዞም ስደተኛታት ናብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ከምዘቕረበ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣረዲኡ።

ምስቶም  ዝበዝሑ ሱዳናውያንን ግብጻውያንን ምዃኖም ዝተነግረሎም ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራን ሶማል እዉን ብውሑድ ቊጽሪ ከምዝርከቡ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ ፥ ጉዳዮም ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ክረአ መዉሳኑ መነጸርታ ናይቲ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኣቚሙዎ ዘሎ ጽኑዕ ወፍሪ ከምዝኾነ ጸብጻባት ይሕብሩ ኣለዉ።

እቶም ኣስታት 60 ስደተኛታት ብ ረቡዕ 12 ጥቅምቲ ናብ ሊብያ እንዳምርሑ ከለዉ ብኣባላት ሓለዋ ዶባት ግብጺ ዝተታሕዙ ኮይኖም፡ ጉዳዮም ናብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ምምራሑ ሓያሎ ተጣበቕቲ ስደተኛታትን ሰብኣዊ መሰላትን ኩነኔኦም የስምዑ ኣለዉ።

በቲ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ዝተዋህበ ውሳኔ ዛጊት ኣይተነጸረን ዘሎ።

 

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →