Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ ብከዉሊ ካብ ዝመርሖ መርበብ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንዝሰርሑ ተወዳደርቱ ይጨዊ

By   /  October 8, 2016  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ ብከዉሊ ካብ ዝመርሖ መርበብ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንዝሰርሑ ተወዳደርቱ ይጨዊ

    Print       Email

መንግስቲ ኤርትራ ብከዉሊ ካብ ዝመርሖ መርበብ ምስግጋር ደቂ ሰባ ወጻኢ፡ ኤርትራውያን ናብ ሱዳን ኪንዮኡን ብዉልቆም ዘሰጋግሩ ኣብ ሱዳን ዝምቕማጦም ኤርትራውያን ፡ ብኣሃዱታት ስለያ ወጻኢኡ ይጭወዮም ከምዘሎ ወኪልና ካብ ከተማ ካርቱም ሓቢሩ።

እዚ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዉልቃውያን ኣሰጋገርቲን ደላሎን  ዝካየድ ዘሎ ጭውያ ፥ ምስቶም መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘካይዶም ዘሎ ግፋታት ሓቢልካ ይትግበር ከምዘሎ እዩ እቲ ወኪልል ዝገልጽ።

ቊጽሮም ብልክዕ ዘይተገልጸ ኤርትራውያን ኣሰጋገርቲን ደላሎን ካብ ከተማታት ካርቱም፣ ከሰላን ፖርትሱዳንን ተወሲዶም ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ፥ ነቶም ኣብ ሱዳን ኮይኖም ብዉልቆም ሰባት ዘሰጋግሩን ኣብ`ቲ ተግባር ዝድልሉን ኤርትራውያን ብተሌፎናት ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ክህብን ናብ ኤምባሴ መጺኦም ኣብ ሕድገታትን ምርድዳእን ዝምእከል ቅሩብነት ከርእዩን  ቀጻሊ ከምዝሰርሕ ዝሓበረ ወኪል ድምጺ መድረኽ፥ ነቲ ጠለብ ናይ ዝነጽጉ ኣሰጋገርቲን ደለልቲን ሓበሬታ ብቐጻሊ ናብ ክፍሊ ስለያ ወጻኢ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘመሓላልፍ የረድእ።

ምሰረታዊ ዕላማ እቲ ካብ መንፈቕ 2016 ሓዪሉ ዘሎ ጭዉያ ዉልቃውያን ኣሰጋገርቲን ደለልቲን ፥ መንግስቲ ኤርትራ ንግዲ ደቂ-ሰብ ንምቕያድ ዘይኮነ ኣብ`ቲ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንዝጫረትዎ ወገናት ንድቓቕ እዩ።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →