Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ ህዝቢ ንምርዓድ ናቕፋ ኪቕየር ኢዩ ዝብል ዘመተ ወረ ይዝርግሕ።

By   /  October 30, 2016  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ ህዝቢ ንምርዓድ ናቕፋ ኪቕየር ኢዩ ዝብል ዘመተ ወረ ይዝርግሕ።

    Print       Email
ባንክታት ኤርትራ ኣዚዩ ከቢድ ናይ ገንዘብ ሕጽረት ኣጋጢምወን ምህላዉ ምንጭታት ሓቢሮም። ብሰንኪ ኣብ ባንክታት ኤርትራ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ፊናንሳዊን ፊሲካላውን ጽላት ኣጋጢሙ ዘሎ ምንዋጽ፤ መንግስቲ ኤርትራ ናይ 2016 ተባሂሉ ዝተሓንጸጸ ናይ ዞባታት መደባት ምሉእ ብምሉእ ክስረዝ ኣዚዙ። ምምሕዳር ዞባታት ናይ 2016 ባጀተን ረሲዐን ን2017 ዝኸውን ባጀት ከቕርባ ንሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር መምርሒ ውን ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
ብዘይካ እዚ ናይ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ይኹን ኣባላት ሰራዊት ደሞዝ እውን በቲ ዝተባህለ ደረጃ ክቕጽል ዲዩ ኣይኮነን ብርግጸኝኘት ክፍለጥ ከምዘይተኻእለ ዝሓበሩ ምንጭታት መድረኽ፤ እቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንባንክታት ዝዓደሎ 2 ቢልዮን ናቕፋ ዋሕዙን ምዝውዋሩን ምቁጽጻር ሓርቢትዎ ምህላዉ ገሊጾም።
ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ ካብ ቤትጽሕፈት ፕረሲዚደንት ብእትዋህቦ መሰረት  ናብ ኩለን ትካላት ብፍላይ ድማ ናብተን ብርክት ዝበለ ገንዘብ ዘንቀሳቕሳ ከም በዓል ሜሎቲ ቢራ፤ እንዳ ኮካ፥ ማይ ሰሓን ወዘተን ናይ ገንዘብ ጠለባትን ክውስና መምርሒ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።ነብሲ ወከፍ ናይ ንግዲ ትካል ዘለዎ ሰብ ውን መኽሰብ ይርከብ ኣይርከብ ብዘየገድስ 5 ሽሕ ናቕፋ ናብ ባንክ ከቐሙ ይእዝዝ ኣሎ።
መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቢ ናብ ራዕዲ ኣእቲዩ ገንዘቡ ንምቁጽጻር፤ ‘ ዳግማይ ምቕያር ወረቐት ናቕፋ ክህሉ ኢዩ ኣብ ኣባይቲ ድማ ተፍትሽ ኪካየድ ኢዩ’ ዝብል ልሙድ ናይ ባዶ ሰለስተ ዘመተ ወረ ኣብ ኣስመራ ዘርጊሑ ኣሎ።
    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →