Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ሕማም ሸሮኽ ፥ ካብ 6 ክሳዕ 9 ጥቅምቲ ጥራይ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ ሂወት 3 ሰባት ከምዝወሰደ ወኪል ድምጺ መድረኽ ካብ ከተማ ኣስመራ ሕቢሩ።

By   /  October 15, 2016  /  Comments Off on ሕማም ሸሮኽ ፥ ካብ 6 ክሳዕ 9 ጥቅምቲ ጥራይ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ ሂወት 3 ሰባት ከምዝወሰደ ወኪል ድምጺ መድረኽ ካብ ከተማ ኣስመራ ሕቢሩ።

    Print       Email

ኣብ ወተሃደራዉያን መዓስከራት፣ መደበራት ታዕሊም ከምኡዉን ኣብያተ ማእሰርቲ ሃገርና ብዘሰክፍ ኩነታት ክላባዕ ጀሚሩ ምህላዉ ዝንገረሉ ሕማም ሸሮኽ ፥ ካብ 6 ክሳዕ 9 ጥቅምቲ ጥራይ  ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ ሂወት 3  ሰባት ከምዝወሰደ ወኪል ድምጺ መድረኽ ካብ ከተማ ኣስመራ ሕቢሩ።

ኣብ`ቲ ብእንዳ-ኪዝ ዝፍለጥ እሱራት ዝጽፈጹፉሉ ክፋል ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ በቲ ሕማም ዝሞቱ እቶም ሰለስተ መእሰያት ፥ ብዛዕባ ሕማሞም ብተደጋጋሚ ከመልክቱን ምስ ሓኪም እቲ ቤት-ማእሰርቲ ክጣርዑን እኳ እንተጸንሑ ፥ ንምምኽናይ ኢዂም ሓሚምና ትብሉ ዘለኹም ዝብል ግብረመልሲ እንዳተዋህቦም – በቲ ሕማም ተሰኒፎም ክሳዕ ዝሞቱ ሕክምናዊ ረድኤት ከምእተኸልኦም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሓለፍቲን ሓኪምን እቲ ቤት ማእሰርቲ ፥ እቶም ሰለስተ መንእሰያት በቲ ሕማም ሞይቶም ምዃኖም ምስ ኣረጋገጹ ጥራይ እዮም ናብ ክፍሊ እሱራት- ሆስፒታል ሓሊበት ሰዲዶሞም።

ኣብቲ ልዕሊ 500 እሱራት ጸፍጺፉ ዘሎ እንዳ-ኪዝ ብቀልቀልን ርስሓትን ዝመሓላለፉ ሕማማት ቀጻሊ ከምዝረኣዩን ነቶም ሕማማት ሻቡ ንምግታኦም ዝኾነ ተበግሶ ከምዘይዉሰድን ዝግለጽ ኮይኑ ፥ እዋናዊ ክስተት ሕማም ሸሮኽ ኣብ`ቲ ቦታ ሂወት ሓያሎ እሱራት ከይወስድ ተሰጊኡ ከምዘሎ ወኪልና ይሕብር።

ካብ`ቶም ሞይቶም ዘለዉ 3 እሱራት ስድራቤት ናይ እሰይ ባርያማርያም ዝተባህለ ግዳይ ጥራይ`ዮም ብዛዕባ ዉሉዶም ብዘይወግዓዊ መንገዲ ተረዲኦም ዘለዉ።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →