Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ህልቂት ልምፔዱሳ ስለምንታይ ካልኦት ህልቂታት ክገትእ ዘይከኣለ?

By   /  October 2, 2016  /  Comments Off on ህልቂት ልምፔዱሳ ስለምንታይ ካልኦት ህልቂታት ክገትእ ዘይከኣለ?

    Print       Email

ብ 03 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ገማግም ኢጣልያ ብዘጋጠመ ምጥሓል ባሕሪ ልዕሊ 300 ኤርትራውያን ህይወቶም ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ጠፊኦም። መደበር ኣልጀዚራ ነቶም ግዳያት ‘ካብ ኣሰቃቂ ሞት ናብ ዝሓሸ ሞት ክሃድሙ ዝሞቱ ኤርትራውያን’  ክትብል ገሊጻቶም። እዚ ድማ ካብቲ ምስቶም ካብታ መርከብ ዝደሓኑ መንእሰያት ዝገበረቶ ቃለመሕትት ብምሙርካስ ኢዩ።

እቶም መንእሰያት ስለምንታይ ክንድዚ ዝኣክል ናይ ሓደጋ ስጉምቲ ወሲድኩም ተባሂሎም ኣብ ዝተሓተቱሉ እዋን ‘ጉዕዞና ካብ ዘይተርፍ ሞት ናብቲ ናይ ምድሓን ተኽእሎ ዘለዎ ሞት ስለዝኾነ እቲ ስጉምቲ እንዳፈለጥናዮ ኢና ኣቲናዮ ምኽንያቱ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነት ሞት ምስ ባርነት ኢዩ’ ክብሉ ገሊጾም።

ኣብቲ እዋን እቲ ብዘጋጠመ ህልቂት ባሕሪ ላምፔዱሳ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራን ፈታዊኡን ኣብ መሪር ሓዘን ቀንዩ ጥራይ ዘይኮነ ቴለፎናቱ ፤ ወግዑ ፤ ህይወቱ  ፤ መራኸቢ መርበባቱ – በቲ ግፍዒ’ቲዩ ተገዚኡ ቀንዩ።

የግዳስ  ጽባሕ፤ ድሕሪ ጽባሕ ፤ወይ ድሕሪ ወርሒ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከየጋጥም እንታይ ክግበር ይግባእ ኣብ ዝብል ጉዳይ ብዑምቆት ኣይዘተየን። ኮይኑ ድማ ላምፔዱሳ ስዒቡ ኣብ ዝመጸ ዓመታት ዓሰርተታት ላምፔዱሳታት ፈጢራ። ዝሃለቑ እሞ ድማ ኣስማቶም ዝተፈልጠ ጥራይ ዘይኮነስ ሃለዋቶም ዘይፍለጡ ኣብ ምስጢራውያን መራኽብ ዝተሰወሩ ዜጋታት ውን ኣለዉ።ስለዝኾነ ሓዘን ላምፔዱሳ ካልኦት ሓዘናት ከይስዕቡ ዘበርከቶ ፍረ ኣይነበረን።

ሓዘን መግለጺ ስምዒት ጥራይ’ዩ።ሓዚኑ ንኻልእ ሓዘን ዝገትእ፤ ነባሪ ፍታሕ ዘረጋግጽ ዕዮ እንተዘይስዒብዎ ድማ ሓደ ምዕራፍ ናይ ጸሊም ታሪኽ  ጥራይ ኮይኑዩ ዝሓልፍ። ዝረዘነ ናይ ሓዘን መግለጺ ምስቲ ዝሞተ ምንባርዩ፣ምስኡ እትነብር ድማ መዋቲ ዝብህጎ ዝነበረ ነገር ምስ ትገብርዩ።ብኣንጻሩ ናይ ሰባት ዕላማ ምስ ሬሰኦም ተቐቢርካዮ ድርብ ሞትዩ ዝኸውን።ሞቶምን ሞት ዕላመኦምን።

‘’ ሳልስቲ  ጫውጫው ኢሎም ዘፍ ኪብሉዮም ‘’ ዝብል ነዓቒ ገምጋም ናይ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ካብዚ ተመኩሮ ዝነቅል፣ንዉሑድ ዝርገሐ ድማ ሓቅነት ዘለዎ’ዩ።  ጉጅለ 15 ተኣሲሮም ድሕሪ ጫውጫው ምርሳዕዩ መጺኡ ።ፍጻሜ 21 ጥሪ ድሕሪ ሆይሆይ ምስትርሓውዩ ስዒቡ።ክንድ ዝኾነ ድማ ዝኾነ ዘሕዝን ፍጻመ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ዘንቅሎ ሓደ መሰረታዊ ሃገራዊ ሕቶ ክህልዎ ይግባእ – ድሕሪ እዚ ፍጻመኸ ናበይ? ብኸመይ? በየን? ምስመን? ስለምንታይ? መዓስ?

መንግስቲ ኤርትራ ምስናይ ደገፍቱ  መልሱ ብዘየሻሙ ቃና ነጊሩ ኣሎ። ህልቂት መንእሰያት ኣብ ጥቓ  እዝኑ ዘይበጽሕ በናኒ ዕላል ሙኻኑ ተጠሊዑ ኣዊጁዩ። ኣስታት 350 ደቂ መሬት 3፡ 4 ርእሳ ‘’ለከምኩኹም’’ እናተናዘዘት ዝጸነተት ስድራ; ኣብ ማዕሙቕ ባሕሪ ዝተወልደ ህጻን – ዘይሕጋዊ ኣፍሪቃ’ዊ ጠሓሊ እምበር ባንዴራ ኣብ ፍርቂ ትደነሉ፣መራሕ ሃገር ሓዘኑ ዝገልጸሉ ሃገራዊ ጉዳይ ከምዘይኮነ ብዕሊ ነጊሩ ኢዩ።

ደገፍቲ መንግስቲ ዜስካሕክሕ ሬሳታት መንእሰያት ጌና ዓይኖም ከይኖቖረ ኣብ ልዕሊ ምዉታን ኤርትራ ኪላሃዩን – ብዊስኪ ኪጋጻጸቡን ከምዝሓደሩ፣ ወገኖም ናይ ሞት ወጋሕታ ተሳሂልዎ ከሎ ጽጋብ ዝሰርነቖ ወጋሕ ትበል ለይትታቶም ከምዝዓጦም፣ ተሰቲሮም ዘይኮነስ ምስናይ ምልክትኡ ኢዮም ዝነግሩ።ብሓጺር ኣገላልጻ እቶም ሓደ ወገን- እቶም ሰብ ዘመን- ናቶም  ጌሮም ኣለዉ፤ ተሪፉ ዘሎ ናይ ህዝቢ ኤርትራ መልሲዩ።ሕጂኸ ናበይ?

እታ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሰላ ፣ልዕሊ ካልኦት ብሉጻት ዝኸፈለላ ሃገር- ከምቲ ሰማእታታ  ክወድቁ ከለዉ ዝበሃግዋ ክትከውን እንታይ ኪግበር ይግባእ። እዞም  በስገዳድ ዝፈልሱ ዘለዉ መንእሰያት ካብ ህልቂት ክድሕኑ ፥ ቤትና ኣብ ዝብልዋ ዓደቦ ጤሰኦም ክተኽሉ፤  ዘሚዶም ክፈርዩ፤  ብሰላም ክነብሩ እንታይ ክግበር ኣለዎ ።ኤርትራ ካብ ውግእን ወረ ውግእን ድሒና ደቃ ናብ ትምህርትን ፍልጠትን ክትልእኽ ፣ ኣየናይ መንገዲ ክንጓዓዝ ይግባእ።

ከም ህልቂት ላሜዱሳ ወይ ውን ድሒሩ ኣብ ማእከል ኣሰመራ ዘጋጠመ ቅትለት ጸላም ሰንበት ዝኣመሰሉ ፍጻሜታት ሕቶታት ኣልዒሎም መልሶም  ከነናዲ ዘፋንዉና መናሃርያ እምበር፣ ደቅና ሓይኾም ውሒጦም ኣቖዚሞም ዘፋኑዉና ዛንታታት ሓዘን ጥራይ ኪኾኑ የብሎምን።

ከምቲ ህልቂት ዑናን ብሰግዲራን ዝያዳ ዘጨከነና ፥ ከምቲ ሽዕብን ባጽዕን ዝያዳ ዘንሃራና ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ደቅና  መወርወሪ  ባይታ ንቃልሲን ፍትሓዊ ጉዕዞን ኪኾኑ ይግባእ።

ብኣንጻር’ዚ- ሃገራዊ ስምዒት ከም መጠን- ባጤራ ዶላር መምስ ፍጻሜታት ክብ ለጠቕ ዝብል ፣ ወይ ውን ዛንታ ትራጀዲታት ካብ ዓይኒ ኣርእስተ-ዜና ምስ ተኸወሉ ዝኽርታት ካብ ልብታት ሰባት ዝግለሉ ተኾይኖም ፣ ከቢድ ሃገራዊ ዕማም ክሳለጥ ፍጹም ዘይሕሰብዩ።

በዚ መሰረት ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ከስተንትኖ ዝግባእ ሕቶታት ኬልዕል ኣለዎ ።ንሓንቲ ሃገር ወርሓዊ ብኣሽሓት ቑጸሩ ሰባት  – እሞ ድማ ናይቲ ሃናጺ ሓይሊ- ክበታተኑ ቀሊል ዋጋ ኣይኮነን። ኣብ ባሕርታት ዝቕዘፉ ዘለዉ፥ ኣብ መዓስከራት ዝንከራተቱ ዘለዉ፥ ኣብ ምድረበዳታት ዝረግፉ ዘለዉ መንእሰያት ስለምንታይ፥ ኣብ ምንቲ ምንታይ ?

ሕቶታት ምዝርዛር ጥራይ ግን ቁውም-ነገር የብሉን ፥ መልሲዩ ዝድለ ዘሎ ፥ ዝረአን ዝተሓዝን መልሲ ናይቲ ሃገራዊ ግድል !!

ዝበዝሐ እዋን ህዝብታት ግድላቶም ዘይፍትሓሉ ምኽንያት ኣብ መንጎ ፍታሕን ጭርሖን ዘሎ ፍልልይ ስለዘይግንዘቡዮም ፣ ግድላት ብፈታሕቲ ግድላት ዝኾኑ ግብራውያን ስጉምታት ደኣምበር ከይተፈለጦም መመላኽዕቲ ግድላት ብዝኾኑ ጭርሖታት ኣይፍትሑንዮም። ኤርትራ ትሓቶ ዘላ ድማ ፍታሕዩ። ፍታሕ ካብቲ ኣበስቢሱ ዝውደኣ ዘሎ መንሽሮ።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →