Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ ንገንዘብ ናይቶም ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ናቕፋ ዘቐመጡ ዜጋታት ክራስዮ ሙኻኑ ዝእምት ሓበሬታት የርኢ ኣሎ።

By   /  October 22, 2016  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ ንገንዘብ ናይቶም ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ናቕፋ ዘቐመጡ ዜጋታት ክራስዮ ሙኻኑ ዝእምት ሓበሬታት የርኢ ኣሎ።

    Print       Email

ከም መቐጸልታ ናይቲ ገንዘብ ህዝቢ ንምርሳይ ዝተገበረ ምቕያር ናይ ወረቐት ባጤራ ናቕፋ፥  መንግስቲ ኤርትራ ካብ ጸጥታንስለያን ሚኒስትሪ ፋይናንስን ባንክ ኤርትራን ዝተዋጸአት ኮሚቴ ብምጥያስ ዝኾነ ካብ ርብዒ ሚልዮን ናቕፋ ንላዕሊ ዘእተወ ሰብዝምርምር ፎርም ብምሕታም ናብ ሰብ ገንዘብ ዘርጊሕዎ ኣሎ።

እቲ ፎርም፥  እቲ ሚልዮናት ገንዘብ ካበይ ከምዝመጸ ብዕለት ክንደይን ብከመይን ከምዝተጠረየ ፥ዝርዝር ዋንነት ገዛውቲ መሬትንብረት መካይን ቀረጽ ዝኸፈሉሉ ቅብሊት ናይ መሸጣ ውዕል ወዘተ ዝርዝር ኢዩ።

እቲ ምርመራ ብ450 ኣብ ተሰነይ ዝቕመጡ ነጋዶ ተጀመሩ ምህላዉ ክፍለጥ እንከሎ፥  እቲ ስራሕ ሽሕኳ ንስሙ ኣብቲ ኮሚቴኣባላት ፋይናንስ ይሃልዉ፡ ተልእኹኡ ጸጥታውን ስለያውን ምርመራ ኮይኑ እቶም ዜጋታት ድሮ ነቶም መልስታትእንተዘይመሊሶም ገንዘቦም ክህገር ሙኻኑን ንሶም ውን ብሕጊ ክሕተቱ ሙኻኖምን እዩ ተገሊጹሎም ዘሎ።

    Print       Email

You might also like...

ምስ ቻይና ዝግበር ዘሎ ናይ ወርቂ ዕደና ስምምዓት ዳርጋ ንሃብቲ ናይ ኤርትራ ብነጻ ቻይና ክትወስዶ ዘፍቅደላ ውዕላት ይኸውን ምህላዉ ተሓቢሩ። 

Read More →