Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

235 የመናውያን ንወተሃደራዊ ስልጠና ናብ መደበር ታዕሊም ኩሌማ ኣትዮም።

By   /  September 3, 2016  /  Comments Off on 235 የመናውያን ንወተሃደራዊ ስልጠና ናብ መደበር ታዕሊም ኩሌማ ኣትዮም።

    Print       Email

ብ 25 ነሓሰ ፥ 235 የመናውያን ንወተሃደራዊ ስልጠና ናብ መደበር ታዕሊም ኩሌማ ናይ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝኣተዉ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ካብ ከተማ ዓሰብ ኣቃሊዖም።

ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ምንጭታት ፥ እቶም ተዓላሞ ናብቲ መዓስከር ኣብ ዝኣተዉሉ ብወኪል ናይቲ ነቲ መዓስከርን ምሕደራኡን ዝምዉል ዘሎ ዓረባዊ ልፍንታዊ ሓይሊ መብርሂ ከምእተዋህቦም ፥ ካብ ኤርትራውያን ዓለምቲ ተሰሪዑሎም ንዘሎ ታዕሊም ብዲሲፕሊን ክዓሙ ከምዝግባእ ድማ ከምእተነግሮም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ነቶም ኣትዮም ዘለዉ ሓደስቲ ተዓለምቲ ዝወሃብ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ፥ ትምህርቲ  ከቢድ ብረት ከምዝኾነ ዘረጋገጹ እቶም ምንጭታት፥ ነዚ ንምትግባር ሓንቲ ኣሃዱ ከቢድ ብረት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናብቲ መዓስከር ኣቐዲማ ኣትያ ከምዝጸንሐት ኣነጺሮም።

እቶም ሓደስቲ ተዓላሞ ንናይ ምሕንባስን ጥልቃን ፥ ምምራሕ ናእሽቱን ማእከሎትን  መራኽብ ኲናት፥ ከምኡዉን ናይ ሬድዮ ርክብ ብቕዓት ንኽዉንኑ ዝመደበ ተወሳኺ ታዕሊም እዉን ተሰሪዑሎም ከምዘሎ ፥ ነዚ ንምክትታል ድማ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝተዋጽአት ኣሃዱ ኣብ ምቅርራብ ምህላዋ ክድራእ ተኻኢሉ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቶም በብዙርያ ክዕለሙ ጀሚሮም ዘለዉ የመናውያን ዘሰልጥና ፍሉያት ናይ ታዕሊም ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ከባቢ ‘ኣቦ’ እንዳመልመለ ናብ መዓስከር ኩሌማ ከምዝልእኸን እዩ ዝግለጽ።

ንማእከላይ መንግስቲ ሃገሮም ክድግፉ ዝዕስክሩ የመናውያን ኣብ መሬቱ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክረኽቡን ክህብን ፈቒዱ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ፥ ኣብ ምዕላም እቶም የመናውያን ብቐዳምነት ይዋሳእ ከምዘሎ እዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ኣብ ክሌማ፥ የመናውያን ናይ ዝዕለሙለን መዓስከራት ቊጽሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳዛየደ ይመጽኣ ከምዘሎ ዝሕብሩ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ፥ ልፍንታዊ ዓረባዊ ሓይሊ ናብ እተን መዓስከራትን በብመድረኹ ናብ ዝመጽኡ የመናውያን ተዓላሞን ዝልእኮ ስንቅን ዕጥቅን ፣ እቲ ዝግዘፈ ክፋሉ ብመንግስቲ ኤርትራ ይጠፋፋእን ሓደስቲ ንብረት ብኣብ ጥቕሚ ዝጸንሐ ተመሳሳሊ ንብረት እንዳተለወጠ ናብተን መዓስከራትን ተዓላሞን ከምዝባጻሕን ይንገር።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ስዑዲ-ዓረብን ሕቡራት ሃገራት ኤማራትን ልዑል መጠን ገንዘብ እናተኸፍለ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት የመን ብምስታፍ ኣማስያኡ ንመሬታውን ማያውን ርግኣት እዚ ዞባ ዝሕምስ መርሓታት የተግብር ከምዘሎ’ዮም ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያን ተነትንቲ ዝወቕሱ ዘለዉ።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →