Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

2 ኣባላት ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ 2 ሚልዮን ዶላር ሒዞም ተሰዊሮም።

By   /  September 1, 2016  /  Comments Off on 2 ኣባላት ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ 2 ሚልዮን ዶላር ሒዞም ተሰዊሮም።

    Print       Email

ኣብ ሃገራት ህንድን ፓኪስታንን ወከልቲ  ክፍሊ ዕድጊ 09 ኮይኖም ክሰርሑ ዝጸንሑ ክልተ ኣባላት ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ  ብዕለት 23 ነሓሰ ብርክት ዝበለ ገንዘብን ዶክዩሜንትታን ሒዞም ከምእተሰወሩ ተገሊጹ።

እዞም ኣቶ ዮውሃንስ ዘርኣይን ኣቶ ጀማል ማሓመድ ዑስማን ‘ብሌናይ’ ዝተባህሉ ሰባት  ‘ሓደ ሓደ እንዘራረበሉ ጉዳያት ስለዘሎ ናብ ኣስመራ ክትመጹ ንሕብር’ ዝብል መልእኽቲ ካብ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብርህይወት ምስተቐበሉ ከምዝተሰወሩ ተሓቢሩ።

ኣቶ የውሃንስን ኣቶ ጀማል ብሌናይን ኣብ ዝተሰወሩሉ እዋን ምስኦም ዝነበረ ብርክት ዝበለ ገንዘብን ዶክመንታትን ከምኡውን እቲ ኣብ መንገኦምን ማእከላይ ቤትጽህፈቶምን ኣዛራቢ ኮይኑ ዝነበረ  ናይ 6 ወርሒ ጸብጻብን ሒዞም ከም ዝጠፍኡ ተፈሊጡ ።

እቶም ሰባት ሒዞሞ ዝኸዱ ገንዘብ  ክሳብ 2 ሚልዮን ዶላር ከምዝግመት ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ክፍሊ ሲቪላዊ ስለያ ዝሰርሑ ኣባላት ህግደፍ ማእከላይ ምብራቕን ኤሽያን ነቶም ሰባት ንምህዳን ጽዑቕ ስራሕ የካይዱ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ብኻልእ ወገን  ኣቶ ጀማልን ኣቶ  የውሃንስን ኣብ ምሕጻብ ገንዘብ ዝተዋፈሩ ገበኘኛታት ኢዮም ብምባል መንግስቲ ኤርትራ ናብ ዓለማዊ ውድብ ኢንተርፖል ከሲስዎም ምህላዉ ተፈሊጡ። ብተመሳሰሊ መንግስቲ ኤርትራ ንስድራቤት ኣቶ ዮሃንስን ጀማልን  ብዕለት 26/08/2016 ኣብ ትሕቲ ማእሰርቲ ከም ዘእተዎም ተፈሊጡ።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →