Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ዳርፉር ጃምላዊ ህልቂት ዝፈጸመ ጃንጃዊድ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ምዕጋት ሓላፍነት ተዋሂቡ

By   /  September 6, 2016  /  Comments Off on ኣብ ዳርፉር ጃምላዊ ህልቂት ዝፈጸመ ጃንጃዊድ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ምዕጋት ሓላፍነት ተዋሂቡ

    Print       Email

ኤውሮጳዊ ሕብረት  ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ብዝብል፣ ብመንገዲ መንግስቲ ሱዳን ናብ ዕጡቕ ምልሻ ጃንጃዊድ ልዑል መጠን ገንዘብ እንዳውሓዘ ንጸጥታዊ ኩነታት ሱዳን በሪዙ፣ ነታ ሃገር ናብ ኲናት ከሽምማ ዘኽእል ኩነታት ይፈጥር ምህላዉ “ሰሜናዊ ክፍሊ -ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን” (SPLAM-N) ወቒሱ።

እቲ ምንቅስቓስ ብመንገዲ ጠቕላሊ ጸሓፊኡ ያሲር ኣርማን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፥ ኤውሮጳዊ ሕብረት  ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ክዓግት ብምባል ብተዘዋዋሪ ነቲ ኣብ ኣኽራናት ኑብያ፡ ከባቢታት ብሉ ናይልን ሰፊሕ ካባቢታት ዳርፉርን ጃምላዊ ህልቂት ዝፍጽም ዘሎ ምልሻ ይምዉልን የዕጥቕን ከምዘሎ  ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ሱዳን ንገለ ክፋል ናይቲ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ተቐሪቡሉ ዘሎ ናይ 223 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ሓገዝ ናብ ምልሻ  ጃንጃዊድ ኣማእዚኑ ኣብ ልዕሊ’ቶም ናብ ሊብያን ግብጺን ዘብሉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኲናት ኣዊጁ ምህላዉ፡ ምንቅስቓሱ ከምዘረጋገጸ ዝሓበረ  ጠቕላሊ ጸሓፊ ያሲር ኣርማን፥ ጎድኒ ጎድኒ እዚ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ምልሻ ኣብ ምድቃቕ ተቑውሞታት ኣዉፊሩዎ ከምዘሎ ጠቒሱ።

ኣዛዚ ናይቲ “ሓይልታት  ንጡፍ  ግብረመልሲ”  ብዝብል ስም ክጽዋዕ ተመሪጹ ዘሎ ምልሻ ጃንጃዊድ  ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፥ ሓይልታቱ ንድሌታት ኤውሮጳዊ ሕብረት ማለት ምግታእ ዋሕዚ ስደት ጥራይ ወፊሮም ከምዘለዉ ፥ ስለዝኾነ ካብ ምዕራባዊ ዓለም ብሓፈሻ ካብ`ቲ ሕብረት ድማ ብፍላይ መጎስ ከምዝግባኦም እዩ ሓቢሩ።

እቲ ኣዛዚ ነዚ ዝገለጸ ፥መንግስቲ ሱዳን ንምልሻ ጃንጃዊድ ካብቲ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ተዋሂቡ ዘሎ ሓገዝ እንዳዕጠኸን እንዳመወለን ኣብ’ቲ ምስ ሊብያን ግብጽን ዘዳውብ ከባቢታት ሱዳን ብምውፋር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ናብ ሃድን ዝቃረቡ ስርሒታት የካይድ ምህላዉ ዘረጋግጹ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ድሕሪ ምውጻኦም እዩ።

መንግስቲ ሱዳን ብመንገዲ እቲ ምልሻ  ልዕሊ 700 ስደተኛታት ናብ ግብጺን ሊብያን ክሰግሩ ከምዝሓዘ ብወግዒ ምግላጹ እዉን ኣይርሳዕን።

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →