Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ን “18-መስከረም” ከምተን ንምሉእ ሓርነቱ ዝጸወዓ ዕለታት ወሲዱ የብዕላን ይዝክራን ኣሎ።

By   /  September 17, 2016  /  Comments Off on ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ን “18-መስከረም” ከምተን ንምሉእ ሓርነቱ ዝጸወዓ ዕለታት ወሲዱ የብዕላን ይዝክራን ኣሎ።

    Print       Email

18 መስከረም 2001 ፡ እቶም በደልን ፖለቲካዊ ዝምታን ሳዕሪሩ ኢሎም መቐይሮ ዝጸውዑ ፖለቲከኛታትናን እቶም ህዝቢ ጸገሙ ይብእስ  ከምዘሎ ዘይሓብኡ ጋዜጠኛታትን ብመሓዉራት ጸጥታ  ፕረዚደንት ኢሳያስ ዝተሞቚሑላ ዕለት እያ።

ህዝብና ነቶም ፖለቲካዊ ራህዋኡ ዝጸውዑ ጀጋኑ  ከምዘይረስዖም ካብ`ቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ዝኽሪ ንምርዳኡ ዝከኣል ኮይኑ፥ እዛ ዕለት እዚኣ መዘና`ተን ንሓርነትናን ቃልስናን ዘመልክታ ዕለታት ኮይና ምህላዋ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ነዞም ጸዋዕቲ ለውጢን  ድሞክራስያዊ ተበግሶኦምን  ካብ ገጽን ዝኽርን ህዝቢ ንምህሳሶም ንኣስታት 15 ዓመታት  ዳጒንዎም ከምዘሎ  ዘዘኻኸሩ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ፡ እቶም ጀጋኑ – ማዕረቲ  ዝጸውዕዎ ለውጢ ዘንጸፍዎ ደሞክራስያዊ ባህሊ ከምዘሎ ፥ እዚ ባህሊ እዚ ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ እናተፈትለ ድማ ነዚ ሕጂ ባዕድን ምልክን ዘይጻወር ወለዶ ኣፍሪዩ ምህላዉ ኣነጺሮም።

ኣብ መስከረም 2011 ዝተራእየ ተቛውሞ ፡ ካብቶም ካብ ፈለማ መዓልታት ናጽነት ብተጋደልቲን በርጌስ ክፋል ሕብረተሰብን ዝተራእዩ ምንቅሳቓሳት – ብትሪ ጻውዒቱን መንፈሱን ዝገዘፈን ፍሉይን ምንባሩ ዝሕብሩ ጸብጻባት ፥ ካብኡ ዝማዕበለ ናይ ለዉጢ መንፈስ ሕጂ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ከምዝርከብ ይገልጹ

(ስእሊ ካብ ትዊተር ተመስገን ደበሳይ)

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →