Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ከባቢመለኽሰይቶ ዞባ ደቡብ ኣብ መንጎ ኣሃዱታት ሰለያ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኣሃዱታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ብዕለት 10 ረጽሚ ተኻይዱ።

By   /  September 15, 2016  /  Comments Off on ኣብ ከባቢመለኽሰይቶ ዞባ ደቡብ ኣብ መንጎ ኣሃዱታት ሰለያ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኣሃዱታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ብዕለት 10 ረጽሚ ተኻይዱ።

    Print       Email

download-18ኣብ ከባቢመለኽሰይቶ ዞባ ደቡብ ኣብ መንጎ ኣሃዱታት ሰለያ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኣሃዱታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ብዕለት 10 ማለት ድሮ ሓድሽ ዓመት ግእዝ ረጽሚ ተኻይዱ።

እቲ ካብ ሰዓት 9፡45 ናይ ኣጋምሸት (ድሮ በዓል ቅዱስ የውሃንስን ዒድን) ዝተኻየደ ረጽሚ  ብናይ ክልቲኤን ሃገራት ስለያን ጸረ ስለያን ዝተኻየደ ምንባሩ ክሳብ ሰዓታት 11 ናይ ለይቲ  ከም ዝቐጸለን ተፈሊጡ ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ዕለት 1 መስከረም ካብ ክልቲኦም ወገን ክሳብ 10 ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑን ዝተወግኡን ዝሓበሩ ምንጭታት ፣እቲ ክስተት ብምንታይ ከም ዝጀመረ ከምዘይተፈልጠ ገሊጾም።

ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጲያን ብዝያዳ ድማ ኣብ ከባቢታት መለኽሰይቶ ጾሮናን ዓዲተኽላይን  ዘጋጥሙ ረጽምታት ልሙዳት እንዳኾኑ ይኸዱ ምህላዎም ዝሓበሩ ምንጭታትና ኣብዚ ድሮ ዓውደ ዓመት ዝተኻየደ ግጭት መቐጸልታ ናቱ ሙኻኑ ሓቢሮም።

መንግስቲ  ኢትዮጵያ ናብ ውሽጢ ሃገር ስሒባቶ ዝነበረት ሰራዊታን ኣጽዋራን ዳግማይ ናብ ዶባት ኤርትራ ተጸግዖ ከም ዘላ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →