Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣስታት 800 የመናውያን ንወተሃደራዊ ታዕሊም ብመንገዲ ወደብ ዓሰብ ናብ ኩሌማ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ።

By   /  September 24, 2016  /  Comments Off on ኣስታት 800 የመናውያን ንወተሃደራዊ ታዕሊም ብመንገዲ ወደብ ዓሰብ ናብ ኩሌማ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ።

    Print       Email

ረቡዕ 21  መስከረም ፥  ኣስታት  800 የመናውያን ንወተሃደራዊ ታዕሊም ብመንገዲ ወደብ ዓሰብ ናብ ኩሌማ ከምዝኣተዉ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ካብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቃሊሖም።

ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ምንጭታት ፥ እቶም የመናውያን ካብ ስዑዲ-ዓረብ ዝተበገሱ ኮይኖም ብስዑዲ ዓረብ ኣብ እትዉነን ዓባይ መርከብ ተጻዒኖምን ብ3 መራኽብ ኲናትን ሓያሎ ነፈርቲን እታ ሃገር ተዓጂቦምን እዮም ናብ ወደብ ዓሰብ ኣቲዮም ዘለዉ።

እቶም የመናውያን ዓሰብ ኣብ ዝኣተዉሉ ሻቡ ናብቲ  መንግስቲ ኤርትራ ፥ የመናውያን ወተሃደራት ከሰልጥነሉ ሓዚእዎ ዘሎ ኣብ ኩሌማ ዝርከብ መዓስከር ከምዘምርሑ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ መዓስከር ኩሌማ ንልዕሊ 5 ሽሕ የመናውያን ወተሃደራዊ ታዕሊም ክካየድ ሓድሽ መደብ  ተጻፊፉ ምህላዉ ዘመልከቱ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ፥ እቲ ናይ ባሕርን መሬትን ከምዝኾኑ ዝንገረሉ ወተሃደራዊ  ታዕሊም ከም ልሙድ ዝበዝሐ ክፋሉ  ብናይ ታዕሊም ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝዕመም ከምዝኾነ የረድኡ።

ስዑዲ ዓረብ ኣንጻር የመናዊ ዕጡቕ ሑቲ ዝቃለሱን ንማእከላይ መንግስቲ የመን ዝድግፉን  የመናውያን ንምዕላም ልዕሊ ካልእ እዋን ብልዑል ቊጽሪ ናብ መሬት ኤርትራ ተእቱ ከምዘላ እዩ ኪግለጽ ጸኒሑ።

ብተወሳኺ ስዒዲ ዓረብን  ሕቡራት ኤማራትን ኣብ ሰፊሕ ማያዊ ገማግም ኤርትራ ዝተወሃሃደ ጸጥታውን ወተሃደራዉን ትሕተ-ቅርጺ የደላድላ ከምዘለዋ ዘመልክቱ ወገናት ፥ ዕላማ እዘን ሃገራት ኪንዮ ምድቓቕ የመናዊ ምንቅስቓስ ሑቲ  ኣብ ምጽላዉ ጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታት እዚ ዞባ ዘራቐቐኦ ነዊሕ መደብ ክህሉ ከምዝኽእል ይትንትኑ

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →