Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ንቊጠባው ጉዳያት ህግደፍን ገለ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኤ

By   /  September 16, 2016  /  Comments Off on ንቊጠባው ጉዳያት ህግደፍን ገለ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኤ

    Print       Email

ንቊጠባው ጉዳያት ህግደፍን ገለ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኤርትራ  ብምስጢር  ዝዉክል  ሓደ ኤርትራዊ ነጋዳይ ኣብ ዞባ ከሰላ ማይ ኣጻሪዩ ዝዕሽግ ፋብሪካ ይሃንጽ ከምዘሎ፡ ወኪል ድምጺ መድረኽ ካብታ ዞባ ኣቃሊዑ።

እቲ ኣብ ኣንጎላ ገዚፍ ቊጠባዊ ወፍሪ ዝዉንን ኤርትራዊ ነጋዳይ ፥ በቶም ዝዉክሎም ወገናት ብዝተነግሮ ሓበሬታ መሰረት፣ ናብ ዞባ ከሰላ ብምኻድ ምስ ሰብ መዚ እታ ዞባ ድሕሪ ምዝርራቡን ናብ ምስጢራዊ ስምምዕ ድሕሪ ምብጻሑን መሬት ከምእተዋህቦ፥ እቲ ፋብሪካ ብምስጢርን ብዘይኣፍልጦ ተወሳኺ ወገንን ክትግበር  ስለዝተሓበሮ ድማ ህንጸት እቲ ትካል ብከዉሊ ይካየድ ከምዘሎ ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

እዚ ብከባቢ 7 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ዝህነጽ ዘሎ ፋብሪካ ዋንነት ላዕለዎት ኣባላት ቊጠባዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣዘዝቲ ሰራዊት ከምዝኾነ ዘረጋገጸ  ወኪል ድምጺ መድረኽ ፥ ነቲ ፋብሪካ ዝሃንጽ ዘሎ ኤርትራዊ ነጋዳይ ብዘይካ ስማዊ ወናኒ ምዃን ዝረኽቦ መለሳ እንተሃልዩ ኣዚዩ ትሑት ኮሚሽን ከምዝኾነ የረድእ።

ቊጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሱዳን ብስም ዉልቀሰባት ዝዱኲኖም ፋብሪካታት፣ መስመራት ንግዲ፥ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ፥ ናይ ሸርፍን ሓዋላን ኣሃዱታት ብዙሓት ከዝኾኑ እዩ ዝግለጽ።

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →