Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ብልሽዉና ዝከታተል ኣህጉራዊ ኣካል ፥ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት መስፍራዊ ጸብጻቡ ንኤርትራ ድሕሪ ኩለን ሃገራት ከምዝሰረዓ ተገሊጹ።

By   /  September 13, 2016  /  Comments Off on ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ብልሽዉና ዝከታተል ኣህጉራዊ ኣካል ፥ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት መስፍራዊ ጸብጻቡ ንኤርትራ ድሕሪ ኩለን ሃገራት ከምዝሰረዓ ተገሊጹ።

    Print       Email

ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ብልሽዉና ዝከታተል ኣህጉራዊ ኣካል ፥ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት መስፍራዊ ጸብጻቡ  ንኤርትራ  ድሕሪ ኩለን ሃገራት ከምዝሰረዓ ተገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ኣካል ኣብ መንግስታዊ ትካላትን  ህዝባዊ ጽላትን ንዝምዝገብ ብልሽዉና  ከም መምዘኒ ወሲዱ ካብ ዘጽነዐን 175 ሃገራት ፥ ንኤርትራ ኣብ መበል 175 ደረጃ እዩ ሰሪዑዋ ዘሎ።

ኣብ ኤርትራ ትካላዉነት ዝነፍግ ምሕደራ ነጊሱ ብምህላዉን፣ ንሱ ብዝጠንቚ – ተሓታቲን ክፉትን ባጀታዊ ስርዓት ብዘይምህላዉን ፥ ብልሽዉና ኣብ መንግስታዊ ትካላት ሳዕሪሩ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል፥ እዚ ኩነት እዚ ን25 ዓመታት ዝቐጸለ ኩነት ብምዃኑ ፥ ነጸብራቕ ናይዚን ብሰንኩ ዝኽሰት ብልሽዉናን በቲ ነጊሱ ዘሎ ኣዚዩ ትሑት ደረጃ መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ዝምስከር እዩ ኢሉ።

በቲ ዝተመዝነ ብልሽዉና ምስ ቐዳሞት  10 ሃገራት ዝተሰርዓ ፥ ሶማል፣ ሰሜን ኮርያ ፣ ሰሜን ሱዳን፣ ኣፍጋኒስታን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ዒራቕ፣ ቱርኪሚኒስታን፣ ኡዝበኺስታን፣ ሊብያን ኤርትራን ክኾና እንከለዋ፥ ካብ ብልሽዉና ዝነጸሃ ቐዳሞት 10 ሃገራት ድማ ዴንማርክ፣ ቻናዳ፣ ሉግዘንበርግ፣ ሆላንድ፣ ነው-ዚላንድ፣ ፊንላንድ፣ ሽወደን፣ ኖርወይ፣ ስዊዘርላንድን ሲንጋፖር እየን።

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →