Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መልእኽቲ ናብ ወለደይ   (ብኢብራሂም ማሕሙድ ሸሪፎ)

By   /  September 19, 2016  /  Comments Off on መልእኽቲ ናብ ወለደይ   (ብኢብራሂም ማሕሙድ ሸሪፎ)

    Print       Email

(ብ18 መስከረም 2016 ወዶም ነቶም ልክዕ ቅድሚ 15 ዓመት ብኣሰቃቒ ኩነት ብሓባር ዝተኣስሩ ማሕሙድ ሸሪፎን ኣስቴር ፍሰሃጽየንን፥ማለት መንእሰይ ኢብራሂም ማሕሙድ ሸሪፎ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓደ ጽኑዕ ግን ከኣ ኣዚዩ ተንካፊ መልእኽቲ ጽሒፉ ኣሎ። ካብዚ ቐጺልና ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ‘መልእኽቲ ንወለደይ’ ብዝብል ኣርእስቲ ኢብራሂም ማሕሙድ ዝጸሓፎ ዓንቀጽ ናብ ትግርኛ ተርጉምና ነቕርበልኩም።)

                                                                                            መልእኽቲ ናብ ወለደይ

 (ብኢብራሂም ማሕሙድ ሸሪፎ)

ብእምነተይ  ዘግሁዩ ይኹኑ ዘሐጉሱ ዝኽርታት ክግጠሙ እምበር ብሃውሪ ክድምሰሱ የብሎምን። ኣብ ታሪኸይ መጺአ ክርእዮ ከለኹ፤ እቲ ድሮ ኣካለይ ኮይኑ ዘሎ ሕሉፍ ዝኽሪ፤ በቲ ሓደ ወገን ይበራታዓኒ በቲ ካልእ ወገን ድማ ይሃድነኒ። ሎሚ መዓልቲ እቲ ዘሕዝን ዝኽርታተይ ዝያዳ መዚኑ ኣሎ። ይኹን ግን እዛ ዕለት እዚኣ ካብ ዝኽረይ ክትጠፍእ ኣይደልያን እየ፤ ምኽንያቱ እንድሕር መንፈሰይ ን18 መስከረም ራሕሪሕዋ ኣነ ዘኽታም ኪኸውን ኢያ።

ከም ኩሎም ደቂ ሰውራ ኣብ 80ታት ምስካልኦት መሳቶይ ኣብ ሃዋህዉ ዓውደ ውግእ ኢየ ተወሊደ ኢየ ዓብየ። ንሕና ደቂ ሰውራ ብዝኽርታት ፍሉይነት ታሪኽ ቁልዕነትና ኢና ነንሕድሕድና ንሓዋሩ ንተኣሳሰር። መንበሪና በዓትታት፥ መሕደሪና ቴንዳታት፥ መዛወሪና ድማ ጎቦታት ሳሕል ኢዩ ነይሩ።

ብሰንኪ እቲ ናይ ገድሊ ጽንኩር ኩነታት ወለድና ንምንባይና ዝነበሮም ግዜ ኣዚዩ ውሑድ ኢዩ ነይሩ፥ ምኽንያቱ ወትሩ ዕጥቆምን ብረቶምን ተሓንጊጦም ናብትን ናብዝን ክብሉ ነይርዎም። ኣብ ርእሲኡ ንሕና ውን እንተኾነ ትርጉም ወለድን ስድራን ብዙሕ ኣይርደኣናን ኢዩ ዝነበረ። ግደ ሓቂ ንሕና ውን ነቲ ቀላጥን ድሩቕን መሬታት ሳሕል፤ ናይ መንፈስ ኣዝማዱ ኮናስ ለሚድናዮ ነይርና ኢና።

ዕላማን ተልእኾን ሰውራ እኳ ዘይንርደኦ እንተነበርና፥ ኣብ መንበሪና ኮንናስ ታሪኽ ጅግንነት ንደግምን ንጻወቶምን ነይርና።ወለድና ዝመራዓዉሉ ዝነበሩ ኪዳን፥ ብደም፤ ብረሃጽን ንብዓትን ዝቖመ ምንባሩ ግን ኣጸቢቕና ንፈልጥ ነይርና።

ስድራና ንግንባር ሓልሓል ዝኣመሰሉ ዕርድታት ተርጊኦም ዝኸበደ ውግኣት ኣብ ታሪኽ ሰውራ ከካይዱ ከለዉ፤ ንሕና ታተ ንብለሉ ዝነበርና እዋን ኢዩ ነይሩ።እዚ ድሕሪ ውግእ ኣፍዓበት ሙኻኑ ኢዩ። ወለድና ምጽዋዕ ክሕዝዋ ከለዉ ቆልዑ ሕንጫላት ኢና ነይርና። ገለና ነቲ ባሕርን ስፍሓቱን ምስ ረኣና ኣዚና ተገሪምና። ንገለና ውን እቲ ንወደብ ባጽዕ ዘዕነወ ደብዳብ ነፈርቲ ኩናት ኢትዮጲያ ኣርኪቡልና ኢዩ። ሽዑ ኣብቲ ህዋ ሞት ሰባት፥ ኣብቲ ኣየር ድማ ቃሬት ናይ ዝሞቱ ሬሳታት ጥራይ ይሽትት ነበረ። ጥሜት ውን ነይሩ፤ ዝብላዕ ዝሰኣኑ ደርቂ ዘጥቀዖም ህዝብና ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሳደደ ጥሜት። ካብዞም ኩሎም ዝጠቐስክዎም ጸበባታት ምድሓንና ድማ ተኣምር ኢዩ ክበሃል ዝከኣል።

ብዓቢኡ ድማ ወለድና ኣብቲ ጸበባ ጸኒዖም ደው ስለዝበሉ፤ ኣብ መወዳእታ ኤርትራ ነጻ ክትከውን በቒዓ። ሽዑ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ኢየ ነይረ። ናጽነት በቲ ወሰን ዘይብሉ ባህታን ልዑል ፈንጠዝያታትን ተሰንዩ ክበዓል ርእየዮ። ሽዑ ዘይረኣኽዎ ነገር እንተነይሩ ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ዓለም ክትግምጠለኒን፤ ክልቲኦም ወለደይ ካብ ገጽ መሬት ክስወሩ ሙኻኖምን ኢዩ። እነሆ ድሕሪ 15 ዓመታት ድማ እታ ዝተሰወሩላ ዕለት እዝክር ኣለኹ።

ብ18 መስከረም 2001 ኣቦይን ኣደይን ንለውጢ ዝጽውዕ ክፉት ደብዳበ ስለዝጸሓፉ ጥራይ ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም። ‘ሓጥያቶም’ ተባሂሉ ዝተነገረ ለውጢ ብምጽዋዖም ጥራይ ኢዩ። ነብሲወከፍ ሰብ ወለደይ ምእንቲ ምንታይ ደው ከምዝበሉ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ። ኣነ ድማ እዛ ኣባህራሪት ዕለት ንደለይቲ ለውጢ ናይ ፍትሒ ዕላማ ከምዝሕንገጡ ከምዝገበረት ኣጸቢቐ እፈልጥ ኢየ።

ብወለደይ ሕቡን ኢየ፥ ምኽንያቱ ምእንቲ ዝጭበጥ ዕላማ ደው ዝበሉ ብሙኻኖም። ነዓይ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ናይ ጽኑዓት ባህሪ ኢዩ። ወለደይ ጠያይቲ ኣይነበሩን፤ እንታይ ደኣ ሃነጽቲ ጸዋዕቲ ፍትሒ እምበር። ነብስወከፍ ሰብ ወለደይ ዝቖምሉ ዕላማ ኣጸቢቑ ይግንዘቦ ኢዩ። ስረሖም ድማ ናብቲ ጽቡቕ ታሪኽ በሪኽ ስፍራ ሒዙ ክነብር ኢዩ።

ሽሕ’ኳ ኣብ ከባቢየይ ዘሎ ኩነት መመሊሱ ብሕርቃን ክምልስን ብዘይርትዓዊ መንገዲ ኪጓዓዝን ይህውኸኒ እንተሎ፥ ኣነ ግን ኣብ ቆይቁ ምእታው ብምንጻግ ብኣንጻሩ እቲ ክብረት ዝፈልጥ ናይ ወለደይ ኣካይዳ ኪኸይድ መሪጸ ኣለኹ።

ዝተፈተኺ ኣደይ!

ማማየ ደሃይ ናይ ስድራና ክህበኪ ኣፍቅድለይ። እታ ትፈትውያ ኣዴኺ ማለት ዓባየ ቅድሚ ክልተ ወርሒ መበል 86 ዓመታ ኣብዒላ ኣላ። ኣብራኻ እኳ ይጠልማ እንተሃለወ ኣእምሮኣስ ገና ምስ ሓይሉ ኢዩ ዘሎ፤ ምሉእ ኣቓልቡኡ ድማ ብዛዕባኺ ኢዩ። ክትመጽያ ብሃንቀውታ ትጽበ ኣላ፥ ከምዝመስለኒ ብህይወት ዘጽነሓ ዘሎ ሓይሊ ውን እቲ ናትኪ ትጽቢት ኢዩ።

ዝተፈተኻ ኣቦይ፥

ባባየ ብዙሓት ንዓኻ ከምዝመስል ኢዮም ዝነግሩኒ ዘለዉ። ሓቂ ንምዝራብ ሕጂስ እንታይ ኮን ትመስል ትኸውን ክፈልጥ ውን ኣይክእልን። 15 ዓመታት ምፍልላይ ኣብ ሓንጎል ዘስርጾ ናይ ባዕሉ ጸወታታት ኣለዎ። እቲ ዝያዳ ዝዝክሮ እቲ ተጸማሚ ተኽለ ሰውነትኻ ጥራይ ኢዩ።

ዝተፈቐርኪ ኣደይን ጽኑዕ ኣቦይን፥ ልክዕ ኢዩ ምስዋርኩም ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ነገራት ከምዝጎድለኒ ጌሩ ኢዩ፥ ንእስነተይ መንጢሉኒ፥ ኣብ ዘየቋርጽ ስቓይ ከምዝነብር ጌሩኒ። በቲ ካልእ ወገን ግን ነቲ ስቓይ ክቕበሎ መሪጸ ኣለኽ፥ ምኽንያቱ ንመንፈሰይ ሓርነት ስለዝሃቦ። ብትብዓትኩም ኣብ ዓለም ዘሎ መላእ ኤርትራዊ ፍትሒ ክጽውዕ ስለዝገበርኩም ሓበን ይስመዓኒ።

 

 

 

 

 

 

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →