Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ሓደ ዜጋ ብሰንኪ ማህረምቲን ስቅያትን መርመራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቃሓውታ ስለያ እዚ ተወርዋሪ ዓሪፉ

By   /  September 2, 2016  /  Comments Off on ሓደ ዜጋ ብሰንኪ ማህረምቲን ስቅያትን መርመራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቃሓውታ ስለያ እዚ ተወርዋሪ ዓሪፉ

    Print       Email

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቃሓውታ ስለያ እዚ ተወርዋሪ ሓይልታት ብዕለት 26 ሓምለ ብሰንኪ ኣብ እዋን መርመራ ዘጋጠሞ ከቢድ ማህረምቲን ስቅያትን ሓደ ዜጋ ዓሪፉ። ብመሰረት ምንጭታትና እቲ  ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ  ሰዓት 11 ናይ ምሸት ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት እንዳ እሱራት ምስበጽሐ ከም ዝሞተ ተፈሊጡ።

እቲ መንእሰይ  ምብታን ንመንግስቲ ዝቃወሙ ወረቃቅቲን ምትሕብባር ምስ ተቓወምቲ ውድባትን ብዝብል ክሲ ድሕሪ ምእሳሩ  ንልዕሊ 3 ኣዋርሕ ከቢድን ኣሳቓዩን  መርመራ ክግበረሉ ምጽንሑ ምንጭታትና ሓቢሮም።

እቲ ዜጋ ብዘጋጠሞ ምቕጥቃጥ ድሕሪ ምዕራፉ እዚ ተወርዋሪ ሓይሊታት ብዝሃቦ ትእዛዝ መሰረት በቲ ኣሃዱ ኣብ ከባቢ ፓርክ ሰማእታት ከም ዝተቐበረ ተፈሊጡ።

ስድራቤትን መቕርብን መዋቲ ብዛዕባ ሞት ውላዶም ስለዘይተረድኡ ሬድዮ መድረኽ ስም ናይቲ ግዳይ ክዕቕቦ ከምዝወሰነ የፍልጥ።

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →