Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ሃገራዊ ኣገልግሎት መንሽሮ ምዕባለ ኤርትራን ህዝባን ኮይኑ ሓይኹ ይበልዖም ኣሎ’ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ

By   /  September 8, 2016  /  Comments Off on ሃገራዊ ኣገልግሎት መንሽሮ ምዕባለ ኤርትራን ህዝባን ኮይኑ ሓይኹ ይበልዖም ኣሎ’ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ

    Print       Email

ሃገራዊ ኣገልግሎት መንሽሮ ምዕባለ ኤርትራን ህዝባን ኮይኑ ሓይኹ ይበልዓ ኣሎ ክብል ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ንኣባላት ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት መንሽሮ ምዕባለ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዋን ዎርልድ ዝተባህለ ጋዜጣ  ዘውጸኦ ዓንቀጽ ከምዝሕብሩ ፕሮፌሰር ጋይም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ መጀመርታ ንሰናይ ዕላማ ኢሉ ከምዝተበገሰን ዝዓመመን ድሕሪ ምብራህ ጸኒሑ ግን እቲ ኣገልግሎት ንኤርትራ ሓንቲ ካብተን ህዝባ ተጓሕጊሑ ዝዙቖቖላ ዘላ ሃገር ናብ ዝገበራ ቀንዲ ጠንቂ ከምዝተቐየረ ሓቢሩ።

ፕሮፈሰር ጋይም ቀጺሉ ህዝቢ ኤርትራ ጽንኩር ኩነታት ናይ ምጽዋር ልማድ ዘማዕበለ ህዝቢ ኢዩ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግን ንስትራተጂ ህላወ ህዝቢ ናይ ሞት ኣዋጅ ስለዝኾኖ ክሰግሮ ኣይከኣለን ኢሉ። እቲ ኣሉታዊ ስምብራት ናይ ሃገራዊ  ኣገልግሎት ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት  ጥራይ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ንማሕበራዊ ህይወት ናይ ህዝቢ ኤርትራን መንእሰያቱን ውን ዘሪግዎ ኢዩ ዝበለ እቲ ፕሮፌሰር ስድራቤታት ካብቲ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊ ደቁ ዘጋጥም ምግሳስን ጾታዊ ዓመጽን ንምድሓን ደቁ ትሕቲ ዕድመ ክንሰን ከምዘመርዕወን ብዙሓት ቆልዑት ድማ ብዘይ ኣቦ ከምዝዓብዩ ይኾኑ ምህላዎም ገሊጹ።

ሻርሎት ኪንግ እተባህለት ተንታኒት ብወገና ቁጠባ ኤርትራ ኣዚዩ ጽልሙት ሙኻኑ፤ እቲ ብዙሕን ድሙቕን ከበሮ እተወቓዓሉ ማዕድናዊ ሃብቲ ውን ብሰንኪ ገባቲ ቁጠባዊ ፖሊሲ ህግደፍ ፍረ ከምዘይሃበን ኣብ ህይወት ኤርትራውያን ዝኾነ ምምሕያሽ ከምዘየምጸአን ብኣንጻሩ ዝርካቡ ገንዘብ ኣብ ክንዲ ናብ ልምዓት ናብ ወተሃደራዊ ወፍሪ ይውዕል ምህላዉ ገሊጻ።

ሻርሎት ኪንግ ቀጺላ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ክልተ ሚልዮን ዶላር ህጹጽ ረድኤት ይቕበል ኣሎ ይኹን ግን እቲ ሓገዝ ይቕበል ምህላዉን እቲ ኩነታትን ምግላጽ ነጺጉ ምህላዉ ሓቢራ።

Human rights group Eritrea Focus ዝተባህለ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ውድብ ብወገኑ መንግስቲ ኤርትራ በቲ ሓደ ወገን ረድኤት ክቕበል ይደሊ በቲ ካልእ ድማ ነቲ ሓቂ ክገልጽ ኣይደልን ጥራይ ዘይኮነ ዘይመንግስታውያን ውድባት እውን ኣብ ኤርትራ ክንቀሳቀሳ ኣየፍቅድን ኣሎ ስለዚ ድማ ኣብ ኤርትራ እቲ ኩነታት ክብእስ ኢዩ ክብል ገልጽ።

Human rights group Eritrea Focus ኣብ መግለጺኡ ኣብ ወርሒ ክሳብ 400 ህጻናት ብዘይ ኣሰናዩ ናብ ኢትዮጲያን ይሰግሩ ምህላዎም ብምሕባር ካብ ኢትዮጲያ ናብ ሃገራት ምዕራብ ንምስጋር ሓደገኛ መንገድታት ይወስዱ ምህላዎም ገሊጹ።

    Print       Email

You might also like...

ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →