Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ካብ ዝሓለፈ 2 ሳምንቲ ጀሚሩ ፥ ከተማ ዓሰብ ብሰንኪ ሙቊራጽ ኤሌክትሪክ ኩሉዓይነታዊ ጥፈታት እታ ከተማ ደስኪሉን ጸላም ነጊሱን ምህላዉ ወኪል ድምጺ መድረኽ ካብቲ ከባቢ ሓቢሩ።

By   /  September 4, 2016  /  Comments Off on ካብ ዝሓለፈ 2 ሳምንቲ ጀሚሩ ፥ ከተማ ዓሰብ ብሰንኪ ሙቊራጽ ኤሌክትሪክ ኩሉዓይነታዊ ጥፈታት እታ ከተማ ደስኪሉን ጸላም ነጊሱን ምህላዉ ወኪል ድምጺ መድረኽ ካብቲ ከባቢ ሓቢሩ።

    Print       Email

ካብ ዝሓለፈ 2 ሳምንቲ  ጀሚሩ ፥ ከተማ ዓሰብ ብሰንኪ ሙቊራጽ ኤሌክትሪክ ኩሉዓይነታዊ ጥፈታት እታ ከተማ ደስኪሉን ጸላም ነጊሱን ምህላዉ ወኪል ድምጺ መድረኽ ካብቲ ከባቢ ሓቢሩ።

ነታ ከተማ እትምግብ ዝነበረት ጨንጓዒት ጸዓት (ጀነሬቶር) ጠንቊ ብዘይተፈልጠ ፥ ብዝበዝሐ ነባራይ’ታ ከተማ ግና መንነቶም ዘይተነጸሩ ሰባት ኣዕኒዮማ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝግመተሉ ዘሎ፥ ምኽንያት ካብ ስራሕ ደዉ ብምባላ ፥ ዝሰፍሐ ንጥፈታት እታ ከተማ ዛሕቲሉ ከምዘሎ ወኪልና ይሕብር።

ሰብ መዚ ምምሕዳር እታ ከተማ ነቲ ተርእዮ ንምዝላቕ ፥ ንመዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ዓሰብ ዓስኪሩሉ ዘሎ ሰራዊት ሕቡራት ኤማራት ካብ ዝጥቀመለን ጀነሬተራት ኣገልግሎት ጸዓት ኣብ ምርካብ’ኳ እንተተዓወቱ፥ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ዓቐን ጸዓት ኣብ ምጭንጓዕ መስመራት ማይ እታ ከተማን ኣብ ዘቤታዊ ኣገልግሎታት ላዕለዎት ሓለፍቲን  ጥራይ ዝድረት ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቅያር ናይታ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይና ዘላ ጀኔሬቶር ዛጊት ብዘይምምጽኣ እቲ ሽግር እንዳወሰኸ ይቕጽል ከምዘሎ ዘምልከተ ወኪል ድምጺ መድረኽ፥ ሓያሎ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፥ ምምሕዳራት ከባቢ፥ ከምኡ ድማ ኣገልግሎታት ተሌፎንን ዝርካቡ ኢንተርነትን ሓጢሞም ከምዘለዉ ኣረዲኡ።

ጠንቂ ምዕናው እታ ጀነሬተር ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ከምዘሎ ፥ ናቱ መርኣያ ነቲ ጠንቂ ንምንጻር ፖሊስ እታ ከተማ መርመራታት የካይድ ምህላዉ እዉን ተረጋጊጹ ኣሎ።

 

    Print       Email

You might also like...

ነቶም ናጽነት ዝሰለምዋ ኣካለ ስንኩላን ዘይትኸውን ኤርትራ ናይ መን ኤርትራ ኢያ?

Read More →