Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

11 እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ዓላ ኣምሊጦም

By   /  August 2, 2016  /  Comments Off on 11 እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ዓላ ኣምሊጦም

    Print       Email

ብ30 ሓምለ  2016 ኣብ ሰዓታት ለይቲ 11 እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ዓላ ከምዘምለጡ ተሓቢሩ።

እዞም እሱራት ንነዊሕ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓላ ኣብ ስቅያት ዝነበሩ ኮይኖም፡ ናብ ስግረ ዶብ ክትከዱ ሓሲብኩምን ፈቲንኩምን ተባሂሎም ዝተኣስሩ ምንባሮም ተፈሊጡ።ነቶም ዘምለጡ እሱራት ንምሓዝ ጽዑቕ ኮለላ እካ እንተተኻየደ ክሳብ እዚ ዜና ዝተሰርሓሉ እዋን ከምዘይተታሕዙ ተገሊጹ።

ንጽባሒቱ ዕለት 31 ሓምለ ካብ ሰዓታት ወጋሕታ ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ እሱራት ዓላ ብሓለውትን ሓለፍትን ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ከቢድ ምክልባትን ግፍዕታትን ከምዝወረደ ተፈሊጡ። 14 ካብቶም እሱራት ብፍላይ ኣብቲ ህድማ ኢድ ኔሩኩም፥ እሱራት ተለዓዕሉ ኢኹም ተባሂሎም ኣብ ፍሉይ ጽኑዕ ስፍራ ከምዝዓተጸዉ ተሓቢሩ።

ቤት ማሰርቲ ዓላ ካብ ሚኒስትሪታት ብሲቪላዊ ስለያ ስግረ ዶብ ሓሲብኩም ተባሂሎም ዝተታሕዙን ዝተጠቕሱን  እሱራት ዝቕየዱሉ ቦታ እዩ።

 

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →