Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኣብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዓቐን፣ ጸጥታዊ ቅድመ-ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ካብ ከተማ ኣስመራ ሓቢሮም።

By   /  August 21, 2016  /  Comments Off on ኣብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዓቐን፣ ጸጥታዊ ቅድመ-ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ካብ ከተማ ኣስመራ ሓቢሮም።

    Print       Email

ኣብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዓቐን፣ ጸጥታዊ ቅድመ-ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ካብ ከተማ ኣስመራ ሓቢሮም። እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝካየድ ዘሎ ምድላዋት ኣብ ቀጽሪ እቲ መዓስከርን ናብቲ መዓስከር ኣብ ዘቃርቡ ከባቢታትን ናይ ጽርግያ መስመራትን እዩ ዝዋደድ ዘሎ።

በዚ መሰረት ፥ መንግስቲ ኣብ ሓለዋን ኮለላን እቲ መዓስከር ዝወፍር፣ ኣብ ምድልዳል ቀጽርታትን ምዂዓት ድፍዓትን ዝነጥፍ፣ ከምኡ`ውን ኣብ ምቊጽጻር እቶም ናብቲ መዓስከር ዘቕርቡን ብከባቢኡ ዝሓልፉን መስመራት ጽርግያ ዝምደብ ልዑል ቊጽሪ ሰራዊት ናብ`ቲ መዓስከር ጓሪቱ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እዚ እዋናዊ ተርእዮ ኣብ ሰለስተ መድረኻት ዝተኸፍለ ምዃኑ ዘመልከቱ ምንጭታትና ፥ ቀዳማይ መድረኽ ናይዚ ጸጥታዊ ቅድመ ምድላዋት ኣብ ዳግመ-ምቕጻር ምድፋዕን ዝስፍሐ ከባቢታት ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራን መዓስከር ሓይሊ ኣየርን ከድህብ እንከሎ ፣ ካልኣይ መድረኽ ኣብ ምክትታል ጸጥታ ናይቶም ናብቶም ቦታታት ዝቐርቡ ከባቢታትን መስመራት ጽርግያን ዘነጻጸረ፥ እቲ ሳልሳይ መድረኽ ድማ እቶም ከባብያዊ ጸጥታ ንምርግጋጽ ዝዕላማኦም ክልተ መድረኻት ምስ ተወገኑ ፣  ዝገዘፈ ክፋል ናይቲ መጺኡ ዘሎ ሰራዊት ንመዓስከር ሓይሊ ኣየርን መዓርፎ ነፈርቲን ኣብ ምሕላዉ ጥራይ ክጽመድ ዝመደበ እዩ።

ናይ`ዚ ኣብነት ካብ ቀዳመ ሰንበት ናይዝሓለፈ ሰሙን ፣ ካብ ሰምበል ክሳዕ ዳዕሮ-ቓውሎስ ዝዝርጋሕ ሰፊሕን ዝተወሃሃደን ወተሃደራዊ ኮለላ ተኻዪዱ ኣሎ።

እዚ ኣብ መዓስከር ሓይሊ ኣየርን መዓርፎ ነፈርቲን ተራእዩ ዘሎ ሓድሽ ጸጥታዊ ምንቅስቓስ ንብዙሓት ወገናት ኣገሪሙ ከምዘሎ ዘረደኡ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ፥ ንዕላማ ናይቲ ተርእዮ ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ትንታኔታት ይወሃቦም ከምዘሎ የነጽሩ።

ወኪላት መድረኽ ካብ እሙናት ዝብሉዎም ወተሃደራውያን ምንጭታት መንግስቲ ኤርትራ ዝረኸብዎ ሓበሬታ ከምዘነጸሮ ግና ፥ መሰረታዊ ዕልማ ናይቲ ብፍላይ ኣብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ዝካየድ ዘሎ ህዉኽ ዝመስል ጸጥታዊ ቅድመ-ምድላዉ፣ ምስቲ ካብ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ቀረባ እዋን ከይነቶገ ተሰጊኡሉ ዘሎ ብተግባር ዝተሰነየ ተቛዉሞ ምትእስሳር ከምዘለዎ የረድኡ ።

ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ማእከሎት ወተሃደራዉያን ሓለፍቲ ሃገርና ለዉጢ ክመጽእ ኣብ ዘኽእሉ ኣማራጺታት ብምስጢር ክዝረበሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ኮይኑ፣ ሰራዊት ኣብ ኩሉዓይነትዊ ኣካይዳታት ሃገር ዘለዎ ዘይዕጉብነት ልዕሊ ካልእ እዋን ብጋህዲ ክገልጽ ጀሚሩ ብምህላዉ ፡ በዚኦምን ኣብ አእዋኑ ብዝባዝሑ ካልኦት ሮቓሕቲን  ፕረዚደንት ኢሳያስን መሳርሕቱን ኣብ ወጥሪ  ከምዝርከቡ እዮም ምንጭታትና ክሕብሩ ጸኒሖም።

    Print       Email

You might also like...

Human brain research and memory loss as symbol of alzheimer's concept with missing pieces of the puzzle

ምድዕሳስ ኣእምሮ (Senility) መራሕቲ፡ሓደገኛ ክስተት ንሃገራት

Read More →