Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ መሬት ኤርትራ ዓስኪሩ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ዝንገረሉ ኢትዮጵያዊ ግንቦት-7 ካብ መንግስቲ ግብጺ ናይ ተሽከርከርቲን ቀረባት ሕክምናን ሓገዛት ከምእተገብረሉ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ካብ ውሽጢ ሃገር ኣቃሊዖም ።

By   /  August 29, 2016  /  Comments Off on ኣብ መሬት ኤርትራ ዓስኪሩ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ዝንገረሉ ኢትዮጵያዊ ግንቦት-7 ካብ መንግስቲ ግብጺ ናይ ተሽከርከርቲን ቀረባት ሕክምናን ሓገዛት ከምእተገብረሉ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ካብ ውሽጢ ሃገር ኣቃሊዖም ።

    Print       Email

ኣብ መሬት ኤርትራ ዓስኪሩ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ዝንገረሉ ኢትዮጵያዊ ግንቦት-7 ካብ መንግስቲ ግብጺ ናይ ተሽከርከርቲን ቀረባት ሕክምናን ሓገዛት ከምእተገብረሉ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ካብ ውሽጢ ሃገር ኣቃሊዖም ።

ብ 15 ነሓሰ ፣ 11 ትዮታ ዝዓይነተን መካይንን ብርክት ዝበለ ሕክምናዊ ቀረባትን ዘጠቓለለ ሓገዝ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ወደብ ባጽዕ  ተራጊፉ ብወከልቲ ግንቦት -7 ሻቡ ናብ ከተማ ተሰነይ ከምእተወስደ ዘረጋገጹ እቶም ምንጭታት፣ ወከልቲ ግንቦት 7 ነቲ ንብረት ብመስርሕ ዕድጊ ከምዝመጸ ቀረጽ ከምእተኸፍለሉን  ንምእማን ናይ ሓሶት ወረቓቕቲ ንሰብ-መዚ ወደብ ባጽዕ ከምዘቕረቡ ኣፍሊጦም።

መንግስቲ ግብጺ ነቲ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ፈለግ-ኒል ተጸሚዱዎ ዘሎ ፈጽሙ  ብእወታ ከተረጋግጾ ዘጸግም ጉዳይ ንምጽላዉ ምስ ኢትዮጵያውያን ተቛወምቲ ኣብ ምድጋፍ ብምስጢር ይሰርሕ ከምዘሎ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ምስ ግንቦት 7 ዝገብሮ ዘሎ ምቅርራብ ሓለፋ ከምዘለዎ እዩ ዝንገር።

ግብጻውያን መኮንናት ብተደጋጋሚ ናብ ከባቢ ማይ-ሸግሊ እንዳበጽሒ ንላዕለዎትን ማእከሎትን ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ግንቦት 7 ወተሃደራዊ ስልጠናን ፖለቲካዊ ትምህርቲን ክህቡ ምጽናሖም ዘዘኻከሩ ምንጭታትና፥ እዚ ብወደብ ባጽዕ እትዩ ዘሎ ሓገዝ ናይ ፈለማ ከምዘይኮነ የረድኡ።

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →