Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትሕተ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ይገንን ምህላዉ ተገሊጹ

By   /  August 21, 2016  /  Comments Off on ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትሕተ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ይገንን ምህላዉ ተገሊጹ

    Print       Email

ካብዚ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባርን መንግስትን ናብ ጋህዲ ብዝተቓረበ መጠን ትሕተ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ይረአ ምህላዉ ምንጭታት መድረኽ ገሊጾም።

እቲ ትሕተ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ብዝያዳ ኣውራጃዊ መልክዕ ዝሓዘ ኮይኑ፥ ካብዚ ቀረባ እዋን ጀሚሩ  ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብቐሊሉ ክረአ ብዝኽእል መጠኑ ይዓቢ ምህላዉ ተገሊጹ።

ብኻልእ ወገን ድሕሪ እቲ ብኮሚሽን ምጽራይ ዝቐረበ ጸብጻብ ብዙሓት ሓለፍቲ ነብሶም ካብቲ ገበናት ነጻ ሙኻኖም ንህዝቢ ከረድኡን ካብቲ ስርዓት ከገልሉን ይጽዕሩ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ብዙሓት ካብቶም ሓለፍቲ እቲ መንግስቲ ብሓሙሽተ ወይ ዓሰርተ ሰባት ዝካየድ እዩ እንዳበሉ ክዛረቡ ጀሚሮም ምህላዎም፥ ኣብቲ ክሲ ንኸይልከሙ ብምሕላን ድማ ናብ ህዝቢ ኪቐርቡን ምስ ህዝቢ ኮይኖም ነንሕድሕዶም ክወናጀሉን ይረኣዩ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ኣብ ካልእ ዜና ኣብ ልዕሊ መጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል ዝተወሰደ ስጉምቲ ንነዊሕ እዋን ዝተወጠነ ምንባሩ ተሓቢሩ፥ እቶም ምንጭታት ከምዝገለጽዎ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ኣጋጣሚ ፈንቅል ጀነራል ፍሊጶስ ወልደየሃንስ ናብ ፕረሲደንት ብምቕራብ መጀር ጀነራል ሃይለ ቻይና ኣንጻር ፕረሲደንት ሰፊሕ ጎስጓስ ይገብር ምህላዉን ኣካይድኡ ሓደገኛ ምህላዉን ጸብጻብ ድሕሪ ምሕላፉ ‘ ናበይ ክበጽሕ ኢዩ ጥቡቕ ምክትታል ክንገብረሉ ኢና ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ድማ ዝግባእ ስጉምቲ ክውሰደሉ ኢዩ’ ከምዝበሎ ድሒሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተገበረ ምቅይያር ብወዲ ሃንስ ዝፍለጥ ኣዛዚ ክፍለሰራዊት ካብቶም ካብ መዝነቶም ዝወረዱ ሙኻኑ ተገሊጹ። እቲ ኣዛዚ ክፍለሰራዊት ኣብ ሓለዋ ጂ 15 ከምኡውን ምሕደራ ማእሰርቶም ብኸቢድ ዝተዋሰአ ሙኻኑ ይፍለጥ።ምኽንያት ካብ ስልጣኑ ምውራድ ግን ገና ዝተፈልጠ የሎን።

 

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →