Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ብመንገዲ ሓምዳይት ናብ ውሽጢ ሱዳን ፈኮስቲ ብረት ከስልዂ ዝረኸብዎም 12 ኤርትራውያን ቀይዶም።

By   /  August 6, 2016  /  Comments Off on ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ብመንገዲ ሓምዳይት ናብ ውሽጢ ሱዳን ፈኮስቲ ብረት ከስልዂ ዝረኸብዎም 12 ኤርትራውያን ቀይዶም።

    Print       Email

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ብመንገዲ ሓምዳይት ናብ ውሽጢ ሱዳን ፈኮስቲ ብረት ከስልዂ ዝረኸብዎም 12 ኤርትራውያን ከምዝቐየዱ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ  ሓቢሮም።

እዞም ብ 2 ነሓሰ ዝተቐየዱ ኤርትራውያን፣ ምስ መን ዝሰርሑ ብመን ዝተወደቡ ወይ`ዉን እቲ ኣብ 6 ኣግማልን 2 ኣእዱግን ጽዒኖም ዘግዕዙዎ ዝነበሩ ፈኮስቲ ብረት ናበይ ክበጽሕ ዝተመደበ ምንባሩ ዛጊት ዝተረጋገጸ ነገር ከምዘየለ ምንጭታትና ይሕብሩ።

እቶም ኤርትራውያን ብረት እንዳግዓዙ ዝተቐየዱሉ መስመር ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ንጥፈታትን ምትሕልላፍ ብረትን ዝነጥፉ ገበነኛታት ክጥቀሙሉ ዘይጸንሑ ዘይተለምደ መስመር ከምዝኾነ ዘመልከቱ ምንጭታትና ፥ እቲ መስመር ግና ቀንዲ መተሓላለፊ ኢትዮጵያውያን ዕጡቓት ከምዝኾነ የረድኡ።

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ካብን ናብን ኤርትራን ሃገሮምን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝመሓላለፍ ብረት ዝቕይዱ`ኳ እንተኾኑ ብዘይወግዓዊ ዝርርብ ክፍሊ ስለያ እተን ሃገራት ከምዝወራረድ እዩ ብቐጻሊ ዝግለጽ።

መንግስቲ ኤርትራ ፥  ብወገን ምብራቓዊ ሱዳን ብዝተራቐቐን ስውርን ሜላ ኣጽዋር ክጓርት ምጽንሑ ፥ ነቲ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዘእትዎ ኣጽዋር ድም ብተዘዋዋሪ ካብ ሰሜናዊ ክፋል ሱዳን ክሳብ ምድረበዳታት ሲናይ ተዋፊሮም ንዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታትን ነጋዶ ደቂ-ሰብን ከምዝሸጦ ዝሕብሩ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ፥ እዚ ኣብ ኢድ 12 ኤርትራውያን ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ከባቢ ሓምዳይት ተቐይዱ ዘሎ ፈኮስቲ ምስ`ቲ ልሙድ ተግባር ዝቃረብ ከይከዉን ልዑል ግምቶም ይህቡ።

መርበብ ዘይሕጋዊ መሸጣ ብረት መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ  ንወሽመጥ ቓዛ ኣብ ዘቃርቡ ከባቢታት ሲናይ ተዘርጊሑ ምህላዉ ዝሕብሩ ጸብጻባት ፥ ፍልስጤማዊ ምንቅስቓስ ሓማስ ካብ ቀንዲ ዓማዊል እዚ መርበብ ከምዝኾነ እዮም ክሕብሩ ዝስምዑ።

መርማሪ ጉጅለ ንጉዳይ ኤርትራን ሶማልን ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦም 3 ጸብባባቱ ኣስፊርዎ ከምዘሎ ፥  እቲ ካብ ምብራቓዊ ሱዳን ብሓፈሻ ኣብ ዞባ ከሰላ ካብ ዝርከብ ኣጽዋር ዘፍሪ ትካል ከኣ ብፍላይ  ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ኣጽዋር፣ “ላፋ”  ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ዶብ ከምዝበጽሕ ብኡ ኣቢሉ ከኣ ናብ ምዕራባዊ መታሕት ኤርትራ ከም ዝሓልፍ  ፥ ኣብ ምዕራባዊ መታሕት  ኣብ ዝተደኮና ንኡሳን መኽዘናት  ዳግመ-ስርርዕ ተኻዪድሉን ወስኽ ዋጋ ተገይሩሉን ድማ ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብ መሬት ሱዳንን ኪንየኡን ዘይሩ ከምዝሽየጥ’ዩ።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →