Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ቀጽሪ ፍትሒ፥ ደድሕሪ ንፋስ ዘምጸኦም ዘረባታት ካብ ሙግያይ ክድሕን መታን፥ ናይ ባዕሉ መዛረቢ ኣርእስታት ክህልዎ ይግባእ።

By   /  August 30, 2016  /  Comments Off on ቀጽሪ ፍትሒ፥ ደድሕሪ ንፋስ ዘምጸኦም ዘረባታት ካብ ሙግያይ ክድሕን መታን፥ ናይ ባዕሉ መዛረቢ ኣርእስታት ክህልዎ ይግባእ።

    Print       Email

ብዙሕ እዋን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣርእስቲ ኪኽኑ ዘይነበሮም ነጥብታት መዛረቢ ጥራይ ዘይኮነስ ‘እዋናዊ’ ጉዳይ ኮይኖም ምቕናይ ካብ ዝጅምሩ እዋን ኣቑጺሩ ኣሎ።ከም ግቡእ እዞም ንማንም ዘየርብሑ ትርጉም ኣልቦ ወይ ውን ቀዳምነት ዘይኮኑ (ብዉሑዱ ክሳብ ሓርነት ኤርትራ ዝረጋገጽ) ኣርእስታት፤ በቲ ዓቐን እቲ ቆላሕታ ክወሃቡ ይኹን ክደጋገሙ ኣይምተገብኦን። ምኽንያቱ ከምኡ ምግባር ነቶም ከምኡ ኪኸውን ደልዮም ዘንቅሉን ዝነቐሉን ሓይልታት ኣብ መጻወድየኦም ምውዳቕ ጥራይ ኢዩ ዝኸውን።

ቀዳሞት ወለዲ ዲል ክህብዎ ንዘይደለይዎ ጉዳይ ‘ካብ በሃሊኡስ ደጋሚኡ’ ብምባል ሰጊሮም ይሓልፉ ነበሩ። ከምኡ ብምግባር ድማ ነቲ እንተስ ንምዝራግ፥ እንተስ ኣቓልቦ ንምስራቕ፥ እንተስ ብሰንኪ እቲ ዘሳቕዮ ውሽጣዊ ሕማም ሕማቕ ግበር ዝመጾን ዝገብርን ሰብ ወይ ጉጅለ፥ እቲ ዝምነዮ ምቕጻል ብምዕጋት ካብ መበገሲኡ ምንቕ ከምዘይብል ይገብርዎ ነበሩ።

ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ይኹን ዝበዝሐ ግዱስ ኤርትራዊ፤ ባዕሉ ዝመርሖ፤ ባዕሉ ዘበግሶ፤ ንኹሉ ዘርብሕ ኣሳታፍን  ሃናጺን ኣርእስቲ እንተዝነብሮ፤ እቲ ቆላሕታ ክረክብ ዘይግበኦ ኣዕናዊ ጽሑፋት ይኹን ተግባራት ዝግደሰሉ ኣምበይምረኸበን። እቲ ናይ ምዝታይ ሃዋህው ባዶሽ ስለዝጸን ግን ዝኾነ ዝተቐልቀለ ህቦብላ ዝዕንድረሉ ሜዳ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ንሃናጺ ምምኽኻር፥ወይ ውን ቁዉም ነገር ዘለዎ ዛዕባ ንምዝታይ ዝደሊ ወገን፤ ልቡ ዝመልኣሉ፤ ናብ ጉዕዞ ለውጢ ዝመርሖ፤ ናይ ሓሳባትን ምህሮታትን ባይታ ዘጣጠሓሉ፤ ዝስማዕን ዘስምዕን ሓያል ሓሳባት ዘፈልፍል ኣካል ኣይረኸበን። ስለዚ ድማ ንኹሉ ዝጠምር፤ ኹሉ ወገን ‘እዚኣባ ኣገዳሲት ኣርእስቲ እንተስ ከበርክተላ እንተስ ክመሃረላ ኪከታተላ ኣለኒ’ ኢሉ ተገዲሱ ዝስዕባ ወይ ዝስዕበን ኣርእስታትን ትሕዝቶን ክረክብ ኣይከኣለን። ብቐሊልን ሓጺርን ኣበሃህላ ባዕሉ ዝመርሖን ዘገድሶን ዛዕባ ኣይረኸበን።

ባዕልኻ እትመርሖ ኣርእስቲ ምህላው ማለት ኩላትካ ሓደ ምሕሳብ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ነናትካ ወይ ብሓባር ምስሓሰብካ ኣብ መንጎኻ ነቲ ዝሓሰብካዮን ክትብሎ እትደሊን ብስልጡን ምብህሃል ክትቀባበለሉ ከምኡ ብምግባር ድማ ናብ ዝጭበጥ መደምደምታ ክትበጽሓሉ እትኽእል መድረኽ ልዕሊ ኩሉ ድማ ንዕኡ ዝእንግድ ናይ ምዝታይን ሓሳባትን ፍልልያትን ኣኽቢርካ ናይ ምርድዳእን  ባህሊ ምስሳን ማለት እዩ።

እቲ ኻልኣይ ኣገዳሲ ነጥቢ ዝርካቡ ዓቕምኻን ጸጋታትካን ኣብ ዝረብሕ መዓላ ምውዓል ኢዩ። ሰባት፤ ግዜ፥ ዓቕሚ፥ መሳለጥያ እንተሊይዎም ስለምንታይ ኢዮም ንጸርፍን ቆይቕን ዘባኽንዎ። ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ዛዕባ ይኹን እንተላይ ካብቲ ክጎድእ ዝነቐለ ተርእዮታት ንኹሉ ዘርብሕ ጽሑፋት ወይ ናይ ዘተ መኣድታት ዘይፈጥሩሉ።

ሰውራ ኤርትራ ሽፍትነት ኢዩ ነይሩ ደድሕሪ ዝበሉ እንዳኸድካ ናቶም ቋንቋ ብዝመስል ትሕዝቶ፤ ኣብ ናቶም ጽፍሒ ብዝወረደ ደረጃ፤ ንናቶም ዕላማ ኣብ ዝተጻወደ ሸረኽ ክንዲ ምእታው፤ ካብኦም ኣዚኻ ተፈንቲትካን በሪኽካን ኩላትና እንመሃረሉ ናብ እንኽእል ነጥቢ ንምቕያሩ ዘይፍተን ስለምንታይ።

ሰውራ ኤርትራ ታሪኹ ንምድምሳስ ዘንቀሉ ሓይልታት መንዮም፤ ስለምንታይ ኢዮም ምድምሳስ ታሪኽ ውራይና ኢሎም ካብ ፍሉይ እዋን ጀሚሮም ተታሓሒዞም። ብምድምሳስ እቲ መወዳደርቲ ዘይብሉ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክውቓዕ ዝድለ ዘሎ ዒላማ እንታይ ኢዩ። ናብኡ ደረጃ ክሳብ እንበጽሕ ዝገበረ ወይ ዘፍቀደ ሃዋህዉ እንታይ ኢዩ፤ እቶም ቀንዲ ዋናታቱ (ምኽንያቱ ምስቶም ተላኢኾም ዝብሉ ምዝራብ ሕማም ገዲፍካ ምልክታት ምፍዋስ ስለዝኸውን) መንዮም፥ ብወገን ሰውራታት ኤርትራ ኸ ሓደስቲ ወለዶታት ታሪኽ መታን ክፈልጡ ብዘይተጋነነ መንገዲ፤ ሓቅነት ብዘለዎ ወድዓዊ ገምጋም፤ ብልጫታቱ ጥራይ ዘይኮነ ድኽመታቱ ዝነግር ታሪኽ ናይ ምስግጋር ዕዮ ተፈጺሙ ዶ፥ ሰውራ ኤርትራ ድሕሪ ዓወት ኣብ 1991 ወድዓዊ ክፉት ገምጋም ክገብርን ውጽኢት ርኽበታቱ ንህዝቢ ክሕብርን ነይርዎ ዶ፤ ዝብሉ ሃነጽቲ ሕቶታ ምልዓል ንኹሉ ዘርብሕ ምኾነ።

እዚ ሓድሽ ወለዶ ክሳብ ክንደይ ብዛዕባ ታሪኹ ይፈልጥ፥ ከም ኣይንፈላለ ዝኣመሰሉ ዓሚቕ ምርምር ዝተግበረሎም ብኺኢላታት ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ሓድሽ ወለዶ ከንብቦም መታን ብቛንቛታት እንግሊዚኛ፥ ጀርመን፥ ስዊድን ወዘተ ክትርጎም እንታይ ክግበር ይከኣል፥ ኣበየ ከባቢኡ ዘሎ ማሕበረ ሰባት እንታይ ከበርክት ይኽእል፤ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ንዝተራእየ ናብ ታሪኽ ናይ ሓደ ውድብ ዝዘንበለ ዘይሚዛናውነት ሕትመታት ንምስትትኽኻል ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ታሪኽን ቅያን ንምምዝጋብ እንታይ ጻዕሪ ክግበር ይግባእ ወዘተ ዝብሉ ኣርእስታት ኣልዒልካ ምዝታይ ኢዩ ዝሓሸ ዝኸውን።

ቴክኖሎጂ ክንዲ እቲ ጽቡቑ ኣእላፍ ሕማቕ ኣለዎ። ሓደ ካብቲ ግናያቱ ድማ ዝኾነ ሰብ ኣብ ቅድሚ እቲ ቴክኖሎጂ ዝፈጠሮ ስክሪን ኮይኑ ‘ሪከርድ’ እትብል መልጎም ጸቒጡ ዝደለዮ ንህዝቢ ዘነኣእስ፥ ንታሪኽ ዝብርዝ፥ ንህዝብታት ዘናቑት፥ ንሃይማኖታት ዝዝልፍ፥በጋሚንዶነት ዝባርኽ፥ ኣብ ልዕሊ ሰባት ቅትለት ባህርያት ዝፍጽም ዘረባታት ክመልእን ‘ክፍንውን’ ዝኽእል ሙኻኑ ኢዩ።

እቲ ጽቡቑ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ማሕበራዊ መራከቢታት ዝጸሓፍ ጽሑፍ ልክዕ በቲ ንመራኸቢ ብዙሃን ዝገዝእ ሕግታት ተሓታትነት ክህልዎን ዝግባእ ሕጋዊ ቀይድታትን ፍርዳዊ መቕጻዕትታን ክግበራሉ ሙኻነን ክገልጻ ጀሚረን ኣለዋ። ነብሲ ወከፍ ሰብ ዝብሎ ድማ ማዕረቲ ንምባሉ ዘለዎ መሰል ፤ንምምላሱ ዝህልዎ ተሓታትነት ዓቢ ሙኻኑ እንዳነጸረ ይመጽእ ኣሎ።

ንግዚኡ ብሰንኪ እዚ ናይ ቴክኖሎጂ ‘መርገም’ ንቐጻሊ ምናልባት ውን ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ኣእዛን ዝኩርኩሕ ነገራት ክንርእይን ክንሰምዕን ኢና፥። ይኹን ግን ስለምንታይ ከምኡ ተባህለ ኢልካ ጸጉርኻ ምንጻይ ካብ ምውዓል፤ ነቲ ዝብል ናይ ምባልን ምግባርን መሰሉ ኣኽቢርካ እቲ ንስኻ ዝግበኣካ ምግባር  እንተኽኢልካ ድማ እቲ ዝብሎን ዝገብሮን ዘሎ ስለምንታይ ቅኑዕ ከምዘይኮነ ናብ ናቱ/ናታ ደረጃን ከየንቆልቆልካ ንዕኡ ዝስዕር ሓሳባት ምፍጣር ኢዩ ዝሓሸ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ዛዕባና ባዕልና ንቕይሶ ኪኸውን ክንጽዕር ይግባእ። ግዜና ኣብቶም ቅንጣብ ጥቕሚ ዘይብሎም ጎዳእቲ መባኸንቲ ግዜ እንተሕሊፍናዮምን ብዛዕባታቶም እንተተገዚዕናን ግን ከምቲ ‘ዝባኸነ ኣእምሮ ዓውደ ዕዮ ሰይጣን ይኸውን’ ዝተባህለ መውዓሊ ሰይጣን ሓሳባት ክንክውን ኢና።

ናይ ሩዝቨልት ጥቕሲ ምስ ኣርእስትና እትኸይድ ኣብሃህላ ኢያ።

‘ዓበይቲ ኣእምሮ ብዛዕባ ሓሳባት፥ ማእከላይ ኣእምሮ ብዛዕባ ፍጻሜታት፥ ንኣሽቱ ኣእምሮ ብዛዕባ ሰባት ይዛረቡ።’’

 

 

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →