Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ምቕያር ወረቐት ባጤራ ህዝቢ ንምምምላኽ ዝተኣወጀ ተግባር

By   /  August 28, 2016  /  Comments Off on ምቕያር ወረቐት ባጤራ ህዝቢ ንምምምላኽ ዝተኣወጀ ተግባር

    Print       Email

መንግስቲ ኤርትራ ሓድሽ ወረቐት ባጤራ ናቕፋ ካብ ዝዝርግሕ እነሆ ልዕሊ መንፈቕ ሓሊፉ ኣሎ። ከምቲ ሽዑ ብክኢላታት ስነቁጠባ ግምት ዝተገብረሉን ዝተተንተነን ድማ እቲ ምቕያር ወረቐት ዕላምኡ ንህዝቢ ምንብርካኽ ሙኻኑ ንህዝቢ ኤርትራ ዘበርከቶ ነገር እንተሎ ድማ ዝያዳ ድኽነት፥ ዝያዳ ሕሰም፥ ዝያዳ ተስፋ ሙቕራጽ ጥራይ ኢዩ።

ብዙሓት ክኢላታት እቲ ስጉምቲ ምስ ቁጠባዊን ፊናንሳውን ፖሊሲታትን ብምትእስሳር ከምቲ ልሙድ ተግባራት ናይ መንግስቲ ኤርትራ ብሰንኪ ክኢላታት ዘይምምኻር እተገበረ ግጉይ ስትራቴጂ ጌሮም ክወስድዎ ጸኒሖም ኣለዉ።

የግዳስ እቲ ዕላማ ካብ ቁጠባዊ ንላዕሊ ናይ ጸጥታዊ ቁጽጽር ተልእኾን ህዝቢ ብደቂቕ ናይ ምምምላኽ ዕላማን ሒዙ ዝነቐለ ኢዩ። ስለዚ ድማ እቲ ቁጠባዊ ክፋሉ እዚዩ ንእሽቶ እቲ ህዝቢ በቲ ዝደቐቐ መዓልታዊ ህይወቱ ሓኒቕካ ምሓዙ ድማ ዝዓበየ ክፋሉ ሙኻኑ ምግንዛብ ዝግባእ

1. ድሕረ ባይታ

ኣብ 1997 ባጤራ ናቕፋ ክእወጅ ከሎ መንግስቲ ኤርትራ ክልተ ቢልዮን ጥራይ ኢዩ ተሓቲሙ። እቲ ኣብ እዋን ሕጽኖት ናጽነት ኤርትራ ዝተሓተመ ገንዘብ ኣብ ሃዋህው ናይቲ ሽዑ ተስፋ ዝነበሮ ቑጠባዊ ኩነታት ስለዝተዘርገሐ ድማ እኹል ታርፍ ኮይኑ ቁጠባ ኤርትራ ብ8% እንዳዓበየ ንምቕጻል ተበጊሱ።

ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ዝተኻየደ ትርጉም ዘይነበሮ ሃዚል ውግእ ንቁጠባ ኤርትራ ብኣሉታ ከምዝጸለዎ ርዱእ ኢዩ፤ ምኽንያቱ ጸጋታት ዝዞቁቕን ዝመጺን እምበር ትሕዝቶ ዝውስኽ ኩናት ስለዘየልቦ። ኮይኑ ድማ ኣብዚ ዝተጠቐሰ እዋን ሓይሊ ባጤራ ናቕፋ በቲ ኩናትን ሳዕቤናቱን ርኡይ ማህሰይቲ ወሪድዎ።

2.  እቲ ካልኣይን ዝሑልን ኩናት

ኣብ ልዕሊ ባጤራ ኤርትራ ካልኣይ ዝሑል ኩናት ዝኣወጀ ግን መንግስቲ ኤርትራ ባዕሉ ኢዩ። ድሕሪ ምብቓዕ ኩናት ምስ ኢትዮጲያ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ህዝቡ፥ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣፍራዩ ዓቕሙን ኣውፋሪ ሓይሉን ናይ ምጽጻይ ውግእ ስለዝኣወጀ ቁጠባ ኤርትራ ከንቆልቁል፥ ሰሪሑ ዝኣቱ ሓይሊ ክሰኣን፥ ስራሕ ብዓቢኡ ክጠፍእ፥ ነጋዶን ኣውፈርትን ከም ቀንዲ ጸላእቲ ክፍረዱ ጀሚሮም። ከም ኩሎም ናይ እዋን ዝሑል ኩናት ቁጠባታት ድማ ናይ ኤርትራ ቁጠባዊ ቁመና ንዕብራንን ዝሕታለን፥ ንዘይሕጋዊ ኣሰራርሓን ግዱድ ሕግታትን ተቓሊዑ።

እዚ ውሽጣዊ ግዝኣት ግዳማዊ ሸርሕታት ስለዝተወሰኾ ድማ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዚምባብወ ዘጋጠመ ኩነት ናቕፋ ናብ ትርጉም ዘይብሉ ወረቐት ኪቕየር ጀሚሩ።  ማዕረ ማዕረዚ ባዕሉ መንግስቲ ኤርትራ፥ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝገብሮ ዘይሕጋዊ ተግባራት እንተላይ ንግዲ ደቂ ሰባት ቢልዮናት ናቕፋ ስለዝመጸወ፥ ናቕፋ ብፍላይ ድማ ናይ 100 ወረቐት ካብ ዕዳጋታት ብዓቢኡ ውን ካብ መሬት ኤርትራ ክስወር ጀሚሩ። ብኣንጻሩ ትምዩን ወረቐት ናቕፋ ንዕዳጋታት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ነቲ ብሕግታት ኤርትራ ዘይኮነስ ብሕግታት ሱዳንን ኮንትሮባንዳን ዝመሓደር ዕዳጋታት ተሰነይ ክጎብእ ተራእዩ።ሻቡ ድማ ነጋዶ ኤርትራ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ዘመሓድርዎም ከም ቃንጥሻ ዓሶ ቦቒሎም ዝሓድሩ ሚልዮነራት’ ተተኪኦም።

እቲ ንክኢላታት ስነቁጠባ ኣባሪሩ ንነብሱ ናይ ፊናንስን ቁጠባን ክኢላ ዝኣወጀ ጉጅለ መንግስቲ ኤርትራ፥ ነዚ ጌጋታት ብኸመይ ክእረም ይኽእል ዝብል ሓሳብ ኣንቂሉ ሰብ ሞያ ኣኪቡ ንሓሳብ ክንዲ ዝዕድም፤ ባዕሉ ዝገደደ ስጉምታት ብምውሳን ኣብ 2006 ደሓር ድማ 2010 ኣብ ሱዳን ልዕሊ 18 ቢልዮን ተወሳኺ ባጤራ ብምሕታም ሚዛን ናቕፋ ናብ ደረጃ ክንቲት ኣውሪድዎ፤ በዚ ድማ መጠን ሸርፊ ክሳብ 1 ዶላር ናብ 55 ናቕፋ ዓሪጉ።

3. ግዜ ኣሕጺርካ ገንዘብ ህዝቢ ንምዝማት ዝተጠጀአ ውዲት

መንግስቲ ኤርትራ እዚ መስርሕ ዝፈጠሮ ሃጓፍ ንምሽፋን ሕጂውን ክኢላታት ዓዲሙ እንታይ ንግበር ኢሉ ኣብ ክንዲ ዝመክር ኣብ ዕጽው ውሻጠ ብኣጻብዕቲ ሓንቲ ኢድ ዝቕጸሩ ‘ሓቅኻ እዚኣ ድማ ተኣምር ሓሳብ’ ጥራይ ኢሎም ዘዳምቑ ሰባት ጸንቢሩ ሃንደበት ብምስጢር ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ክትግበር ወሲኑ።

እቲ ኣዋጅ ብጽበት እዋን ኣብ ወርሕን ክልተ ሰሙንን ክትግበር ፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ናቕፋ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ ጸቢብ መሕንቖታት ክግበረሉ ፡ ከምኡውን ወጻእተኛታት ውልቀሰባትን ትካላትን መረጋገጺ ሕጋውነት ዝውንንዎ ናቕፋ ከቕርቡ ዝብል መምርሒ ዝሓዘ ስለዝነበረ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ብኻልእ ሜላ ክእክቦ ዝኽእል ዝነበረ ጥቓ 45 ሚእታዊት ናይቲ ጠቕላላ ገንዘብ ልክዕ ንሙኻን 11 ቢልዮን ናቕፋ ጠፊኡ ኣሎ።

4. ጉዳይ መሻርኽቲ ነጋዶ ደቂ ሰብ – ግጭት ኣብ ምምቕቓል ድሕሪ ስርቂ

ካብዚ ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ህጣሙ ጠፊኡ ዘሎ 40% ገንዘብ እቲ 5 ቢልዮን ምስቶም መንግስቲ ኤርትራ ካብ ኣስመራ ክሳብ ሲናይ ኣብ ዝዝርጋሕ ዕዳጋታት ሰባት ክሸጡ ዘዋፈሮም ነጋዶ ደቂ ኣዳም ኢዩ ተሓቢኡ ጸኒሑ። ኮይኑ ድማ እቲ ባጤራ ምስተቐየረ ኣመሓዳሪ ዞባ ከሰላ ዝመርሖ ልኡኽ ናብ ኣስመራ ብምኻድ ‘እዚ ካብቲ ብሓባር ዝሰራሕናዮ ዕዮ ንግዲ ሰባትን ኮንትሮባንዳን ዝተረኸበ ገንዘብና ብኸመይ ምቕያር ትኸልኡና’ ዝብል ሕቶ ዝሓዘ መልእኽቲ ሒዙ ናብ ኤርትራ ደድሕሪ ምቕያር ወረቐት ባጤራ ናቕፋ ዑደት ኣካየደ።

እቲ ልኡኽ ምስ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍን ናይ መንግስቲ ኤርትራ ሚኒስተር ንግድን ኢንዳስትሪን ከምኡውን ናይ ስራሓት ኮንትሮባንዳ ሓላፊን እኳ እንተተራኸበ፤ ፍረ ዘለዎ መልሲ ግን ክረክብ ኣይከኣለን። ኮይኑ ድማ ኣብ ኤርትራ ን10 መዓልታት ንፕረሲደንት ኤርትራ ንምርካብ ድሕሪ ምጽባይ ፕረሲደንት ኤርትራ ኣብ ዞባታት ገይሹ ከምዘሎን ክረኽብዎ ከምዘይክእሉን የግዳስ ምስኦም ዘሎ 5 ቢልዮን ከረክቡ ኣምሳይኡ ድማ ካብቲ ሓድሽ ባጤራ ሓደ ቢልዮን ጥራይ ክወሃቡ ሙኻኖም ከምዝተሓበሮም ተገሊጹሎም።

5. መንፈቕ ድሕሪ ምቕያር እንታይ ፈረየ

ልዕሊ መንፈቕ ድሕሪ ምቕያር ናቕፋ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ገዲዱ እምበር ኣይተመሓየሸን። ቀዳማይን ቀንዲን ጉዳይ መንግስቲ ንህዝቢ ‘ወላ ነቲ ናትካ ገንዘብ ውን እንተኾነ ኣነየ ከም መቑነን ሰራዊት ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ዝዕድለካ’ ስለዝበሎ ህዝቢ ወናኒ ህይወቱ ከምዘይኮነ ፈሊጡስ ኣብ ኤርትራ ምንባር ደጊም ዘይከኣል ሙኻኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እዚ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ደሞዝተኛ ቀይሩ ዘሎ ስርዓተ ፊናንስ፤ ህዝቢ ካብ ናይ ባዕሉ ገንዘብ ብመንግስቲ ናብ ዝኽፈል ሰራሕተኛ መንግስቲ ከምዝቕየር ጌርዎ እሎ። በዚ ተግባራት ድማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝጸንሐ ስነኣእሙራኣዊ ምትፍናን ህዝብን መንግስትን፤ ኣካላዊ ድኽነትን ሕሰምን ህዝቢ ከምዝገንን ኮይኑ ኣሎ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ካብ ሓደ መስርዕ ናብ ካልእ መስርዕ ኢዩ ክዘውር ዝውዕል። ስድራ ቤት ንግሆ ተሲኣ እቲ ሓደ ናብ ናይ ባንክ ሪጋ፥ እቲ ካልእ ናብ ናይ ላምባ ሪጋ፥ እቲ ህጻን ናብ ናይ ባኒ ሪጋ፥ እታ ተረፍ ሕሳስ ልደ ድማ ናብ ናይ ማይ ሪጋ ክዋፈሩ ኣለዎም።

6. እቲ ዕላማ ህዝቢ ኣጥሚኻን ገሪፍካን ምንብርካኽ ኢዩ

ብመሰረቱ ዕላማ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ህዝቢ እንተስ ብስእነት ማይ፤ እንተስ ብስእነት ባኒ፤ እንተስ ብግፋ፤ እንተስ ብምፍራስ ኣባይቲ፤ እንተስ ብምህጋር መሬት ቅሳነት ስኢኑ ማዓልታዊ ህይወቱ በዚ ጭንቀት ተወሪሩ ካልእ ናይ ተቓውሞ ወይ ዘይዕግበት ስምዒት ክሳብ ዘማዕብል ዘዛኒ ግዜ ክወሃቦ የብሉን ዝብል ሜላ ኢዩ ዝኽተል። ስለዚ እዩ ድማ ህዝቢ ገዛእ ገንዘቡ ጌሩ ውራዩ ከየሕልፍ ናብ ምምሕዳር ከይዱ 3 ሽሕ ንኽራይ ቬሎ፤ 2 ሽሕ ንባንድ ሙዚቃ፤ 4 ሽሕ ንብዕራይ፤ 2 ሽሕ ንበርበረን ድልኽን ወዘት ክብል ከምዝውዕል ዝገብሮ።

ናብዚ ኩነት ዝድርኽ ዘሉ ጉዳይ ስእነት ጸጋታት ኣይኮነን። ንመንግስቲ ኤርትራ እቲ ሜላ ህዝቢ ብመዓልታዊ ህይወቱ ኣእምሩኡን ቀልቡን ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር መሓውራት መንግስቲ ኣእቲኻ ዝኾነ ካብ እቲ መንግስቲ ዝነድፎ መስመር ምዩቕ ዝብል ሓይሊ ከምዘይፍጠር ክፍጠር ምግባር ኢዩ።

ብልክዕ ድማ ዝኾነ ተቓውሞ ዝመስል ሓይሊ ክፍጠር ኣጸጋሚ ኣብ ምግባሩ ዕዙዝ ተራ ኣለዎ፥ ምኽንያቱ ከምቲ ኣብ ሓደ ምንቅስቓስ ኣእዳውን ኣእጋርን ካብ ዘሎ ናይ ኣእላፍ ሰባት ሰልፊ ሓደ ወይ ክልተ ንበይኖም ኣእዳዎም ወይ ኣእጋሮም ዘንቀሳቕሱ ዘለዉ ሰባት መዝሕቕካ ንምውጻእ ቀሊል ዝገብሮ፥ ምንቅስቓስ ገንዘብ ብጸቢብ ምቁጽጻር በይኑ ካብቲ ስሩዕ ምንቅስቓስ ወስ ንዝበለ ነቒስካ ንምውጻእ ዝሕግዞ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ስትራቴጂ መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ።

7. ምቁጽጻር ገንዘብ ኣካል መሓውር ስለያን ድሕነትን

ኣህዛብ ብገንዘብ ምቁጽጻር ክሳብ ክንደይ ኣድማዒ ሙኻኑ ኣብቲ ድሕሪ ግብረሽበራዊ መጥቓዕታት 11 መስከረም ዝተገበረ ዓለማዊ ውህደት ኣብ ምቁጽጻር ፊናንሳዊ ምንቅስቓስ ግብረሽበራውያን ተራእዩ ኢዩ። ንመንግስቲ ኤርትራ እውን እቲ ዕላማ ተመሳሳሊ ኢዩ፤ ቁጠባዊን ፊናንሳውን ሕቶ ዘይኮነስ ሕቶ ጸጥታዊ ምቁጽጻርን ምምላኽ ህዝብታትን። እቲ ፍልልይ ኣብ ዕላማ ኢዩ ኣብቲ ቀዳማይ ንምቁጽጻር ሽበራ ኣብዚን ዳሕረዋይን ከ ንምፍጣር ሽበራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘንቀለ ተግባራት ስለዝኾነ።

ብብዙሓት ግሩሃት ምቕያር ባጤራ ነቶም ደቂ ሰባት ኣሰጋጊሮም ዝሃብተሙ ንምርካብ ዝተገብረ ሃንደበታዊ መጥቓዕቲ ኢዩ ዝብል መንግስቲ ናይ ዝለኣኾም ሰባት መግለጺ ይድገም ኢዩ። ከምኡ ነይሩ እንተዝከውን እቲ ዕላማ ልዕሊ ኩሉ ኣብ ውሽጢን ወጻእን ዘሎ ህዝቢ ሓንጎፋይ ኢሉ ምተቐበሎ። ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሲናይ ጂሆ ተታሒዞም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ናይ ዝወደቕ ሕጂ ተዘይከፈልኩም ክንቀትሎም ኢና ክንሓርዶም ኢና እንዳተባህሉ ዝተጭውዩ ኣዝማድ ንምድሓን ኣእላፍ ዶላራት ከፊሎም ኢዮም።

እቲ ዝኽፈል ኣእላፍ ዶላራት ዝቕበል ሰብ ሓንሳብ ኣብ ባሕቲ መስከረም ክጸንሓካ ኢዩ፥ ሓንሳብ ኣብ ካምቦቦሎ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ክጸንሓካ ኢዩ፥ ሓንሳብ ንበዓልቲ ቤቱ ንሓላፊ ወይዘሮ እከሊት ኢልካ በዛ ቑጽሪ ደዊልካ ሕተት እሞ ሃባ፥ ሓንሳብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምክትታል ዶባት ኬድካ ክፈሎ፥ ሓንሳብ ኣብ ሜድያን ሆቴል ኦፐረይተር ናይ ጀነራል ኩስቶ ክጸንሓካ ኢዩ ዝተባህሉ ውሑዳት ስለዘይኮኑ ዋና ናይቲ መሸጣ ሰብን ናውቲ ኣካላትን ባዕሉ መንግስቲ ሙኻኑ ህዝቢ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ።

ነቶም ሰብ ዘስግሩ ሒዞሞ ዘለዉ ንምሓዝ ሃገራዊ ባጤራ ምቕያር የድሊ ዝብል መጎት ከም ባጫ እንተዘይኰይኑ ካልእ ክሕሰብ ኣይክእልን። ካብ ኤርትራ ሰባት ዘሰጋግርን ካብ ከሰላ ክሳብ ሊብያን ሲናይን ዝሸይጥ ብህግደፍ ዝምእከል ምትእስሳር ዘይሕጋዊ ንግዲ ናብ ውልቃዊ ሕሳባት ሒደት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ውልቀሰባት ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ኣታዊ ይገብር ምህላዉ ዝጠፍኦ የለን።

ዝኾነ ምኽንያት ይንበሮ ብዘየገድስ ምቕያር ባጤራ ንረብሓ ህዝቢ እንተዝኸውን ውን ህዝቢ ኣብ እቲ ዝቐደመ ኣይምነኸሰን። ብነብሱ ህዝቢ ሓዳግ ስለዝኾነ ናብ ህይወቱ መድሃበ። ሓለንጊ ምቕያር ናቕፋ ግን መሊሱ ድኽነት ናብ ከብዱ ከምዝኣቱ ዝዓለመ ካልእ ገጽ ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣዊጅዎ ዘሎ ኩናት ኢዩ።

8. እቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝብሎ ቁጠባዊ ምጉት ውን ብመጠኑ ሓቅነት ኣለዎ ።

መንግስቲ ኤርትራ ሓደ ካብ ዘቕረቦም ምኽንያታት ህዝቢ ባንካዊ ኣገልግሎት ስለዘይጥቀምን ገንዘቡ ኣብ ቤቱ ስለዝዕቅቦን ዑደት ናቕፋ ዛሕቲሉ ገለ ክፋሉ ብፍላይ ድማ ናይ 100 ኖት ተሰዊሩ ዝብል ኢዩ። ብዙሓት ንናቕፋ ብምትምያን ክህብትሙ ዝደልዩ ወገናት ገንዘቦም ናብ ባንክ ከቕርብዎ ስለዘይክእሉ እቲ ዝተምየንዎ ናቕፋ ከይሰርሕ ምእንቲ፡ ከምኡውን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝተረኽበ ኣታዊ ሕጋዊ መሲሉ ክትሓዝ ዝግበር ኣገባባት ስለዝበዝሐ፡ ነዚ ንምቍጽጻር ምቕያር ባጤራ ኣድልዩ ውን ተባሂሉ ነይሩ። ሃብታማት ነጋዶ ኣብ ገዝኦም ኣቐሚጦሞ ዘለዉ ብዙሕ ዘይሕጋዊ ጥቕሉል ባጤራ ኣብ ዕዳጋ ሕጽረት ገንዘብ ስለዝፈጥር፡ ንዓታቶም ንምቍጽጻር ዝብልውን ይውሰኾ።

እዚ ኣበሃህላ ብኸፊል ሓቅነት ዘለዎ ኢዩ ይኹን ግን ጠንቁ ባዕሉ እቲ ዝኸስስ ዘሎ ወገን ኢዩ፥ ምኽንያቱ መሰረት ናይ ባንክታትን ዓማዊልን እምነት ኢዩ፥ ህዝቢ ድማ ኣብቲ ኣብ ገዛእ ህይወቱ ኣትዩ ዕድሉን ዕድል ወለዶታትን ዝወሰደ ስርዓት፥ በብእዋኑ ተኣዊጆም ብዘይሓድሩ ሕግታት ዘመሓድር፥ ኣብ እዋን ጸገም ናይ ህዝቢ ቦንድ መንዚዑ ዘይመልስ፥ ሰባት ሓሪሶም ዝዓጸድዎ እኽሊ ክግዕትዎ ዲዩ ዘለዎም ክለውስዎ ዝእዝዝ፤ ህዝቢ ጨቖቕ ኢሉ ገዛ ክሰርሕ ትም ኢሉ ክርኢ ጸኒሑ ድሕሪ ዓመታት ብዶዘር ጌሩ ዘፍርስን ከምኡ ብምግባሩ ደስታ ዝስመዖን ሳዲስት መንግስቲ እምነት ህዝቢ ክህልዎ ኣይክእልን።

9. መሰረት ዝምድና ባንክታትን ህዝብን እምነት ኢዩ

ከምቲ ክሰርቀኒ ዝረኣኽዎስ ክመልሰለይ ነይኣምኖ ዝበሃል ድማ ህዝቢ ነቲ መዓልቲ ክዕምጾን ክግብቶን ዝውዕል ስርዓት ኣሚኑ ገንዘቡ ከረክቦ ኣይመርጽን።

ኣብ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ፡ ብፍላይ ከኣ ካብ ቅዋም ወጻኢ ብመዓልታዊ ቐጨውጨው ውልቀመለኽቲ ኣብ ዝመሓደራ ሃገራት፡ ገንዘብ ኣብ ባንክታት ምቕማጥ ብብዙሕ መኽንያታት ኣጸጋሚ’ዩ።

ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ባንክታት ዘይመርጸሉ መኽንያት ባንክታት ብመሰረቱ ኣብ ውሑዳት ከተማታት ጥራይ ዝርከቡ ምዃኖም’ዩ። እቲ ባንክታት ይትረፍ ንመላእ ህዝቢ ሓደ ሃገር ከገልግል፡ እቶም ኣብ ከተማታት ዝርከቡ ሒደት ተጠቀምቲውን ብኣሸጋሪ መስርሓትን ብልዑል ምብኻን ግዜን ሓሊፎም ይጥቀሙሉ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍሹል ምሕደራ ዘለወን ሃገራት፡ መንግስታት ኣብ ባንክ ዘይተቐመጠ ብዙሕ ገንዘብ ዘይሕጋዊ’ዩ ክብሉ ኽስምዑ ኸለዉ’ዩ ዘይሕጋዊ መግለጺ ኽበሃል ዝግብኦ። ዘይሕጋውነት ናይዚ መግለጺ ተቓዊሙ ደው ዘብል ኣካል ኣብ ዘይብሉ ሃገር፡ መንግስቲ ስልጣኑ ብዘይግቡእ ተጠቒሙ ብዘይሕጋዊ መሰረት ዘሕለፎ ኣዋጅ፡ ንህዝቢ መቕጽዒ ይጥቀመሉ።

10. ነጋዳይ ኣብ መዝገበ ቃላት መግስቲ ኤርትራ ገበኘኛ ኢዩ ዝቕጸር

ኣብ ኤርትራ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቁጠባዊ ዝሕታለ ዘጋድዶ፡ ህዝቢ ካብ ምስራሕ ካብ ዝኽልከል 16 ዓመታት ኣሕሊፉ ምህላዉ ኢዩ።ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ በይኑ ኣብ ዝውንኖ ዘሎ ቑጠባ፡ ሰብ ሒደት ጥሪት ምስዝረከቡ ብጥርጣረ ይርኣዩ።

ብዙሓት ነጋዶ ኣብ ጠመተ ቐታሊ ጨናፍር ህግደፍ ንኸይኣቱ ሃብቱን ንበረቱን ክሓብእ’ዩ ዝግደድ። 100 ዶላር ኣመሪካ ብ5500 ናቕፋ ኣብ ዝሽረፈሉ ቑጠባ፡ ንትካላትን ውልቀሰባትን ኣብ ሰሙን ትሕቲ 1200 ናቕፋ ካብ ገንዘቦም ጥራይ ክጥቀሙሉ ዝእዝዝ ኣዋጅን ኣሰራርሓን፡ ንብዙሓት ሰብ ሕሳብ ገንዘቦም ብዘይዕንቅፋት መንግስቲ ክሰርሑሉ ምእንቲ ኣብ ቤቶም ከቐምጥዎ ተገዲዶም።

ዓመት ቅድሚ ምቅያር ወረቐት ባጤራ ዝተኣወጀ ካልእ ኣዋጅ ኰነ ተባሂሉ ነዚ ዝሰዓበ ኣዋጅ ዝያዳ ማህሰይቲ ንኸውርድ ዝተዳለወ ይመስል። ሰብ ሕሳብ በቲ ኣዋጅ ተደፋፊኦም ገንዘቦም ብውልቂ እናቐመጡ፡ ነቲ ናይ ባንክ ዝቐደመ ሕሳቦም ሸለል ክብልዎ ምስጀመሩ፡ እቲ ዳሕረዋይ ሓድሽ ኣዋጅ ነቲ ዘዋህለልዎ ብዝቕባበ ዝዅመር ባጤራ ናብ ባንክ ከቕርብዎ ዝፈጥረሎም ስክፍታ ርዱእ’ዩ።

ልዕሊ 20 ሽሕ ንዘዋህለለ ሰብ ንግዳዊ ምንጩ ምሕታት፡ ኣብቲ ብመደብ ኣብ ዝፈረሰ ቑጠባ ተቓሊሱ ዝናበር አሎ ህዝቢ መቕጻዕቲ ምውራድ’ዩ ቀንዲ ዕላምኡ። በቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝሓንጸጾ ኣገባብ ኣብ ድኽነት ኣትዩ ንሓድሕዱ ኽባላዕ ዝተደልየ ህዝቢ ኤርትራ፡ በብመዓልቱ ፍሉይ መገዲ ስራሕ ረኺቡ እናተበላሓተ ብህይወት ክቕጽል ይኽእል ኣሎ።

ናብ ዝተፈላለየ ኹርንዓት ዓለም ዝተሰደዱ ዜጋታት ኣብ ናብራ ቤተሰቦምን መቕርቦምን ለውጢ ንምምጻእ ዝከኣኣሎም መጠን ገንዘብ ናብ ሃገር ይሰዱ። ጸጸኒሑ ዝቀያየር ፋይናንሳዊ ፖሊሲ ዘረብረቦም፡ ናይ ዓመታት ድኻሞም እናኣባኸነ ዘአፍገዶም ነጋዶ ገንዘቦም ባዕሎም ጥራይ ኣብ ዝፈልጥዎ ቦታ ከቐምጥዎ መሪጾም።

እቲ ኣዋጅ፡ ነቶም ካብ 2001 ኣትሒዙ ንሓፋሽ ተስፋ ከቝርጽ ዘውጽእ ዝነበረ ኣዋጃት ናይ ስራሕ ሕልናኦም ከየዳኸሙ ዝሰርሑ ሰባት ቀዳማይ ዕላማ ጌሩ ዝቐጽዕ’ዩ።

ድሕሪ’ቶም ተባላሒቶም ዘጥረዩን ቤተሰቦም ዝኣለዩን፡ ንመደብ ስደት ህግደፍ ዘበርዓኑን ዜጋታት ዝስዕቡ እቶም ካብ ደገ ገንዘብ ተላኢኹሎም ዝናበሩ ስድራቤታት ዝዕልም’ዩ። ኣብ ነዊሕ እዋን ካብቲ ካብ ወጽኢ ዝተላእከሎም ገንዘብ ቈጢቦም ዘዋህለሉ ስድራቤታት ነቲ ዘዋህለልዎ ገንዘብ ናብ ባንክ ከቕርብዎ ኣይክእሉን’ዮም።

እቲ ብቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝካየድ ጸሊም ዕዳጋ ሸርፍን ሓዋላን፡ ኣብ ቤትፍርዲ ከም ሕጋዊ ኣገባብ ንምቕራቡ ከምዘይከኣል ስለዝፈለጠ ድማ ፡ ሰባት ኣብ ቤቶም ዘቐመጥዎ ኣማኢት ሚልዮናት ናቕፋ ባዶ ክኸውን ኮነ ኢሉ ኢዩ ተዋዲዱ።

11. ህዝቢ ነንሕድሕዶ ዝበሃሃለሉ ናይ ባዕሉ ኣዋጅ ኣዊጁ ኣሎ

መሰረታውያን መዓልታዊ ጠለባት ንምርካብ ኣሸጋሪ ኣብ ዝዀነሉ ሃገር ኣታዊታት ውልቀሰባትን ትካላትን በቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ዝደልዮ ኣሳልጦ ምሽንካር ዝዕላምኡ ኣገባብ እንተሓሊፎም ክትግበር ስለዘይክእሉ፡ ህዝቢ ካብ ትእዛዛት’ቲ ፍሹል መንግስቲ ወጻኢ ኣብ ንሓድሕዱ ዝሰማምዓሉ ኣገባብ እናተኸተለ’ዩ ክሰርሕ ጀሚሩ ኣሎ።

ከም ኩሉ ብሓይሊ ዘስገድዶ ተግባራት ነቲ ብቁጠባዊ ሕግታትን ዓለማዊ ፊናንሳዊ ተዋስቦታትን ዝውሰን መጠን ሸርፊ ውን ከይተረፈ ብኣዋጅን ሓይልን ክውስኖ ኢዩ ሃቂኑ። ንስለ ኩርዓት ጥራይ ሓደ ዶላር ዳርጋ 10 ናቕፋ ስለምባል ድማ ኣብ ባይታን ትሕቲ መሬትን ዘሎ ክውንነት ካልእ ክንሱ ብማእሰርትን መጭወይትን ነዚ ውሳነ ክትግብር ጽዒሩ። ብግዝኣት ዝረግእ መጠን ስለዘየ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት እቲ መጠን ናብ 36 ተመሊሱ ወሪሑ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ዝተቐየረ ነገር የለን፥ ዝተቐየሩ እንተለዉ እቶም ንዶላር ዝእክብዎ ዘለዉ ሰባት ኢዮም። ዘይ ከም ቀደም ሎሚ ዶላር ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ናይ ምውፋርን ምእካብን ስራሕ እቲ ዝበዝሐ ክፋሉ ብበዓልቲ ቤት ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ህግደፍን፤ በዓልቲ ቤት ሓደ ጀነራልን ብዝዋፈሩ ሰባት ኢዩ ዝእከብ ዘሎ።

መደምደምታ

ህዝቢ ኤርትራ ልዑል መጠን ናይቲ ህዝቢ ኣዋህሊሉ ብውልቁ ዘቐመጦ ቢልዮናት ናቕፋ፡ ናቕፋ ዝቕየረላ ሰሙን ክትሓልፍን፡ እቲ ገንዘብ ባዶ ክኸውንን’ዩ ወሲኑ። በዚ ድማ ክሳዕ ኣብ ኤርትራ ፍትሓዊ መንግስቲ ተተኺሉ ዝባኸነ ገንዘብ ዋጋኡ ዝምለስ፡ ኣብ ቁጠባ ብመጠን’ቲ ዘይተለወጠ ገንዘብ ዝቕባበ ብምፍጣር፡ ጻዕሪ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ኰይኖም ብምስራሕ ዘዋህለሉ ዜጋታት ብኸንቱ ተጓሒፉ ኣሎ።

እቲ ብኣፋራራሒ ሓረጋት ተፈቲሉ ዝተፈነወ ኣዋጅ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ገንዘብ ኣባኺኑ፡ በይኑ ጎብለል ኰይኑ ንቕጽል ዘኽእሎ’ዩ። እቲ ህዝቢ ዝርእዮ ኣካይዳ’ቲ ስርዓትን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ህይወቱ ንኽሕሉ ክኸስር ኢዩ መሪጽ።

እዚ ብጸቢብ ኣብ ዘሕልፉ ኣሉታዊ ትርጉማት ተተኺሉ ዝወጸ ኣዋጅ፡ ንመላእ ህዝቢ ከም ገበነኛ ኸምዝርዕድ ንምግባር፡ ንገዚፍ ክፋል ቁጠባ ሃገር ናብ ተራ ወረቐት ለዊጡ ህዝብን ሃገርን ዝሃሲ ኲናት ኢዩ ከፊቱ።

ዓብላልነት’ቲ ምሕላፍ ሰሙናት ዘይኰነ፡ ምሕላፍ ዓሰርተታት ዓመታት ከምዘይምልከቶ ዝኣምን ዘሎ ጉጅለ ብምውህላል ገንዘብን ሓይልን ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሓይልን ገንዘብን ሓፋሽ ብምድኻም ዝረኽቦ መላኽነትን ዕግበትን ልዑል ስለዝዀነ’ዩ ነዚ ኣዋጅ ኣውጺእዎ ዘሎ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈቶ ኲናት ቅድሚ ሃብቲ ንህይወት ሰባት ስለዝተጻረረ በዚ ጉዳይ’ዚ ዝግረም ብዙሕ የለን።

እንተዀነ ግና ህዝቢ ኤርትራ ንመንግስቲ ኤርትራ ድሕር’ዚ ዓማጺ ኣዋጅ’ዚ ኣንዊሑ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ እንተተፈቒድሉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣዋጃትን መኽንያታትን ኣተራኢሱ ብጻዕሩ ዘጥረዮ ገንዘብ መንጢሉ ምስኣጥመዮ፡ ብኸብዱ ዝግዛእ ባርያን፡ ኣብ ባህ ዝበሎ ዝቐትሎ መጽዓኛን ዝዀነሉ ዛዛሚ መድረኽ ክስዕብ ምዃኑ ርኡይ’ዩ።

 

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →