Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ምቅይያር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተገይሩ

By   /  August 14, 2016  /  Comments Off on ምቅይያር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተገይሩ

    Print       Email

ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምቅይያር ተኻይዱ። እቲ ምቅይያር ብቐንዱ ኣብ ተኣማንነት ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንትን ጥርጠራ ናይ ምንዕዓብ ከልዕሉ ዝኽእሉ ሓለፍቲን ዝተሞርከሰ ሙኻኑ ምንጭታት መድረኽ ገሊጾም.

ብመሰረት እቶም ምንጭታት እቲ ለውጢ ብቐንዱ ንመጀር ጀነራል ቻይና ብኣሉታ ዝጸለወ ነቶም ልዑል ተኣማንነት ዘርኣዩ ድማ ዝያዳ ሓላፍነት ዘውሃበ ምቅይያር እዩ። እቲ ምቅይያር ኣብ እዚ ተወርዋሪ ሓይሊ፤ ኣብ እዚ ምብራቕ፤ ሓይሊ ባሕሪ፥ ከምኡ ውን እዚ ማእከል ዘጠቓለለ እዩ።

መጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና) ካብ 2013 ኣትሒዙ ንምልካዊ ኣከያይዳ እታ ሃገርን ኣድላይነት ለውጥን ኣመልኪቱ ብጋህዲ ክነቅፍ ዝጸንሐ ኢዩ። ቅድሚ ሕጂ ንመጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል ካብ እዚ ሰራዊት ንምእላይ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኮይኑ ክሰርሕ ተመዲቡ እኳ እንተነበረ መጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል ነቲ ምምዳብ ነጺግዎ ኢዩ ጸኒሑ።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ሓይሊ ኣየር ካብ ዝነበሩ ፓይሎታት ናብ ወጻኢ ሃገራት ብስራሕ ኣብ ዝገሹሉ እዋን ንግዚኡ ቁጽሮም ዘይተረጋገጸ ኦፊሰራት ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ምህላዎም ተፈሊጡ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ምዕራብ  ብዘለዎ መርበባት ብፍላይ ድማ ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘለዎ ንፍልሰት ኤርትራውያን ዝምልከት ጽምዶ ተጠቒሙ ነዞም ኢዶም ዝሃቡ ኦፊሰራት ንምምላስ ድሮ ላዕልን ታሕትን ክብል ጀሚሩ ምህላዉ ተፈሊጡ።

 

 

 

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →