Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

145 ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ዝተመለሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ተወሲዶም፤ ካልኦት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ፥ ሱዳን፥ ግብጺ ብሕሱም ይህደኑ።

By   /  July 24, 2016  /  Comments Off on 145 ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ዝተመለሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ተወሲዶም፤ ካልኦት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ፥ ሱዳን፥ ግብጺ ብሕሱም ይህደኑ።

    Print       Email

ብዕለት 18 ሓምለ 2016 ኣብ ሊብያ ዝተታሕዙ እሞ ብኣስገዳድ ናብ ኤርትራ ዝተመለሱ 145 ኤርትራውያን፥ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ተቐቢሉ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ሰዊርዎም።

እዞም ኣብ ሰዓታት ለይቲ ናይ ዕለት 18 ሓምለ ኣብ ባጽዕ ዝተራገፉ ግዳያት፥ ሻቡ ኣብ ሰለስተ በጣሕ ወታሃደራውያን መካይን ተሰኽሲኾም ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ከምዝተወስዱ ዝሓበሩ ምንጭታትና፥እቶም ግዳያት መንግስቲ ሊብያ ብምትሕብባር ኤውሮጳዊ ሕብረት ካብ ዝነበርዎ መኻዚኖታት ኣኽቢቡ ዝወሰዶም እዮም።

ብዘይካ እዚ መንግስቲ ሊብያ ካብ ዕለት 15 ሓምለ ጀሚሩ ንኹሎም ኣብታ ሃገር ዘለዉ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝኾኑ መኻዚኖታት ብምውራር ተፍትሽን ግፋን የካይድ ምህላዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዶባት ሱዳንን ግብጽን ተሪር ሓለዋ ይካየድ ምህላዉ ብዙሓት ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተበገሱ ኤርትራውያን ኣብ ዶባት ተዓጊቶም ከምዘለዉ ተፈሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ብፍላይ ድማ ካብ ሃገረ ኢጣልያ ዝተበገሱ ናይ ኤውሮጳ ናይ ኮለላ ሓይሊ፥ ነቲ ከባቢታት ይፍትሹ ብምህላዎም ብዙሓት ኣስገርቲ ስደተኛታት ራሕሪሖም ይሃድሙ ስለዘለዉ እዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ብዕለት 19 ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽዒነን ዝጓዓዛ ዝነበራ መካይን ብሸፋቱ ድሕሪ ምጥቀዐን ኣብ እዋን እቲ መጥቓዕቲ ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ተሓቢሩ። እቶም ዝቖሰሉ ኣብ ሆስፒታል ኡምዱርማን ይሕከሙ ምህላዎም ክፍለጥ ከሎ እተን ዝበዝሓ መካይን ንድህሕት ንሱዳን ክምለሳ ከለዋ ሓንቲ መኪና ምስ ሒዛቶም ዝነበርት ስደተኛታት በቶም ሸፋቱ ከምዝተማረኸት ተፈሊጡ ኣሎ።

መንግስታት ኤርትራን ሱዳንን ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት 200 ሚልዮን ድሕሪ ምቕባሎም ነቲ ባዕሎም ዘካይድዎ ሰክዔት ምስጋር ደቂ ሰባት ብዝጥዕሞም ኣገባብ እንዳተጻወቱ ናብ ረብሓኦም ከአውዕልዎ ይህቅኑ ምህላዎም ዘረድእ ብዙሕ ጭብጥታት ኪቐርብ ጸኒሑ ኣሎ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣብ ዝቕጽል ዜናና ብዕለት 21ን 23 ኣብ ሱዳን ዘለጥ፥ ሳሓፋ፥ ጅሬፍ ብዛዕባ ዘጋጠመ ግፋን ካብቲ ግፋ ክሃድሙ ክብሉ ብመኪና ተገጭዮም ናይ ዝሞቱ ጓል 21 ዓመትን ወዲ 17 ዓመትን ኤርትራውያን ዘሕዝን ፍጻመ ከነቕርብ ኢና።

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →