Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ግዱድ ምግዓዝ ዓድታት ንስርቂ ጸጋታት

By   /  July 17, 2016  /  Comments Off on ግዱድ ምግዓዝ ዓድታት ንስርቂ ጸጋታት

    Print       Email

ተቐማጦ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ከባቢኦም ብዝሒ ሓራምዝ ስለዝተራእዮ፡ እቲ ኸባቢ ሕሩም ሕዛእቲ ዀይኑ ከም መስሕብ ቱሪዝም ሃገራዊ ኣታዊ ምእንቲ ኽርከበሉ ተባሂሉ ናብ ሞሎበር ተገዲዶም ይግዕዙ ኣለዉ። ምስቲ ልሙድ ኣብ ኤርትራ ዝርአ፡ ለውጢ ዘይቅበል ኣካይዳ ኽርአ ኸሎ፡ እቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ኽካየድ ዝቐነየ ምግዓዝ ልዑል ፍጥነትን ውዳበን ኔርዎ። እቲ ፍጥነት መርኣያ ናይቲ ኰነ ኢሉ ንጽቡቕ ዓጽዩ፡ ኣብ ዕንወት ዝሰልጥ ኣሰራርሓ ናይቲ ሃገር ጨውዩ ዘሎ ጉጅለ’ዩ። እቶም ካብ ልሙድ መነባብሮኦም ዝገዓዙ ህዝቢ፡ ኣብ ሞሎበር ዝዀነ ይኹን ልሙድ ህይወቶም ክቕጽሉ ዘኽእሎም መሳለጥያ ከይተዳለወ’ዮም ዝግዕዙ ዘለዉ። ህዝቢ ንምድሃል እቲ ግዱድ ምግዓዝ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከባ ኣሃዱታት ምክልኻል ዝሳተፍኦ ዀይኑ፡ ተቓውሞ ዘስምዑ ተቐማጦ’ቲ ንኡስ ዞባተኣሲሮም ብውልቅን ብስድራቤትን ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ይውሰዱ ኣለዉ።

ምጥርፍ ዓድታት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምዝራግ መነባብሮ ንልዕሊ 10 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝወርድዎ ዘለዉ ነዊሕ ዝርዝር በደላት’ዩ። ኣብ ኹሉ ኵርንዓት’ዛ ሃገር ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ግዱድ ምግዓዝ ኩሉ ግዜ ስዉር ዕላማ ኔርዎ። ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ኤርትራ ብመጓሰን ማሕረስን ወይ ዝናበር ህዝቢ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምርካብን በጻሕቲ ሃገር ንምስሓብን ብዝብል መኽንያታት ካብ ዓድታቱን ናብርኡን ብውሳኔ መንግስቲ ተመዛቢሉ ኣሎ።

ኣብ መበቆል ሃገሩ ኸሉ ብሕሰምን ውርደትን ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ዝሓለፈ ከይኣኽሎ፡ ሓራምዝ ካብ በረኻ ናብ ቤት ይኣትዉ ኣለዉ’ሞ ተንስኡ ካብ ቤትኩም ናብ ፈቐድኡ ፋሕ በሉ ተባሂሉ ኽእዘዝ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ’ዩ። ብደረጃ ዕቃበ ኣከባቢ ተራእዩ ዝግበር ውሳኔ፡ ንልሙድ ኣነባብራ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ማሕበረሰብ ከደንፍዕ እምበር፡ ክዘርግ ተባሂሉ ኣይግበርን። ሕዛእትታት ንኣብነት ብዘይካ ንዕቃበ ማይን ሓመድን፡ ህዝቢ ቅርጡው ኣጠቓቕማ ኣግራብን ሳዕርን ተኸቲሉ ዝሓሸ ናብራ ኽመርሕ የኽእሎ።

ኣብቲ ዝተመሓየሸ ኣከባቢ እንስሳ ዘገድም ክበዝሑ ከለዉ ተወሳኺ መኽሰብ’ዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ንሓረስቶትን ጓሶትን ዝብጽሖም ቦታ፡ ብብዝሒ እንስሳ ዘገዳም ናብ መስሕብ በጻሕቲ ተቐይሩ ኣታዊ ኽርከበሉ እንተተባሂሉ፡ እቶም ኣብቲ ኸባቢ ካብ እዋን ኣባሓጎታቶምን ቅድሚኡን ዝነበሩ ህዝቢ ክሰማምዑሉን፡ እንተተሰማሚዖም ዝግባእ ካሕሳ ኽወሃቡሉን ግዴታ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ፡ ኣብ ቤቱ ምንባር ስኢኑ በረኻ፡ መገዲ፡ ምድረበዳ፡ ባሕርን ቀዝሒ በረድን መነባበሪኡ እናዀነ፡ ሓራምዝ ክኣትዉ ንስኻትኩም ውጹ ምባል ኣሽካዕላል ጥራይ ክኸውን ዝኽእል።

ሓራምዝ ኣብቲ ኸባቢ ክነብሩ እንተተደልዩ ህዝቢ ዝጥቀመሉን ሓራምዝ ዝበጽሕዎን ከባቢታት በብወቕቱ ተለልዩ፡ ንድሕነት ሰብን ንድንፋዐ ተፈጥሮን ኣመዛዚኑ ዝርኢ ኣገባብ ክሕንጸጽ ይኽእል’ዩ። ብዝሒ ሓራምዝ ኣብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ዕልቕልቕ ስለዝበለ፡ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ባህ እናበሎም ምእንቲ ኽዛወሩን ክዘናግዑን፡ ህዝቢ ብዘይፍቓዱ፡ ብግዲ ብሰራዊት እናተኸብከበ፡ ብዘይዝዀነ ይኹን ካሕሳ፡ መበገስን መሳለጥያን ኣብ ካልእ ቦታ ኽድርበ ኸሎ ንምስምዑ ዘደንቕ’ዩ።

በጻሕቲ ብመኪና እናሓለፉ ደስ ክብሎም ምእንቲ፡ ህዝቢ ነቲ ብልምዲ ዝነብረሉ ዝነበረ ዓዱ ብመኪና እናሓለፈ ትራይ ከማዕድዎ ኽግደድ ዝብል ኣዋጅ ፍሉይ ዝዓይነቱ ብድዐ’ዩ። ኣብ ልምድን መነባብሮን ህዝቢ ክንድዚ ዝኣክል ለውጢ ንምውሳን ዘገድድ ልዑል ኣታዊ ክርከቦ ዝኽእል ኢንዱስትሪ ቱሪዝም እንተዝህሉ፡ ህዝቢ ብልዝብን ምምኽኻርን ተሰማሚዑ፡ ካብቲ ካብ መነባበሪኡ ዝነበረ ቦታ ዝረኽቦ ምቅሊትን ካሕሳ ተነጊርዎ፡ ናብ ብግቡእ ዝተዳለወ ቅያር ከባቢ ኽግዕዝ ይኽእል ይኸውን። ኣብዚ ዘብጽሕ ዝተፈጥረ ሓድሽ ነገር ግን የለን። ኣቐዲሙ ንመስሕብ ቱሪዝም ዝተባህለ ቦታታት ብዘይካ ሰፈር ሰራዊትን መካየዲ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ህግደፍ ክኸውንን ኣብቲ ዝተባህለ ጥቕሚ ኣይወዓለን።

ሰሜናዊ ባሕሪ ንኣብነት፡ ዘይሕጋውያን ኣወለፍቲ ዕጸታት ዘፍሪ ሕርሻታት ሓለፍቲ ሰራዊትን ህግደፍን ብጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽሙ ዝተባህሉ ዜጋታት ካብ ዝካየደሉ እንተወሓደ 10 ዓመት ኣቝጺሩ ኣሎ።

ግዱድ ምግዓዝ ዓድታት ንስርቂ ጸጋታት ኣብ ኤርትራ ይትረፍ ክዛወሩ ዝመጹ በጻሕቲ፡ ረድኤት ክህቡ ዝመጹ ወጻእተኛታት’ውን ክዛወሩ ኣዝዮም ይጽገሙ። እቶም ብብዙሕ ኮለል ኣብ ኤምባሲታት ምስደኸሙ መእተዊ ቪዛ ረኺቦም ኣስመራ ዝበጽሑ ሒደት በጻሕቲ፡ ክርእይዎ ዝኽእሉ ኩርንዓት ሃገር ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ኣጽቢቡ ዝተወሰነ’ዩ።

ደቂ ሃገር ካብ ቦታ ናብ ቦታ መንቀሳቐሲ ብዝብል ካብ 1999 ክሳብ ሕጂ ን18 ዓመታት መቕባሕባሕቲ ዀይኖም ከለዉ፡ ንኽዘናግዑን ብተፈጥሮ ኽፍስሁን ክዛወሩ ኣይክእሉን’ዮም። እቶም ሒደት ክዛወሩ ዝደልዩ’ውን ብስእነት መጕዓዝያ፡ ነዳድን ካልእ ቀረባትን፡ ከምኡ’ውን ልዑል ናህሪ ዋጋታት ከም ዝሓሰብዎ ንጸጋታት ሃገሮም ከስተማቕሩ ኣይክእሉን’ዮም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ካብ ዘሎ ጸጋታት ንህግደፍ ክንድዚ ከሰስዖ ዝኽእል ጸጋ፡ ሓራምዝ ካብ ዝርእዩ በጻሕቲ ዝርከብ ኣታዊ ኣይኰነን። ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ንነዊሕ ዓመታት ብናይ ወጻኢ ትካላት ንተኽእሎ ማዕድናት ዝተዳህሰሰ ቦታ’ዩ። ከምቲ ኣብ ከባቢታት ናቕፋን ቃሮራን ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ምስ ዕደና ዝተኣሳሰር ዕላማ ዘበገሶ ግዱድ ምግዓዝ ዓድታት ከምዝዀነ ኩሉ ኣብ ሃገር ዘሎ ነቲ ከባቢ ዝፈልጥ ሰብ ገሚትዎ ዘሎ’ዩ።

ኣብ ኩሉ ዞባታት ክሳብ ሕጂ ዘጋጠመ ግዱድ ምግዓዝ ዓድታት ክልተ ቅቡላት ክዀኑ ዘይክእሉ መኽንያታት እናተዋህቡሉ’ዩ ኽግበር ጸኒሑ። እንተዀነ፡ ምጥርናፍ ዓድታት ነቶም ዝግደዱ ዘለዉ ዓድታት የድልዮም እንተዝኸውን፡ ቀደም ኣብ ገዘፍቲ ዕድታት ተጠርኒፎም ምንባር ጀሚሮሞ ምነበሩ።

እንተዀነ ምስቲ ዝመርሕዎ ልምዲ ናብራ ስለዘይሳነ፡ ኣብ ዘዝጥዕምኦም ዓድታት ይቕመጡ ኔሮም። ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንኽረኽቡ ተባሂሉ ምስተጠርነፉ’ውን፡ ተቐማጦ’ተን ግዱዳት ዓድታት እቲ ዝተኣትወሎም መብጽዓታት ኣይተፈጸመን። እቶም ንዕቤት ቱሪዝም ንኽምጭእ ብዝብል መኽንያት ካብ ዝሓርስዎን ዝጓስዩሉን ከባቢታት ዝገዓዙን ዝተኸልከሉን’ውን ብተመሳሳሊ ልምዳዊ ኣነባራኦም ተዘሪጉ ኣብ ሰፋሕቲ ኸባቢታት ዝርከብ ህዝቢ ናብራኡ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሖ ዝገደደ ይወድቕ ኣሎ።

እቲ ንቱሪዝም ክጠቅም ዝተባህለ ከባቢታት ኣብቲ ዝተባሎ ጥቕሚ ክውዕል ብሕጂ ህግደፍ ክሳብ ዘሎውን ተስፋ ኸምዘይብሉ ነበርቲ እቲ ኸባቢታት ኣዳዕዲዖም ዝፈልጥዎ’ዩ። ኣምሳያ ዕቤት ቱሪዝም፡ ጸጋታት እቲ ኸባቢ ህዝቢ ኣብ ዘይብሉ ህግደፍ ሃብቲ ሃገር ብዘይመስካሪ ዝግሕጠሉ ኵርኖኣት ኰይኑ ኣሎ።

ብዓቢኡ ኣብ ሃገሩ ክቕመጥ ተጸጊሙ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገር እናተፈናቐላ ናብዝን ናብትን ክብል እንተተገደደ ከም መቐጸልታ ናይቲ ልሙድ ኣተሓሕዛ ህግደፍ ኰይኑ ጥራይ’ዩ ኽርአ ዝኽእል። ህዝቢ ኤርትራ ኣባይቱ ፈሪሱ ኣብ ጐደና ኽድርበ፡ መግፈፊ ዓሳ፡ መጓሰይን መሕረስን ከባቢታት ከይቀርቦም ተኸልኪሉ ክሰርሕ እናደለየ ኽድነስ፡ ናይ ዘመናት ናይ ኣባሓጎታቱ መሬትን ባሕርን ተገዲፉ ከም መጻእተኛ ናብዝን ናብትን ክካላበት ካብዚ ዝዓቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝእወጅ ኲናትን ወራርን የለን። ከምዚ ዝኣመሰለ ግፍዕን በደልን ባሕሪ ሰጊሮም ንደቀባት ህዝብታት ወሪሮም ዘጽነቱ ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ከይተረፉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣይፈጸምዎን። ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ተዓሚጻ፡ ናብ መግዛእቲ ሰጊራ፡ ካብዚ ዘላቶ ናብ ምሉእ ምዕናው ሕብረተሰብን ምጽናት ዓሌትን ከይሰገረ ኸሎ፡ ህዝቢ ርስቲ ኣባሓጎታቱ ካብ ተበቀልቱ ሓራ ዝገብረሉ መዓልቲ ኣኺሉ ኣሎ።

    Print       Email

You might also like...

Human brain research and memory loss as symbol of alzheimer's concept with missing pieces of the puzzle

ምድዕሳስ ኣእምሮ (Senility) መራሕቲ፡ሓደገኛ ክስተት ንሃገራት

Read More →