Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ሱልኳ (ኮንትሮባንዶ) መንግስቲ ኤርትራ ብመንግስቲ ሱዳን ተታሒዙ፣ 2- ኣባላት (09) ድማ ተኣሲሮም። 

By   /  July 9, 2016  /  Comments Off on ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ሱልኳ (ኮንትሮባንዶ) መንግስቲ ኤርትራ ብመንግስቲ ሱዳን ተታሒዙ፣ 2- ኣባላት (09) ድማ ተኣሲሮም። 

    Print       Email

ካብ ሱዳን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ንግዲ ( ብኮንትሮባንዶ) ንኤርትራ ዝኣቱ ዝነበረ ዝተፈላለዩ ዓይነት ንብረት ተታሒዙ፣

እዚ ብዕለት ብ03 ሓምለ 2016 ካብ ሱዳን ብኮንትሮባንዶ ንኤርትራ ክኣቱ ከሎ፣ ኣብ ከባቢ ሓፊር ምስበጽሐ ብመንግስቲ ሱዳን ዝተታሕዘ ንብረት ከምዚ ዝስዕብ’ዩ። 150 ኩንታል ሽኮር። 200 ኵንታል መሸላ። 110 ፊስቶ ነዳዲ። 138 ኩንታል ሽጉርቲ እዩ። ምስዚ ናይ ኮንትሮባንዳ ንብረት ድማ ክልተ ኣባላት 09 ተታሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሰላ ብክፍሊ ጸጥታ ይምርመሩ ኣለዉ።
ኮሎኔል ጋይም ተስፋንኬል ሓላፊ ናይ ወጻኢ ስለያ  ነዞም ክልተ እሱራት ካብ ከሰላ (ሱዳን) ንኸፍትሖም ላዕልን ታሕትን ይብል ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ። ንግዳዊ ትካል ኮርፐረሽን ቀይሕ ባሕሪ (09) ናይ ህግደፍ ትካል ኮይኑ፡ ንኹሉ ንግዲ ኤርትራ ገቢቱ ስለዝተቖጻጸሮ ካልእ ንግዲ ንከይምዕብል ብሒቱ ንኹሉ ናይ ኮንትሮባንዳ ኣቑሑት ዘዋፍርን  ዘወሃህድን ትካል እዩ።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ዞባ ከሰላን ዘይሕጋዊ ንግዲ፥ ምስግጋር ደቂሰባት። ከምኡውን ምቕያር ወረቐት ናቕፋን ዘንቀሎ ናይ ረብሓ ውድድር ስለዘሎ እቲ ዝምድናታት ክብ ለጠቕ ክብል ምጽንሑ ይሕበር።
    Print       Email

You might also like...

ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →