Loading...
You are here:  Home  >  Uncategorized  >  Current Article

ኩሎም ብረቶም መሊሶሞ ዝጸንሑ ኣባላት ዕቚር ሰራዊትን ህዝባዊ ሰራዊትን ዳግማይ ብረቶም ክሕንገጡ ተኣዚዞም

By   /  July 21, 2016  /  Comments Off on ኩሎም ብረቶም መሊሶሞ ዝጸንሑ ኣባላት ዕቚር ሰራዊትን ህዝባዊ ሰራዊትን ዳግማይ ብረቶም ክሕንገጡ ተኣዚዞም

    Print       Email

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ ፥ ኩሎም ብረቶም መሊሶሞ ዝጸንሑ ኣባላት ዕቚር ሰራዊትን ህዝባዊ ሰራዊትን ዳግማይ ብረቶም ክርከቡን ንህላዌኦም ብዝምልከት ዕለታዊ ንናይ ቀረባ ሓለፍቶም ከፍልጡን ዝመርሕ ሓድሽን ጽኑዕን ትእዛዝ ናብ ኩለን ምምሕዳር ዞባታት ከምዘመሓላለፈ ምንጭታት ኤረጋጊጾም።

እዚ ብ 13 ሓምለ ተማሓላሊፉ ዘሎ ጽኑዕ ትእዛዝ፥ ንሰራሕተኛታት መንግስቲን ደቂ ኣንስትዮን እዉን ዘይንሕፍ ምዃኑ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣዴታት ከይተራፋ ከምዝዓጥቃ ተገይሩ ኣብ ሓለዋ መንግስታውያን ትካላት ወፊረን ከምዘለዋ ዘመልከቱ ምንጭታትና፥ እዋናዊ ትእዛዝ ሚኒስትሪ ምክልኻል ነቶም ብሸለልትነት ተኸሲሶምን ጥዕናዊ ጸገማቶም ተገሚቱሎምን ብረቶም ኣረኪቦም ዝጸንሑ ዜጋታት እዉን ዳግም ክዓጥቁ ዘገድድ ከምዝኾነ ኣነጺሮም ኣለዉ።

ኣባላት ዕቚርን ህዝባዉን ሰራዊት ዝገብርዎም መገሻታት ደው ክብል ፤ ብሕማምን ምድፋእ ዕድመን ሸለል ተባሂሎም ብረቶም ምስ ዝምልከቶ ኣካል ክጸንሕ ዝተመደበሎም ኣባላት ዳግም ብረት ክሕዙ፥ ዝወለዳ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ከምኡውን ናብ ሽምግልና ዝተቓረባ ኣዴታት – ኣባልነተን ኣብ ዕቚርን ህዝባዉን ሰራዊት ጸዊዑ ዘሎ እዚ ሓድሽ ትእዛዝ፣ ንሓያሎ ስድራቤታት ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ኣዉዲቚ ከምዘሎ ምንጭታትና ይሕብሩ።

ዝበዝሑ ኣባላት ዕቚር ሰራዊት ብዕድመ ዝደፍኡን ሎሚዶ ጽባሕ ንጽዋዕ እንዳበሉ ዉልቃዊ ዋኒኖም ብስሩዕ መደብ ከየሳላስሉ ዝስከፉ ዘይመንግስታውያን ሰራሕተኛታትን ከምዝኾኑ እዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ሽምጉላት ዜጋታት ኣብ መሳርዑ ዝጽንብር መደብ ታዕሊምን ምዕጣቕን ህዝባዊ ሰራዊት ከም ኣካል ናይቲ ህዝቢ ኣብ ቀጻሊ ቀይዲ ኣእቲኻ ን ኣገደስቲ ሃገራዊ ዛዕባታት ከየድህብ ዝብል ሜላኡ ቅድሚ 5 ዓመት ዝፈለሞ ኮይኑ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ከም ንጡፋት ኣባላት ተዋጋኢ ሰራዊት ንኽጥቀመሎም ይጽዕት ምህላዉ ይፍለጥ።

    Print       Email
  • Published: 5 months ago on July 21, 2016
  • By:
  • Last Modified: July 21, 2016 @ 1:43 pm
  • Filed Under: Uncategorized

You might also like...

vlmmhxmze6umnig0031hepn4kiqb4f5x-large

Inside Eritrea’s exodus

Read More →