Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ‘G15 ብህይወት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ዝፈልጦ የብለይን’

By   /  July 14, 2016  /  Comments Off on ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ‘G15 ብህይወት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ዝፈልጦ የብለይን’

    Print       Email

Screen Shot 2016-07-14 at 11.22.24 pmሓላፊ ፖለቲካውን ውድባውን ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራስን ፍትሕን ኣቶ የማነ ገብረኣብ እቶም ብልምዲ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ሓለፍቲ ብህይወት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ከምዘይፈልጥ ምስ ኣብ ጀርመን ዝመደበሩ ሬድዮ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ ሓቢሩ።

ኣቶ የማነ ‘እቶም ብጂ 15 ተባሂሎም ዝፍለጡ እንታይ እዩ በደሎም ስለምንታይ ኣብ ፍርዲ ዘይቀርቡ ጠበቓ ዘይግበረሎም’ ተባሂሉ ብጋዜጠኛ ማዕከን ጀርመን ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን፤ ‘መንግስቲ ኤርትራ በቲ ንጉጅለ 15 ዝገበሮ ኣተሓሕዛ ሞሳን ምስጋናን ክወሃቦ ምተገበአ ምኽንያቱ እዞም ሰባት ኣብ ግዜ ኩናት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝነበሩ እዮም፥ ንሃገርን ሉዓላውነትን ናብ ጸላኢ ብምሻጥ 20 ሽሕ መንእሰያት ከምዝሃልቁ ስለዝገበሩ ድማ ብተግባራቶም ካልእ እዩ ዝግበኦም ነይሩ’ ክብል ገሊጹ። ‘ካልእ እዩ ዝግበኦም ነይሩ ክትብል ከለኻ እንታይ ማለትካ እዩ’ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን ድማ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፤ ኣብ ካልእ ሃገራት ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ኣቑሞም ብዛዕባ ዝስድዎ ስጉምቲ ድሕሪ ምእማት ‘ንሕና ግን ብናትና ኣገባብ ክንሕዞ መሪጽና’ ክብል ድሕሪ ምግላጹ ‘ ናትና ኣገባብ ክትብል ከሎኻ እንታይ ማለትካ እዩ ‘ ተባሂሉ ብጋዜጠኛ ማዕከን ጀርመን ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን ብዛዕብ እቲ ናትና ኣገባብ ዝበሎ ክዛረብ ከምዘይደሊ ሓቢሩ።

ስለምንታይ ስድራቤቶም ዘይርእይዎምን እቲ ዝርዝራት ዘይግለጸሎምን ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን ኣቶ የማነ፤’ ስድራቤቶም ኣባላት ናይ ህግደፍ ስለዝኾኑ ኩሉ ይፈልጡ እዮም ሓቢርናዮም ኢና’ ድሕሪ ምባል፥ስድራቤት ናይ ስሙ ከይጠቐሰ ‘ሓደ ኣብ ማእሰርቲ ዘሎ ሚኒስተር’ ኢሉ ዝገለጾ ኣብ ናይ መንግስቲ ቪላ ይነብሩ ምህላዎም ከም ኣብነት ኣቕሪቡ። እቶም ጉጅለ 15 ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ስለዝነበሩ ኢልካዮም እቶም ምስኦም ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትከ ተባሂሉ ኣብ ዝተተሓተተሉ እዋን ኣቶ የማነ ‘ንሶም ውን ኣካል ናይቲ ውዲት እዮም ነይሮም’ ክብል ገሊጹ።

ብዛዕባ እቲ ብመርማሪ ኮሚሽን ዝቐረበ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ዝቐረበ ጸብጻብ ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን ኣቶ የማነ ገብረኣብ፤ ‘ኤርትራ ብምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ክብረትን እታ ዝበለጸት ሃገር እያ’ ክብል መሊሱ።

ንሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝምልከት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ሎሚ 3 ወርሒ ታዕሊም ወሲድካ ናብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ምኻድ ብድሕሪኡ ድማ ድሕሪ ዓመት ብደሞዝ ምስራሕ እዩ ዘሎ እምበር መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት የለን’ ድሕሪ ምባል ዝኾነ ዜጋ ናብ ዝደለዩ ቦታ ክንቀሳቐስን ክገይሽን ደረት ዘይብሉ መሰል ኣለዎ እቲ ጸገም ሃገራት ኤውሮጳ ቪዛ ስለዘይህበኦም እዩ ድሕሪ ኢሉ። ህዝቢ ዓበይቲ ኣንስቲ ከይተረፋ ኣንጻር መንግስቲ ክዛረብ ደረት ዘይብሉ መሰል ኣለዎ ክብል ድማ ወሲኹ ገሊጹ።

ምርጫታትን ቅዋምን ኣብ ኤርትራ ስለምንታይ ዘየለ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን ኣቶ የማነ ገብረኣብ፤ ብዛዕባቶም ክፍለግዜኦም ምስኣኸለ ካልእ ክፍለ ግዜ ዝውስኹ መራሕቲ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምዝራቡ ዘይብልጫታት ናይ ዴሞክራሲን ቅዋምን  ዘርዚሩ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጲያን ኤርትራን ናይ ኩናት ምውላዕ ተኽእሎ ብዝምልከት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፤ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ኩናት ክለዓል ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ግን ከኣ ንስለ ጥንቃቐ ወትሩ ከም ሃገር ድሉው ሙኻን ኣገዳሲ ሙኻኑ ኣዘኻኪሩ።

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →