Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ውግእ ጸሮና፥ ሓደ መራሒ ቦጦሎኒ ዝርከቦም ኣባላት ሓ/ም/ኤ ብወገን ኢትዮጲያ ከምዝተማረኹ ተገሊጹ።

By   /  July 19, 2016  /  Comments Off on ኣብ ውግእ ጸሮና፥ ሓደ መራሒ ቦጦሎኒ ዝርከቦም ኣባላት ሓ/ም/ኤ ብወገን ኢትዮጲያ ከምዝተማረኹ ተገሊጹ።

    Print       Email

ኣብቲ ብዕለት 11ን 12ን  ናይ ወርሒ ሰነ ኣብ መንጎ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ዝተኻየደ ኩናት 4 መራሕቲ ጋንታ፥2 መራሕቲ ሓይሊ፤ሓደ መራሒ ቦጦሎኒ፥ 3 ናይ  ምክትል ተለንተ ማዕርግ ዘለዎም መራሕቲ  ኣሃዱታት ስለያን ብርክት ዝበሉ ተራ ወተሃደራትን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ  ከም ተማረኹ ካብ ሓደ ዘይ-መንግስታዊ ማሕበር ዝተረኸበ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

እቶም ምንጭታት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፥ ካብቶም ዝተማረኹ ወተሃደራት ተማሃሮ ናይ ቤት ትምህርቲ ሳዋ ዝነበሩ’ሞ  ነጥቢ ኣየምጻእኩምን ብምባል ከም ኣገልግሎት ናብ ሰራዊት ዝተላእኩ መበል 28 ዙርያ ከም ዝርከብዎም ዘረድእ ሓበሬታ ከምዝተዋህቦም ገሊጾም።

እቶም ምንጭታት ኣብ ሓበሬታኦም እታ በዓልቲ ስልጣን ዘይ-መንግስታዊ ማሕበር እቶም ዝተማረኹ ‘ኣብ ጽቡቅ ኩነት ኣለዉ’ ዝብል ሓበሬታ ከምዝተዋህባ ምሕባራ ውን ገሊጾም  ኣለዉ።

18 ስዉኣት ከምዝነበሩ ብወግዒ ዝገለጸ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ምሩኻት ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ዘይምሃቡ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጲያ እውን ናይ ባዕሉ ይኹን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወረደ ክሳራ ብዝምልከት ዝተዋህበ መግለጺ ከምዘይነበረ ይዝከር።

 

    Print       Email

You might also like...

ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →