Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ክረምታዊ ማእቶት ውን ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወሃብ ይሕሰብ ምህላዉ ተገሊጹ።

By   /  July 8, 2016  /  Comments Off on ኣብ ክረምታዊ ማእቶት ውን ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወሃብ ይሕሰብ ምህላዉ ተገሊጹ።

    Print       Email

Eritrean-docu-Limaat-Hagerawi-Amroካብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ብዝተዋህበ መምርሒ መሰረት ተኽእሎታት ናይ ኣብ ክረምታዊ ማእቶት ውን ታዕሊም ምሃብ ይዝተየሉ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ካብ ሚንስትሪ ምክልኻልን ምኒስትሪ ትምህርትን  ዝተዋጽኡ ጉጅለ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ማእተታዊ ንጥፈታት መባእታዊ ታዕሊም ይዋሃብ ኣይዋሃብ ኣብ ዝብሉ ዛዕባ ካብ 26 ሰነ ጀሚሮም ኣብ ኣስመራ ኣብ ቤት ገርግሽ ይዝትዩ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓቢሮም።

እዞም ካብ ክልቲኡ ሚንስትሪታት ብሚስጢር ዝተመረጹ ኮሚቴ እቲ ትእዛዝ ብፕረሲደንት ከም ተኣዘዘ ሚኒስትሪ ምክልኻል ድማ ናይ ምትግባሩ ን ሓላፍነት ክወስድ ሙኻኑን ከምዝተሓበሩ ይፍለጥ።

ካብቶም ንሚንስትሪ ትምህርቲ ዝወከሉ ኣባላት ኮሚቴ እቲ ሓሳብ ደገፍ ከምዘይረኸበ ክፍለጥ ከሎ እቶም ኣባላት ኮሚቴ ናይ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ እቲ ኣኼባ እዚ ዝበሃል ዘሎ ታዕሊም ኣብ ክረምታዊ ማእቶት እንተጀሚሩ ኣብ ተመሃሮ ዓቢ ናይ ሞራል ምውዳቅ ከምጽእ ስለዚ ድማ ብዝሒ ስግረ ዶብ ክውስኽ ሙኻኑን ገሊጾም።

እቶም ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝተላእኩ ኣባላት ኮሚቴ እዚ ታዕሊም ናይ ምጅማር ሓሳብ ምስ ዕድመ ናይቶም ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ህጻናት ከምዘይከይድ ውን ሓቢሮም ኣለዉ።  እቲ ዘተ ክሳብ 14 ሓምለ ክቅጽል ምኻኑ ዝሓበሩ ምንጭታት ስሚዒታት ህዝቢ ክጽናዕ ወን ካልእ ጉጂለ ትነጥፍ ምህላዋ  ይሕብሩ።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ናይዚ ዓመት ናይ ካልኣይ ደረጃ ውጽኢት ድኹም ምንባሩን ዝበዝሑ ተማሃሮ ከም ዝወደቁን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣብቲ ትሕቲ ዕድመ ዝሳተፍዎ  ክረምታዊ ማእቶት ምጅማር ኣገዳስነቱ ፍጹም ርዱእ ከምዘይኮነ ዝገለጹ እቶም ምንጭታት፥ እቲ ብህልኽን ሰባት ንምሕራቕን ጥራይ ዝምእዘን ናይ ፕረሲደንት ውሳነ ንማሕበረሰብ ዓለም ‘ይትረፍ ሳዋ ከነቋርጾ ካልእ ታዕሊም ክንጅምር ኢና’ ዝብል መልእኽቲ ንምሕላፍ ዝግበር ዘሎ ናይ ምንቅንኘት ተግባር ሙኻኑ ይገልጹ።

ሓደ ካብ ለበዋታት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግዱድ ዕስክርና ብዘይቅድመ ኩነት ደው ክብል ዝብል ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።

 

 

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →