Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

እንተዘይትንውንወኒ መን መጽደፈኒ

By   /  July 24, 2016  /  Comments Off on እንተዘይትንውንወኒ መን መጽደፈኒ

    Print       Email

ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ኣብዚ ቅንያት እዚ ዝተኻየደ ዋዕላ መጽናዕትታት ኤርትራ ኣብ ዝተዋህበ ቃል መንግስቲ ኤርትራ፥ ብሰንኪ ዋሕዲ መጽናዕትታት፥ ህዝቢ ዓለም ብዛዕባ ኤርትራ ግጉይ መረዳእታ ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ፥ ከም ኣብነት ነቲ ‘ ኣብ ኤርትራ ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ እንተወሓደ ክልተ ኣንስቲ ክምርዓዉ ዝግድድ ሕጊ ከምዝተኣወጀ ዝገልጽ ዜና’  ጠቒሱ።

እዚ ዜና እዚ ክእመን ዝኸኣለ ግን ዓለም ደንቆሮ ስለዝኾነት ዘይኮነስ ዓለም ኣብ ኤርትራ ክግበር ዘይከኣል ነገር የሎን ኢላ ስለዝኣመነት እዩ። እቲ ዳእላ እንተኾነ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐንዐ ኣይነበረ፥ እንታይ ደኣ ናብ መንግስቲ እምበር።ኣብ ዋንነት ህጻናት፥ ኣብ ስኒትን ፍትሕን ሰብ ሓዳር፥ ኣብ ዕቑብ፥ ኣብ ውህሉል ገንዘብ ስድራ፥ ኣብ ሓርጭ ስድራ ክገዓት ዶ ኣለዎ ወይስ ክልወስ፥ ስድራ ኣብ መርዓ ክንደይ ሕሩድን ስዋን ክጽሞቕ እዩ፥ ናይ ባንድ ክፍሊት ካብ ባንክ ክንደይ ክፍቀደሉ ይግባእ፥ህዝቢ ናብ ቀበሌ ከይዱ ክፍርም ዘገድድ መንግስቲ ብሓይሊ ክግበሮ ዘይክእል ነገር ስለዘየሎ እዩ እቲ ወረ ተኣሚኑ። እምበር እቲ ወረ ንዝኾነት ካልእ ሃገር ጠቒሱ ነይሩ እንተዝኸውን ዓለም ሻቡ ከም ዋዛ ምወሰደቶ። ቅድሚ ሕጂ ውን ከምቲ ብዛዕባ ኤርትራ ዝተጻሕፈ ላግጺ  ብዛዕባ ሰለሰተ ሃገራት ተሓቲሙ’ኳ እንተዀነ፡ እቲ ብዛዕባ ኤርትራ ዝተጠቕሰ ጥራይ’ዩ ሰፊሕ ኣቓልቦ ረኺቡ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ቤትጽሕፈት ሙፍቲ ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ እንተወሓደ ክልተ ኣንስቲ ክምርዓዉ ዝግድድ ሕጊ ተኣዊጁ ክብል ኣብ መርበባት ሓበሬታ ዝተዘርዘረ ዜና ብሰንኪ ኣተሓሕዛ መንግስቲ ኤርትራ ንዋጋ ኽብሪ ህዝቢ ኤርትራ ዝጎድአ ላግጽን መጉዳእቲን  እዩ ።

ስታንዳርድ መድያ ዝተባህለ ኬንያዊ ናይ መርበብ ጋዜጣ’ዩ ነቲ ወረ ፈለማ ዘርጊሕዎ። እቲ ዜና፡ እቲ ኣዋጅ ነቶም ክልተ ኽምርዓዉ ፍቓደኛታት ዝዀኑ መንግስቲ ኤርትራ ወጻኢታት ክሽፍነሎም ምዃኑ ይሕብር። እቲ ጋዜጣ ነቲ ላዕለዋይ ሙፍቲ ኩሎም ደቂተባዕትዮ ኤርትራ ክልተ ኣንስቲ ክምርዓዉ ክእዝዝ ዝገበሮ መኽንያት እቲ ቅድሚ 16 ዓመት ዝነበረ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየደ ኲናት ብዙሓት ደቂተባዕትዮ ስለዝቐተለ ምዃኑ ይገልጽ። ነቲ ኲናት ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዝተኻየደ ኲናት ‘ሓድሕድ’ ምንባሩ ድሕሪ ምግላጽ፡ ነቲ ኣዋጅ ዘየተግብሩ ደቂ ተባዕትዮ ማእሰርትን ናይ ሞት መቕጻዕትን ከምዝጽበዮም ይገልጽ። ወሲኹ፡ እተን ቀዳሞት ኣንስቲ ንሰብኡተን ካልኣይቲ ካብ ምምርዓው ክኽልክልኦም ምስዝደልያ ክሳብ ናይ ምሉእ ህይወት ማእሰርቲ ከምዝጽበየን ይገልጽ።

እቲ ንዳእላ ተባሂሉ ብኬንያዊ መርበብ ዝተዘርግሐ ወረ፡ ኣብ ናይጀርያ ከም ሓቀኛ ዜና ዀይኑ ምስተሓትመ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃን ዚምባብወን ኣምሪሑ። ዓሰርተታት ገጻት መርበብ ሓበሬታ ነቲ ዳእላ ክቕጽልኦ ኸለዋ፡ ኣብ ከም ትዊተር፡ ዋትስኣፕ፡ ፈይስቡክ፡ ኢንስታግራም ኣብ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መርበባት፡ ውዕዉዕ ዳእላ ዝተሓወሶ ኣድህቦ ክረክብ ቀንዩ። ኣማኢት ደቂተባዕትዮ ዚምባብወ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ቪዛ ክሓቱ ተሰሪዖም ከለዉ፡ ኣብ መካይን ዝተጻዕኑ ናብ ኤርትራ ዝተበገሱ ደቂተባዕትዮን፡ ኣብ ዶባት ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ሪጋ ዝሓዙን ዘርኢ ስእልታት ኣብ ብዙሕ ወብሳይታት ክርአ ቐንዩ። መብዛሕትኡ’ቲ ብዛዕባ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ምምርዓው ክወጽእ ዝቐነየ ጽሑፋት ስእሊ ኤርትራውያን ዝተባህላ ደቀንስትዮ ዘሰንዮ፡ ነቶም ኣፍሪቃውያን ሰብኡት ክምርዓውወን ይጽበይኦም ከምዘለዋ ዝገልጽ ኣርእስታት ዝመርሖ’ዩ። ብዙሓት ኣንስቲ ብምምርዓው ዝፍለጡ ጀይከብ ዙማን ናይ ደቡብ ኣፍሪቃን ሳልሳዊ ንጉስ ምስዋቲ ናይ ስዋዚላንድን ኣንስቲ ክውስኹ ናብ ኤርትራ ከምዝተበገሱ ዝገልጽ ስእልታትን ጽሑፍንውን ተዘርጊሑ።

እቲ ወረ ዘይከምቲ ክጅምር ከሎ ዝቐሃመ ናይ ዒራቕ፡ ስዑድ ዓረብን ሱዳንን ተመሳሳሊ ላግጺ፡ ኣብ ኤርትራ ምስበጽሐ ከየቋረጸ ስለዝተዘርግሐ ኣቓልቦ ብዙሓት ምዕራባውያን ማዕከናት ዜና ስሒቡ። ነቲ ብዋጋ ኽብሪ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ብኽብሪ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ዝተማህዘ ላግጺ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ስለዘቘጥዐ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሓት ኤርትራውያን ክቃለስዎ ቕንዮም። እንተዀነ፡ እቲ ነቲ ወረ ሓቀኛ ዜና ዘምሰሎ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኹነታት ኣብ ቦትኡ ስለዘሎ፡ ንምዕጋቱ ቀሊል ኣይነበረን። ሓያሎ ወብሳይታት እቲ ዜና ዝበልኦ ሓሶት ምዃኑ ምስኣስተብሃላ ካብ ገጻተን ክድምስስኦ ኸለዋ፡ ከም ቢቢሲ ዝኣመሰላ ማዕከናት’ውን ሓሶት ምንባሩ ዝገልጽ ዜና ዘርጊሐናሉ። ብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ዝዛረቡ ዘለዉ ሰባት መንግስቲ ኤርትራ ነታ ሃገር ኣብ ዓለም ንምንባራ ዝኸፍአት ሃገር ስለዝገበራን ብሕጂ ዝገብሮ ስለዘይፍለጥን፡ ገና እቲ ኣዋጅ ሓቂ ክኸውንን ናብ ኤርትራ ክኸዱን ከምዝበዩ ዝገልጽ ጽሑፋት ብምዝርጋሕ፡ እቲ ቐንዲ ኣላጋጺ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ብትኽክል ኣስሚሮምሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መኽፈቲ ኣህጉራዊ ዋዕላ መጽናዕትታት ነቲ ዜና ዘኪርዎ ከብቅዕ ስለምንታይ ከምኡ ደረጃ በጺሑ ግን ክዝርዝሮ ኣይሃቀነን።  እቲ መግለጺ እተን ማዕከናት ዜና ነቲ ላግጺ ኣብ ምሕታም ዘራኣይኦ ድሉውነት ዘሕፍር ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። እቲ ቃል መንግስቲ ዘይሓተቶ ሕቶ ግን ህዝቢ ዓለም ኣብ ኤርትራ ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ የሎን ኢሉ ንኸምዚ ነገር ክኣምን ዘሕስቦ ዘሎ ኩነት እንታዩ ዝብል ሕቶ እዩ።  ንምንታይ ማዕረ ኽንድኡ ተናዒቑ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ።ስለምንታይ ከ  እቲ ዝተጠቕሰ ወረታት ኣድህቦ ረኺቡ። ስለምንታይ ማዕከናት ዜና  ነቲ ዜና ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበረኦ ከም ላግጺ ወሲደን  ክንዲ ዝሓልፈኦ ኣሚነላኡ እቲ ናይ መጽናዕቲ ቃል ከጽነዖ ኣይመረጸን።

ይኹን ግን እቲ መልሲ ንጽር እዩ ። ኣብ ዋንነት ህጻናት፥ ኣብ ስኒትን ፍትሕን ሰብ ሓዳር፥ ኣብ ዕቑብ፥ ኣብ ውህሉል ገንዘብ ስድራ፥ ሓርጭ ስድራ ክገዓት ዶ ኣለዎ ወይስ ክልወስ ዝውስን መንግስቲ ብሓይሊ ክግበሮ ዘይክእል ነገር ስለዘየሎ እዩ እቲ ወረ ተኣሚኑ።ተግባራት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ነቲ ላግጺ ሓቂ መሲሉ ብዋጋ ሕስረት ህዝቢ ኤርትራ ናብ ምሉእ ዓለም ክዝርጋሕ ኣኽኢልዎ። ንኤርትራን ህዝባን ሓኒቑ ብምሓዝ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ካብ ዓለም ዝኸፍአ ሃለዋት የንብሮም ከምዘሎ፡ ግዝኣት ሕጊ ቀደም ተሪፉስ ህዝቢ’ታ ሃገር ብፍርሕን ራዕድን ጥራይ ከምዝመሓደር፡ ንጋዜጠኝታት ዝኸፍአት ሃገር ምዃና፡ ሓንቲ ኻብተን ዝወሓደ ሓበሬታ ዝፍለጠለን ሃገራት ምዃና፡ ብቐንዱ ኸኣ መንግስቲ እታ ሃገር ንህዝቡ ኣብ ምውራድን ምግፋዕ ዘይተነግረ’ምበር ዝየተገብረስ ከምዘይርከብ ስለዝኣመነ ነቲ ናይ ላግጺ ዜና ኣሚንዎ።

ኩሉ እዚ ኤርትራ ኣብዚ እዋን እትፍለጠሉ ባህርያት ብፋሉልን ሃውርን ኣካይዳ መንግስቲ ኤርትራ  ዝተፈጥረ’ዩ። ካብ ቃለመሕትታት ፕረሲደንት ክሳብ ወግዓዊ መግለጺታት ሚኒትሪ ጉዳያት ወጻኢን ሚኒስትሪ ዜናን ነቲ ካልኦት ሃገራት ንኤርትራ ዝጥምታሉ መስመር እናዓጸወ፡ ንምስሊ ኤርትራ ብዘይዕረፍቲ ይድውኖ። ዝሕባእ ከምዘለዎ ስለዝፈልጥ፡ ነቶም ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ናብ ኤርትራ ዝኣትዉ ወጻእተኛታት ካብ ርእሰ ኸተማ ከይወጹ ይኽልክሎምን፡ ኣብ ከተማታት ልዕሊ ዘድሊ ብምክትታል ቀልጢፎም ናብ ዝመጹሉ ከምዝምለሱ ኽገብርን ይጽዕር። ኣህጉራውያን ትካላት ኣብ ኤርትራ ከይሰርሓ ይኽልክል። ብመሰኻኽርን ወረቐት መንነትን ዜግነቶም ዝተረጋገጸ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ዜጋታት መንነቶም ይኽሕድን ኣብ ሃገሮም ከይቅበሩ ይኽልክልን። ሓያሎ ምዕራባውያን ሃገራት ብኻልእ ጉዳያት ኣድቂቐን ንዘጽንዕኦ ዀነታት ህዝቢ ኤርትራ ለይትን መዓልትን ይኽሕድ። ወረ ሕሉፍ ሓሊፍዎስ፡ ነዚ ብተፈጥሮ ዝመጸ፡ ዝናብ እናተረኽበውን ክዕገት ዘይተኻእለ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ኽሒዱ ኣማኢት ኣሽሓት ህዝቢ ሓገዝ ከይረኽቡ ይኽልክል።

ብዛዕባ ኤርትራ ዝበሃል ኩሉ ኣሰምባዲ ዜናታት ሓቂ ከምዝዀነ ከረጋግጽ ዝጸንሐ መራኸቢ ብዙሃን ዓለም፡ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮ ብዙሓት ክምርዓዉ ተገዲዶም ምስተሰምዐ ክኣምኖ ቐሊል’ዩ። ከም ዝመሰለካ ብምቕታል መሰረታዊ መሰል ህይወት ዘግድፍ፡ ትሕተ ህጻናት ዝዕመጻሉ መደበራት ኣዳልዩ ንህጻናት ካብ ቤቶም ዝምንጥል፡ ህይወትን ናውቲ ኣካላትን ዜጋታት ሸይጡ ዝህብትም፡ ንወተሃደራት ብዘይክፍሊትን ብጥሜትን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝዅንን ስርዓት ኣብ ዘለዋ ሃገር ከጋጥም ካብ ዝኽእል ሕማቕ ነገራት መርዓ እቲ ዝሓሸ ነገር ክቝጸር ይኽእል’ዩ። ብጾቶምን ኣሽሓት ካልኦት ዜጋታትን ብምቕታል፡ ዕሸላት ህጻናት ምድረበዳን ባሕርን ሰጊሮም ኣብ ዓዲ ጓና ብህሰም ክነብሩ ዝግደዱሉ ኩነታት ክፈጥር ሒደት ድንጋጸ ዘይረኣዮ፡ እኳ ደኣ ብዋጋኦም ክህብትም ዝደሊ ጉጅለ ዝመርሖ ሃገር፡ ብደገ ኽርአ ኸሎ፡ ግዱድ መርዓ እቲ ዝኸፍአ ኸጋጥም ዝኽእል’ዩ ክበሃል ኣይክእልን።

ኣብ ሃገርንን ኣብ መገድን ኣብ ስደትን ዝርከቡ ኣማኢት ኣሽሓት ንቡር ምትካል ሓዳር ዝተኸልከሉ ኤርትራውያን ደቂተባዕትዮን ደቀንስትዮን፡ ይትረፍ ብዛዕባ ኽልተ ሓዳር፡ እቲ ንቡር መርዓውን ክረክቡሉ ኣይከኣሉን ዘለዉ። እቶም ሒደት ወሊዶም ዝነበሩ ክሳዕ ደቆም ዕድመ መርዓ ዝሓልፎም ኣብ ባርነት ውሽጢ ሃገርን ኣብ ሕሰም ጉዕዞን’ዮም ዘለዉ። ብዛዕባ ኤርትራ ክለዓል ከሎ ኩሉ ንምእማኑ ዘሸግር ዜናታት ጥራይ ዝበጽሖም ማዕከናት ዜና ነቲ ብዛዕባ ክልተ ኣንስቲ ምምርዓው ዝሰምዕዎ ላግጺ ሓቂ መሲልዎም እንተሓተምዎ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ንኹሉ ጽዩፍ ኣካይዳ ልሙድ ዝገበርዎ ጉጅለ ጥራይ’ዮም ክሕተቱ ዝግባእ። ካብዚ ዝቐነየ ላግጺ ሓሊፉ፡ ሰባት ንሓድሕዶም ከምዝባልዑ ዝገልጽ ወረ እንተዝዝርጋሕ’ውን ዝሰምዐ ዘበለ ምኣመኖ። ይትረፍ ንወጻእተኛታት ጋዜጠኛታት፡ ንኤርትራውያን ናይ ማዕከናት ዜናታቱ ጋዜጠኛታት ሓበሬታ ዝሓብእ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ሓሶት ተሓቲሙ ዝብል ዘረባ ኸስምዕ ስነምግባራዊ ድኽነቱ ኣየፍቅደሉን’ዩ።

 

    Print       Email

You might also like...

Human brain research and memory loss as symbol of alzheimer's concept with missing pieces of the puzzle

ምድዕሳስ ኣእምሮ (Senility) መራሕቲ፡ሓደገኛ ክስተት ንሃገራት

Read More →