Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ኤርትራ፤ ባጀት ቤት ትምህርቲ ጽሙማን 1000000፤ ሽልማት ሓደ ደራፋይ 40000 ወይ 4% ናይ ጠቕላላ ባጀት ቤት ትምህርቲ

By   /  July 31, 2016  /  Comments Off on ኤርትራ፤ ባጀት ቤት ትምህርቲ ጽሙማን 1000000፤ ሽልማት ሓደ ደራፋይ 40000 ወይ 4% ናይ ጠቕላላ ባጀት ቤት ትምህርቲ

    Print       Email

ኣብዚ ቅንያት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ውጽኢት መልቀቒ ካልኣይ ደረጃ ኣመልኪቱ ሓበሬታ ዘርጊሑ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 2015/2016 ተመርሚሮም ንዲግሪ ዝሓለፉ ተመሃሮ 11 ሚእታዊት እዮም፥ ብኻልእ ኣበሃህላ እቶም 89% ካብ ናይ ዩኒቨርሲቱ ደረጃ ብእዋኑ ተገሊሎም ኣለዉ ማለት እዩ።እዚ ነቲ ንመንእሰያት ሓኒቑ ሒዝዎም ዘሎ ሕሰምን ሳዕቤናቱን ከይገለጽካ፥ ከምቲ 65 ኣባላት ናይዚ ዝሓለፈ ዙርያ ውጽኢት መርመረኦም ውን ንምርኣይ ከይበሃጉ ናብ ሱዳን ዝሰገሩ ተመሳሳሊ ጉዕዞ  ኣሽሓት መንእሰያት ከይተዛረብካ፥ ኣብ ትምህርቲን ውጽኢቱን ተሞርኪስካ ኣሃዛቱ ጥራይ ምስ እተስተንትን ጥራይ እዩ።

ንምውድዳር መታን ክሕግዝ እዚ 11% ውጽኢት ናይ ኤርትራ ምስታ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ጥቡቕ ርክባት ጀሚሩላ ዘሎ ሃገር ፊንላንድ ምስ እንርኢ ኣብ ዓመት 80% ካብ ተመሃሮ ናይታ ሃገር ናብ ዲግሪ ወይ ልዕሊኡ ይሓልፉ።ብተመሳሳሊ ኣብ ኣይስላንድ 78% ኪኾኑ ከለዉ እታ ዳርጋ ምስ ኤርትራ ነጻነታ ዝረኸበት (ድሕሪ ምምቕቓል ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ማለትዩ)  ሪፑብሊክ ስሎቫክ ድማ 77% ካብ መንእሰያታ ናብ ዲግሪ ተመርቕ።

እቲ ሕቶ ግን ናይ ፍቕዲ ጥራይ ኣይኮነን።ትምህርቲ ፍቕዲ ጥራይ ዝነበሮም ሰባት ጥበብ ምስሓወሱ ወስ ኢሎም ዘፍርዩን ዝልውጡን ሰባት ዝዀነሉ ሜላ’ዩ።  ትምህርቲ ንመላእ ሕብረተሰብ ፍልጠትን ሞያን ኣዕጢቑ ንቕድሚት ዘወንጭፍ ኣገባብ’ዩ። ስለዚ ድማ’ዩ ቀንዲ ካብቶም ምዕቡል ሕብረተሰብ ዝቘመሎም ኣዕኑድ ዝቝጸር። ክንድ’ቲ ሓያል መደልደሊ ሕብረተሰብ ዝኸውን ዓንዲ ምዃኑ፡ ኣብ ትምህርቲ ዝመጽእ ዕንወት ብእኡ መጠን ይጻረሮን የዕንዎን። ሰባት ብዘይፍልጠትን ምስትውዓልን ዝገብርዎ ዘበለ ስለዘይቀውምን ጥቕሚ ስለዘይርከቦን፡ ንስርዓተ ትምህርቲ ምዕናው ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ዝእወጅ ብርቱዕ ኲናት’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ንትምህርትን ፍልጠትን ብትምህርቲ ሃይማኖት ይፍለጦም ብምዕራባዊ ኣገባብ ይላለዮም ብዘየገድስ፡ ኣትሪሩ’ዩ ዝሕዞም። ውጽኢት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ሓደ ኽፍለዘመን ዝተራእየ ፍቕሪ ዘመናዊ ትምህርቲ ኣብ ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ብዙሓት ጐረባብቲ ሃገራት ቀዳሞት ምሁራት ዘመናዊ ኣገባብ ዝዀኑ ኤርትራውያን ኣመስኪሮሞ’ዮም። በብመዓልቲ ጥበብ እናወሰኻካ፡ ንጥበብ ብጥበብ እናብላሕካ ዝመጽእ እንተዘይሃልዩ፡ እቲ ኻልእ ድሕሪት ምትራፍን ምውዳቕን ስለዝዀነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዘመናዊ ትምህርቲ ጀሚርካ ንዝነበሩ ሓደስቲ ኣኽሰብቲ ነገራት ቀልጢፉ ተቐቢሉ’ዩ ክፍላ ኣነባብራኡን መጻኢኡን ዝገብሮም። ኣብ መምህራንን ካልኦት ሞያውያንን ዘለዎ ኽብሪ ኣብቲ ኣብ ኣእምሮኦም ዘቐመጥዎ ፍልጠት ዘለዎ ኽብሪ ዘርኢን፡ ንኣበርክቶኦም ዘለሊን’ዩ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፍርቂ ሰብዓታት ኣብ ስልጣን ዝደየበ ኮሎኔልን፡ ተመሳሳሊኡ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተወጢሑ ዝመጸ ውልቀመላኽን ጥራይ’ዮም ኣንጻር ምጥራይ ፍልጠት ሰሪሖም። ኣብ 1991 ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ትካላት ትምህርቲ ከም ኩሉ’ቲ ተረፍ ኲናት ዝነበረ ቁጠባን ትሕተቕርጽን ዳርጋ ፈጺሙ ፈሪሱ’ዩ ኔሩ። ምሉእ ኣድህቦኡ ኣብ ኲናት ጥራይ ጌሩ ዝሰርሐ ደርግ፡ ኣብ ምምዕባል ትካላት ትምህርቲ ዝሰርሖ ኣይነበረን። ኣብተን ዓመታት ፈሪሱ ዝነበረ ስሮኣት ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ፡ ከም ኩሉ ነገራት ምስ ምምጻእ ናጽነት ተስፋ ረኺቡ። እቲ ተስፋታት በቶም ጸጽቡቑ ዝሓልሙ ዜጋታት ዝተሃስቡ እንተዘይኰይኖም፡ በቲ ልጓማት ስልጣን እናዘወረ መቐረት ኣምባገነንነት ዝላመድ ዝነበረ መራሒ ዝሕሰብሲ ኣብ ሓፋሽ ዕሽነትን ድንቁርናን ዝነግሰሉ ኩሉ ኣገባባት ተኸቲልካ፡ ከም ኣድገ-በቕሊ ክሳዕ ሞቶም ስቕ ኢሎም ዝጸዓኑ ህዝቢ ከምዝተርፍ ምግባር’ዩ ኔሩ።

እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኤርትራ ንትምህርትን ፍልጠትን ንምዕናው ዝተወስደ ተበግሶ፡ ምዕናው መሰረታዊ መንነት ህዝቢ ኤርትራ ዝዕላምኡ’ዩ። ብእኡ ኣቢሉ ንኣዕኑድ መንነትን ባህልን ኣነባራን ኣዕንዩ፡ ኣብ መጻኢ ኽህሉ ንዝኽእል ተስፋ ንምቕሃም ዝተበገሰ ወፍሪ’ዩ።  ፍቕሪ ትምህርትን ፍልጠትን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዘመናዊ ምዕባለ ስርዓተ ትምህርቲ ሃንደበት ዝተቐልቀለ ኣይኰነን። ብጥበብን ምስትውዓልን ምንባር መሰረት ባህልን መዓልታዊ ኣነባብራን ህዝቢ ኤርትራ ዀይኑ ንዘመናት ዝነበረ’ዩ። ጥበብን ምስትውዓልን ኣብ ባህልታት ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ኹሉ ካልእ ኣርእስትታት ተሰሪዖም ይኸብሩ።  ካብ ጥንታዊ ታሪኽ ክሳዕ ትማሊ ኩሉ ኤርትራውያን ዝገበርዎ ዘበለ ንጥበብን ምስትውዓልን ብዘለዎም ክብሪ ዝገበርዎ’ዩ። ኩሉ ዝዀርዑሉ ሕሉፎምን ዝተግበሩሉ መገድን፡ ንመጻኢኦም ዘጸበቑሉ ኣገባብን ኣብ ብጥበብን ምስትውዓልን ይገብርዎ። ጥበብን ምስትውዓልን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣተሓሳስባ ማሕበረሰባትን ልምድታት መነባብሮኦምን ይንጸባረቕ። ካብ ኣቀባብላ ጋሻ ክሳብ ማሕረስ፡ ህንጻ፡ ጉስነት፡ ፈውስታት፡ ኣመራርሓን ንስራሕን ንህይወትን ዝኸውን ምኽርን፡ ነቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ፍቕሪ ኣእምሮ የንጸባርቕ። ኣሽሓት ንነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ህይወት ዝገልጹ፡ ብሓደ ኽልተ መስመር ዝግለጹ፡ ንምስትውዓሎም ልዕሊ ሓደ ክልተ ዘመናት ህይወት ዝወስዱ ምስላታት በቲ ቁሩብ ካብቲ ኣብ ሕሉፍ ዝነበረ ኣገባብ ዝተዋህለለ ልቦና የርእዩ። ኣብ ሕሉፍ ይኹን ኣብ መጻኢ ነቕ ከይበሉ ንሕብረተሰብ ብስጡም መገዲ ዘናብሩ ኩሎም ያታውያን ሕግታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ክሳዕ ክንድኡ ኣብ ዕርቅን ፍቕርን ዝተመርኰሱ ምዃኖም፡ እቲ ዘቘሞም ህዝቢ ኪንዮ ሕግን ፍትሕን ሓሊፉ ኣበይ በጺሑ ኸምዝነበረ የርእዩ።

እቲ ኣብ ትምህርቲ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ተራእዩ ዘሎ ዕንወት፡ ቀጥታ ሃገር ምዕናውን፡ ናይ መጻኢ ተስፋ ብምሉኡ ኽትቀትል ምፍታንን’ዩ። ኣብዚ ዘመን’ዚ ብፍልጠት ማዕረ ኣብ ኩሉ ዅርንዓት ዓለም ዘለዉ ወይ ልዕሊኦም ምዃን እንተዘይተኻኢሉ ከም ሰባት፡ ከም ሕብረተሰባትን ከም ሃገርን ምቕጻል ኣይከኣልን’ዩ። ፍልጠት ዝወሓዶ ህዝቢ ከምዝተሳዕረ ኸይተኣወጀ ኸሎ ስዑር’ዩ። ከምዚ ዝመሰለ ህዝቢ፡ ከዐሪ እንተፈተነውን መሊሱ’ዩ ዘፍርስ። ስለዚ ድማ’ዩ ስርዓት ህግደፍ፡ እንተጸንሐ ከም መጽዓኛ ዝእዘዝዎ ክረክብ፡ እንተሰጐጕዎ ኸኣ ብድሕሪኡ ሳዕሪ ዝበቝላ ዓዲ ምእንቲ ኸይትኸውን፡ ንስርዓት ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ከም ኲናት ገጢሙሉ።

ድሕሪ ናጽነት ትካላት ትምህርቲ፡ ሓፍ ከይበላ ሃፍ በላ ዀይንወን፡ ብዓይኒ ጽልኢ እናተራእያ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ካብቲ ዝነበርኦ ኣዝዩ ትሑት ደረጃ ናብ ጉድጓድ ኣንቆልቊለን። ሕጽረት ባጀት ትምህርቲ፡ ሕጽረት መሳርሕን መጻሕፍትን፡ ሕጽረት ህንጻታት፡ ሕጽረት መምህራን፡ ብርቱዕ ናብራን ሕሱም ኣተሓሕዛን መምህራንን ኰነ ተባሂሉ እናተሰርሓሎም ኣብ ሓጺር ዓመታት ዓቕሚ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ዓንዩ።ነቲ ወለዶታት ዘቐጽል ትምህርቲ ባጀት ተሳኢኑ ተባሂሉ ኣብያተ ትምህርቲ ዝዕጸዋሉ እዋን ተራእዩ። ንኣብነት እታ እንኮ ቤት ትምህርቲ ጽሙማን ባጀት የሎን ተባሂላ ብ ሓንቲ ሚልዮን ክትካየድ ተወሲኑ። ሓደ ድራፋይ ጥዕምቲ ዜማ ኣውጺኡ ተባሂሉ ኣብ ራይሞክ 40000 ዝሽለም ሙኻኑ እንተዘኪርካ  ሓደ ደራፋይ ናይ ስልማት ባጀቱ 4% ናይ ምሉእ ቤት ትምህርቲ ጽሙማን ሙኻኑ እዩ። ንትምህርቲ ባጀት ዝድርት መንግስቲ  መወዳእታ ዘይብሉ ሚልዮናት ናብ ሳዕስዒትን፥ ጽንብላትን፥ ድግሳትን ዘፍስሰሉ ምኽንያት ግን ብዘይምኽንያት ኣይኮነን ብዕላማ እምበር።

ሓደ ጉጅለ ኻብቶም ሓረስቶትን ጓሶትን፡ ነጋዶ፡ ወተሃደራት፡ ሓካይም፡ ገፈፍቲ ዓሳ ዝርከብዎም መንግስቲ ኤርትራ ዝዘረጎም ዓበይቲ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ መምህራን’ዮም። ምስ ምዝራግ ክኢላታት ትምህርቲ ትካላት ትምህርቲ ፈሪሰን። እተን ዝርካበን ኣዝየን ደቀቕቲ ኣብ ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ 1991 ዝተራእያ ተበግሶታት ለውጢ በቶም ብግርህነት፡ ሓልዮት ዘለዎ መንግስቲ ዝለኣኾም አሲልዎም ዝሰርሑ ዝነበረ፡ መብዛሕትኦም ብመምህርና ዝሓለፉ ሞያተኛታት ዝተበገሱ’ዮም። ካብ 1950ታት ደስኪላ እናዓነወት ዝጸንሐት ሃገር ዘይነጽፍ ምንጪ ክኢላታትን ሓሰብትን ኣጥርያ ብቕልጡፍ ናብ ሕውየት ክትብገስ የድልያ ኔሩ። ኣብቲ ፈለማ ናይ ናጽነት ዓመታት ዝተራእየ ተበግሶ ግና ነቲ ርኡይ ብድሆታት ዝምልስ ዘይኰነ፡ ተወሳኺ ሓደጋን ዕንወትን ዝፈጥር’ዩ ኔሩ።

ንመንእሰያት፡ 1990ታት ብማእቶትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝመልኣ ዓመታት’የን ኔረን። ተመሃሮ ኣብ ክረምታዊ ዕረፍቶም ኣብ ክንዲ ምስ ቤተሰቦም ዘለዎም ቅርበት ምትሕግጋዝን እናዕበዩ ኣነባብራ ዝመሃሩ፡ እተን ዓመታዊ ዕረፍቶም ኣብ ህጻንነቶም ካብ ቤቶም ርሒቖም ከሕልፍወን ተገዲዶም። ሎሚ ዘበን እሞ ክረምታዊ ማእቶት ታዕሊም ይጀመረሉ ኣይጀመረሉ ኣብ ዝብል ድንዕታ ተበጺሑ ነይሩ። ብሓፈሽኡ እቲ ኣብ ማእቶትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝነበረ ወፍሪ፡ ብስም ህንጸት ሃገር  ካብቲ ጭቡጥ ለውጢ ዘምጽእ ምስ ማሕበረሰብ ሰጢምካ ዝመጽእህ ዳግመ ህንጻ ኣርሒቕካ፡ ንይምሰል ክትዛረበሉ ጥራይ ኣብ ዘጥዕም ከንቱ ወፍርታት ግዜን ኣእምሮን መንእሰያት ንምብኻን ኣንቂሉ ተላዒሉ ጸኒሑ ኣሎ ።

እተን ዝነበራ ሓንቲ መሰልጠኒ መምህራንን ሓንቲ ዩኒቨርሲቲን ኣብቲ ድሕሪ ናጽነት ዝነበረ 10 ዓመታት ዝተገብረለን ዝዀነ ለዋጢ ወፍሪ ኣይነበረን። መሓልፎ፡ ኣብ 2002 ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ክዕጾ ተወሲኑ። መምህራን ውሒዶም እናተባህለ፡ እታ መምህራን ካልኣይ ደረጃ እተፍሪ እንኮ ትካል ክትዕጾ ክሕሰብ ዘይግብኦ ዝነበረ’ዩ። ኣብ ክንዲ ነታ ትካል ኣሐይልካ ዓቕሚ ዝፈርዩ ንኣሽቱ ሞያተኛታት ምሕያል፡ ነታ ዩኒቨርሲቲ ኣፍሪስካ ግዜን ኣእምሮን መንእሰያት ከባኽና ዝርካቡ ባጀት መንግስቲ ዝባኽነለን ኣታታዪ ዘይብለን ትካላት ቈይመን። ነቲ ድንቁርና ናይ ምክፍፋል ዘመተ ንምብርትዑ ተመሃሮ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ከይወድኡ ንልዕሊ ዓመት ናብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ኽውሰዱ፡ ክፍልታት ዝደጋገሙ ተመሃሮ ተሰጒጎም ናብ መደበራት ታዕሊም ክስደዱን፡ እተን ኣዝዩ ትሑት ዓቕሚ ዝነበረን ኮለጃት ብወተሃደራት ክሕለዋን ብወተሃደራዊ ሕጊ ክሰርሓን ዝተራየሉ እዋን ኣርኪቡ።

ንኣሽቱ ተመሃሮ ኣብቲ ዝተማህሩ ሰባት ኣዝዮም ዝህሰዩሉን ፍረ ጻዕሮም ዘይርእዩሉን ሕብረተሰብ ከምዝዓብዩ ስለዝተገብረ፡ ነቲ ዝርካቦ ዝማህመነ ስርዓተ ትምህርቲ ክጥቀሙሉ ዘይክእሉ ዀይኖም። እቶም ሓልዮት ሕብረተሰብ ኰይንዎም ሕሱም ናብራ እናመርሑ ዝምህርዎም መንእሰያት ኣብ ክንዲ ተስፋ ዝህብዎም፡ ኣብነትን መረጋገጽን ናይቲ ተማሃሮ ዘማዕበልዎ ትምህርትን ዓቕልን ከምዘይጠቅም ዝግምት ኣረኣእያ ዀይኖም፡ እቲ ኽምህርዎ ዝሓሰብዎ ዘይኰነ፡ ብትርኢቶም እቲ ህግደፍ ንወለዶ መጻኢት ኤርትራ ከእምኖ ዝደሊ ኣእሚኖም ናብ ቤቶም ይምለሱ። ተመሃሮ ኣብተን ዝመሃሩለን እዋናት ዝቐስምዎ ትምህርትን፡ ኣብ ቤቶምን ኣብ ሕብረተሰቦምን ዝርእይዎ ኽዉንነትን ስለዘይቃዶ፡ ነቲ ኣብ ክፍሊ ዝመሃርዎ ዘይኰነ ነቲ ሕብረተሰብ ተገዲዱ ዝካየደሉ ዘሎ ኣነባራ ከም ውሁብን ትኽክለኛን ቈጺሮም ኣድህቦኦም ናብ ደጋዊ ነገራት ኰይኑ። ካብቶም ኣብ ትምህርቶም ተዓዊቶም ንገዛእ ርእሶምን ንሕብረተሰቦምን ዝኸውን ሕልሚ ዘዕብዩ፡ እቶም ንሕሱም ጉዕዞ ስደት ዝበለጸ ኣማራጺ ወሲዶም መዓንጣ ኸይቈጸሩ ምደረበዳታትን ባሕርታትን ክሰግሩ ዝመርጹ በዚሖም።

ኤርትራውያን መምህራን ንመዓልታዊ ናብራኦም ዝኸውን ገንዘብ ስኢኖም እንተሳቐዩ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ተወሲኽዎም ክስደዱ ኸለዉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዘይተረጋገጸ ዓቕሚ ዘለዎም ዘይብቑዓት ወጻእተኛታት እናወሰኸ ንዓቕሚ ተመሃሮ የዳኽም ኔሩ። ኣሽሓት ደቂ ሃገሮም መምህራን ምንባር ስኢኖም እናተሰደዱ፡ ኤርትራውያን ህጻናትን መንእሰያትን ታሪኾም ከይተረፈ ብወጻእተኛታት ክመሃርዎ ተወሲኑ። መምህር እቲ ኻብ መጽሓፍ ዝደግሞ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዜጋታቱ ዝዀኑ ተማሃሮ ዘለዎ ሓልዮት ዘበግሶ ምንክብኻብ ኣእምሮ ህጻናት፡ ካብ ዘይሞያውያን ዕሱባት መምህራን ክረኽቦ ኣይክእልን’ዩ። ዕላማ መንግስቲ ኤርትራ ግና መንእሰያት መምህራን ኣብ ኣእምሮ ህጻናት ተመሃሮ ንቕሓት ከይፈጥሩ ስለዝነበረ ትካላት ትምህርቲ ደሞዝ ዓሰርተ ኤርትራውያን መምህራን ብዝኽፈሉ ዘይብቑዓት ወጻእተኛታት ተመሊኡ።

ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ብትካላዊ ድልዳለኡን ብዓቕሚ ሰቡን ዝወረዶ ማህሰይቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ርኡይ ዝዀነ ዕንወት የውርድ ኣሎ። ኣብ ኩሉ ዓውድታት ዘለዉ ዕድመ ዝደፍኡ ሞያተኛታት እናጐደሉ፡ ኤርትራ ብሕሉፍ ህጽረት ሞያተኛታት ትሳቐ ኣላ። ናይ ሎሚ ምዕናው ትምህርቲ፡ ናይ ጽባሕ ምዕናው ኩሉ ሞያታት’ዩ። ድሮ’ኳ ጽልዋ’ቲ ኣብ ትምህርቲ ዝወረደ ማህሰይቲ ካብ ዝርአ ዓመታት ኰይንዎ ኣሎ።89% ካብ መንእሰያት ናይ ላዕለዋይ ዲግሪ ዕድሎም ብንግሁኡ ኪኹለፍ ምርኣይ ድማ ናይቲ ዘሕዝን ክስተት መርኣያ እዩ።

 

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →