Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ብይን ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ትርጉሙን ኣመታቱን

By   /  July 2, 2016  /  Comments Off on ብይን ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ትርጉሙን ኣመታቱን

    Print       Email

editorial_button_shutterstockjpg__0x400_q95_autocrop_crop-smart_subsampling-2_upscale.jpg__0x400_q95_autocrop_crop-smart_subsampling-2_upscaleባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብሃገራት ጅቡትን ሶማልያን ዝተነደፈ (ዋናታቱ ንሰን ከምዘይኮነ ርዱእ ኮይኑ) ንድፈ ብይን ተረርትን ዓጸቕትን ንዝበሎም ክፋላቱ ድሕሪ ምቕያር ባሕቲ ሓምለ 2016 ነቲ ብይን ኣሕሊፍዎ ኣሎ። መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ቅድሚ 4 መዓልቲ እቲ ብይን ለውጢ ክግበረሉን ክኽለስን ሙኻኑ ሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

እቲ ዝተገበረ ለውጢ ብመሰረቱ እቲ ጉዳይ ካብ ናብ ባይቶ ጸጥታ ናብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ክለኣኽ ዝጽውዕ ክፋሉ እዩ። ባይቶ ሕቡራት ሃገራት እዚ መንገዲ እዚ ክወስድ ዝደለየሉ ምኽንያት እንታይ ኪኸውን ይኽእል?እቲ ዝተቐየረ ክፋሉ ኸ እንታይ የስምዕ?

እቲ ባይቶ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክግበር ዝግበኦ ተሓታትነትን በቲ ክሲ ዝውንጀሉ ሰባት ናብ ፍርዲ ምቕራብን ዝብል ሕመረት ትሕዝቶ ኣይቀየሮን፥ እኳ ደኣ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ነቶም ተሓተቲ ብቕልጡፍ ናብ ፍትሒ ከቕርብ እዩ ኣትሪሩ ጸዊዑ። ስለዚ እቲ ፍልልይ ዘይከምቲ እቲ ንድፊ ዝሓተቶ እቲ ምጽብጻብ ብመንገዲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ክንዲ ዝኸውን፥ ብመንገዲ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ካልኦት ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ከምዝኸውን ምግባሩ እዩ። ብቐሊል ኣበሃህላ እቲ ፍልልይ ኣብ መንገዲ እቲ ውሳነ እምበር ኣብ መዓልቦ እቲ ውሳነ ኣይኮነን።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ስለምንታይ ኣፍሪቃዊ ሕብረት መሪጹ

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክንዲ ብመንገዲ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ብቐጥታ ብመንገዲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ክምስራሕ ዝገበረሉ ምኽንያት እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ኪኾኑ ይኽእሉ

1 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ንኣፍሪቃውያን ጥራይ ክሃድን ዝተመስረተ ብድርብራብ መለክዒታት ዝሰርሕ ትካል እዩ ኢለን ስለዝኣምና፥ ተቐባልነት ብይናቱ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት  ኣጠራጣሪ እዩ ኮይኑ ጸኒሑ። እዚ ጉዳይ እዚ ምስቲ ኣብ ዒራቕ፥ ኣፍጋኒስታን፥ የመን፥ ሊብያ፥ ሶርያ ወዘተ ዘጋጠመ ግህሰተታት ሰብኣዊ መሰላት ምዕራባውያንን  ቡኩራት ተሓታትነትን ብምግንዛብ እሞ ድማ ካብቶም ዛጊት ናብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ዝቐረቡ መራሕቲ ሃገራት ዓለም 100% ኣፍሪቃውያን ጥራይ ሙኻኖም ብምስትብሃል፥ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኣንጻር ኣፍሪቃ ዘንቀለ እዩ ዝብል መደምደምታ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ምሉእ ብሙሉእ ወላኳ ኣይሰማምዑሉ፥ ከም ርእይቶ ዘሳስይዎ ሓሳብ ኮይኑ ኣሎ።

2  ድሕሪ እቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንት ሪፑብሊክ ሱዳን ማርሻል ዑመር ኣልበሺርን ቀዳማይ ሚኒስተር ሪፑብሊክ ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን ምክትሉ ሚስተር ዊልያም ሩቶን ዝወሰዶ ስጉምቲ፤ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ናይ ኣፍሪቃ ጉዳይ እንተሎ ብደረጃ ኣፍሪቃ ባዕልና ክንፈትሖ ኣሎና ዝብል ሓሳብ ስለዘማዕበለ፥ እኩብ ምስሓብ ኣባልነት ካብ ስምምዕ ሮማ ስለዘለዓዓለን፥ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ንኣፍሪቃ ክወሃብ ኣለዎ ካብ ዝብል ሓሳብ ዝነቐለ ኪኸውን ይኽእል።

3 እቲ መስርሕ ሓጺር ኪኸውን እሞ ተሓታትነት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሓጺር እዋን መታን ክፍጸም ዝብል ምኽንያት ውን ክህልዎ ይኽእል። ብይን ሰብኣዊ መሰላት ናብ ሕቡራት ሃገራት እንተተላኢኹ ብዉሑዱ ከባቢ ክልተ ዓመት እዩ ክወስድ፥ ምኽንያቱ ኣብ ኣጀንዳታት ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምችስከረም 2017፥ ኣብ ኣጀንዳ ባይቶ ጸጥታ ክኣቱ ድማ ክሳብ 2018 ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክለኣኽን ክምስራሕን ድማ ክሳብ 2019 ክምጠጥ ስለዝኽእል።ብኣንጻሩ ከምቲ ኣብ ጉዳይ ናይ ጫድ መራሒ ዝነበረ ሑሰይን ሃብረ ዝተራእየ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተሓዙ ጉዳያት ብተዛማዲ መስርሖም ሓጺር እዩ። ብዘይካ እዚ መጋበኣያ ኣፍሪቃ ንምጽላዉን ንሙጉዕጻጹን ዝቐለለ ኪኸውን ይኽእል ንሓያላት ሃገራት ዝብል መበገሲ ውን ክሕሰብ ኣይከኣልን ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን።

4 ኣብ ባይቶ ጸጥታ ቀሪቡ ብሩስያን ቻይናን ብቐውፊ ናይ ምውዳቕ ተኽእሎ ስለዘለዎ ሓደ ምኽንያት ኪኸውን ይኽእል። ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ውሳነ ናብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝለኣኾ፥ ነቲ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ብኽልተ ሓያላት ሃገራት ንናተን ምኽንያት ( ማለት ሩስያን ቻይናን ንባዕለን ብሰብኣዊ መሰላት ስለዝኽሰሳ) ነቲ ብይን ክዓግተኦ ይኽእላ ዝብል ስግኣት ስለዘለዎ፥ ናብቲ ኪቆጻጸሮ ዝኽእል ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣሕሊፍዎ ኪኸውን ይኽእል ዝብል ገምጋም ኣሎ።

5 መንግስቲ ኤርትራ እውን እቲ ጉዳይ ናብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንኽለኣኽ ‘ውዲታት’ ይግበር ምህላዉ ድሮ ከምዝፈለጦ ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ክግምግሞ ጸኒሑ እዩ። ኣቲ ኣብ መጀመርያ ሰነ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ካብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ናብ ፕረሲደንት ኣልጀርያ ቡተፍሊቓ ዝተላእከ መልእኽቲ ውን ሓደ ካብቶም ነጥብታት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ እዩ ነይሩ፥ ምኽንያቱ ኣልጀርያ ሓንቲ ካብቶም መሪሕ  ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሰብኣዊ መሰላትን ሕብረት ኣፍሪቃ እያ።

ዝመጽእ መስርሕ እንታይ ክመስል እዩ

እዚ ብይን ናበይ ከይዱ ብዘየገድስ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ከቢድ ስንባደ ፈጢሩ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታቱን ጀሚሩ ዘሎ ጸቕጢ ዘፍኩስ ዕዮታቱን ለውጢ ኪገብር ሙኻኑ ርዱእ እዩ። ድሮ ኣብ ዓንኬላት ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝለዓሉ ሓሳባት ምህላዎም ውን መድረኽ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ። ገለ ካብቶም ዝለዓሉ ዘሎ ናይ ለውጥታት ነጥቢ

  • ምዕጻው እተን ብኮሚሽን ተጠቒሰን ዘለዋ መዳጎኒ ኑቕጣታትን
  • ህልዋት ኣብያተማእሰርቲ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ምግዓዝ፤ ድሮ በተን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከባ ዓዲኣቤቶን ማይስርዋን ክጅመር እዩ
  • ኣብ ዒራዒሮ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ ምግዓዝ
  • ምስ ኣህጉራዊ ትካላት ጽምዶታት ምሕያል
  • ውሳነታት ምስተወሰዱ ኣብ ክንዲ ምጉያይ ኣቐዲምካ ኣብ ኩሎም መጋብኣያታት ምስታፍ
  • ብመድረኽ ምስ ዝምርሑ ኣብ ሕቶ ሉዓላውነት ዘይንቕነቕ መትከል ዘለዎም ሃገራውያን ተቓወምቲ ዘተ ምጅማር
  • ኣብ ወጻኢ ዘይመንግስታያን ውድባት ምምስራትን ብድሕሪት ምቁጽጻረንን
  • ነመሓይሽ ኣሎና ዝብል ምልክታት ንምልኣኽ ገለ ምንቅስቓሳት ምክያድ ወዘተ።

ነቲ ጉዕዞ ዝውስን ግን ናይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ውሳነ እዩ

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ እቶም ገና ንምድሓን ዕድል ኣሎና ዝብሉ ሓለፍቲ በቲ ውሱን ኣብ ትሕቲኦም ዘሎ መዝነት ዝገብርዎ ምውስዋስ እዩ። እቲ ናይ ብሓቂ ውሳነን እቶም ዝሰርሑ ዘለዉ ዝመስሎም ጥቕኡ ዘለዉ ሓለፍቲን ውን ከይተረፉ ዘይፈልጥዎ ግን ናይ ፕረሲደንት መኣዝን ናብ ሓደ ኣንፈት ጥራይ ምህላዉ እዩ።ኩናት። ብእምነቱ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ዝፈትሖ ሽግር የሎን። መንግስቲ ኤርትራ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ዘተ ክጅምር ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ውን ክውንነታዊ ኣይኮነን።ኣብዚ ቅንያት እዚ ሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን ኣቶ ተስፋስላሰ ብርሃነ ‘ፕረሲደንት ነዘን ምሳና ዝነበራ ከዲዐናና ዝኸዳ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝነበራ ስድራቤተን ኣሳቕየ ኣኣብ ዘለወኦ ብብስጭትን ብደም ብዝሕን ተሳቕየን ከምዝሞታ ክገብር ኢየ’ ኢሉ ክብል ከምዘነይት ሓሳብ ዝደገሞ ቃል፥ ናይቲ ኣብ ህልኽን ቂምታን ዝተመስረተ ኣተሓሳስባ መርኣያ እዩ።

ብእምነት ፕረሲደንት ኢሳያስ ኤርትራ ዝገበረት እንተገበረት ካብ ሓደ ዓዘቕቲ ናብ ካልእ ዓዘቕቲ ምእታው እዩ ኪኾና እምበር ዝቕየር ነገር የለን። ብእምነቱ ጠለባት ማሕበረሰብ ዓለም ዝውዳእ እይኮነን ክንምልሶ ድማ ኣይንኽእልን ኢና ዝብል እዩ። ብእምነቱ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንድሌት ናይ መንግስቲ ኢትዮጲያ ንምምላእ ስለዘንቀለት ኩሉ ውሳነታታ ነታ ናይ ኤርትራ ተጻይ ዝኾነት ኢትዮጲያ ዝጎንዕ እዩ ኪኸውን፥ ስለዚ ጉዳይና ናብ መምለሲ ዘይብሉ መኣዝን ካብ ዝኣቱ እዋኑ ኣሓሊፉ እዩ። እቲ እንኮ መፍትሒ ኩናት እዩ እዚ ናይ ሕጂ ኩናት ድማ ንኹሉ ጉዳያት ዝውስን ወሳኒ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ ፕረሲደንት ኢሳያስ።

ፕረሲደንት ኢሳያስ እዚ ኣማራጺ ንኤርትራ ዘይኮነስ ንመጻኢ ዕድሉ ዘዋጽእ ኮይኑ ስለዝረኣዮ እዩ ኪኽተሎ ዝመርጽ። ብኣመለኻኽትኡ እቲ ኩናት ክስዕሮ እንተኽኢሉ ኩሉ ነገር ናብ ረብሓኡ ኪቕየር እዩ፥ በቲ ኩናት እንተተሳዒሩ ድማ ስልጣኑ ካብ ብገበን ተሓቲቱን ብባዕዳውያን ተንጠልጢሉን ዝስእኖ፤ ምእንቲ ኤርትራ ኣብ እተገበረ ኩናት ስልጣኑ ስኢኑ ክበሃለሉ እዩ። ክንድዝኾነ ስለቲ ተቖማጢዑ ዘሎ ስሙ ዝስራሕ ታሪኽ ንምህናጽ ዘንቀለ ኩናት ናይ ምውላዕ ውሳነ ሒዙ ምህላዉ እዩ ዝሕበር።

    Print       Email

You might also like...

ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →