Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ብትልሂት ኣእምሮ ሰባት ኣደንዚዝካ ድኹም ሰብነት ዘለዎም ዜጋታት ምፍጣርን ምቁጽጻርን ሓደ ካብ ሜላታት ምልኪ ኢዩ።

By   /  July 13, 2016  /  Comments Off on ብትልሂት ኣእምሮ ሰባት ኣደንዚዝካ ድኹም ሰብነት ዘለዎም ዜጋታት ምፍጣርን ምቁጽጻርን ሓደ ካብ ሜላታት ምልኪ ኢዩ።

    Print       Email

ዝኸበርኩም ኣዳለውቲ !

ፍልይ ዝበለ ዓንቀጻትን ኣተሓሕዛ መደባት ሬድዮን ስለዝረኣኹልኩም ብመደባትኩም ኣዚየ ትስፉው እየ። ብፍላይ ሞያውነቱን ዑምቀት ትሕዝቱኡን ኣነ ጥራይ ዘይኮንኩ ብዙሓት ደቂ ማሕበረይ ዝሰማምዑሉ ልዑል ሞያውነት ኣተኣታቲኹም ኣለኹም። እዚ ይኹን እምበር መደባትኩም ብዙሕ ዝጎድሎ ነገራት ኣሎ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ትዕዝብትታተይ ክልእከልኩም ቃል እኣቱ። ናብ ቀንዲ ትሕዝቶይ ክኣቱ።

ኣብ ጽባሕ ናይቲ ብዕለት 1 ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ሓምለ ዝተዋህበ ብይን መርማሪ ኮሚሽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፥ ኣብ ሀገረ ጀርመን  መንግስቲ ኤርትራ ፌስቲቫል ከፊቱስ ኣብ ሰንበቱ ብጓይላ ክለሀ ምምሳዩ ምስ ረኣኹ እዞም ሰባት እምበርከ ምስ ኣእምሮኦም ኣለዉ ዶ ክብል ጀሚረ። ኣብ ክንዲ እንታይ ከነመሓይሽ ይግባእ፥ ኤርትራ ኣብ ዓለም ብግህሰትን ስደትን ውርደትን ካብ እትፍለጥ እንታይ እክንገብር ይግባእ ኢልካ ኣብ ክንዶ ምምካርሲ ተመሊስካ ናብ ፈንጣዝያ?

ኢዮብሊሉ ኢልካ ሳዕስዒት፥ ፌስቲቫል ኢልካ ሳዕስዒት፥ ጀነቫ 21 ሰነ ኣብ ጽባሕ መዓልቲ ስዉኣት ምስ ተዛረብቲ ቋንቋ ኣምሓርኛ ተሓዋዊስካስ ሳዕስዒት፥ ፈንቅል ኢልካስ ሳዕስዒት፥  መስከረም ኢልካስ ሳዕስዒት፥ መጋቢት ኢልካስ ሳዕስዒት፥ ግንቦት ኢልካስ ሳዕስዒት፥  ልደት ኢልካስ ሳዕስዒት፥ቅዝፈት ላምፔዱሳ እንዳሰማዕካስ ንምሸቱ ሳዕስዒት፥ መስቀል ሳዕስዒት፥  ዒድ ሳዕስዒት፥ ስርሒት ናደው ሳዕስዒት። እቲ ስርዓት ብኸበሮን ቆለን ዝደንዘዘ ኣእምሮ ዜጋታት ክፈጥር ምድላዩ ዝገርም ኣይኮነን። ብትልሂት ኣእምሮ ሰባት ኣደንዚዝካ ድኹም ሰብነት ዘለዎም ዜጋታት ምፍጣርን ምቁጽጻርን ሓደ ካብ ሜላታት ምልኪ ኢዩ።እቲ ዝገርም  እቶም ብዛዕባ እንታይ ዕለትን ስለምንታይን ይስዕስዑ ከምዘለዉ ዘይፈልጡ እዚ መሬት ሬሳ ኣለዎ እንዳተባህሉ ኣብ ልዕሊቲ ሬሳ ነጸላ ኩዳ ዝውንዘፉ ሰባት እዮም።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብዚ ዘለኽዎ ዓዲ ማለት ከተማ ላንደን ብሪጣንያ ዝተኻየደ መበል 26 ዓመት ‘ጽንብል ፈንቅል’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ሓደ ካብ ወብሳይይታት ናይ መንግስቲ ኤርትራ ሓደ  ዩቱብ ምስረኣኹ እንታይ ኮን ዘትዮም ይኾኑ ብምባል ተገዲሰ ርእየዮ ነይረ። ሽሕኳ ብናይ ህግደፍ ቋንቋ ጽንብል ማለት ሳዕስዒት እሞ ብዙሕነት ዘይንጸባረቐሉ ማለት ካብ ዝኸውን ዓመታት ኣቑጺሩ እንተኾነ፥ ብዉሑዱ ብዛዕባ እቲ ዕለት ዘሰክሞ ሕድሪ፥ ወይ ካልእ ዘተ ይህልዎዶ ይኸውን ኢለ ኢየ ተዓዚበዮ። ብዝረኣኽዎ ድማ ተገሪመ። ጀሚራ ክሳብ ትውድእ ስብ ቆለ ብዝመስሉ ብናይ ዛርቲ ዓቀን ክስዕስዑ ናይ ዘምሰዩ ስባት ምስሊ ዝሓዘት ቪድዮ ኢየ ርእየ።ኣብ ገለ ክፋሉ ድማ ብዛዕባ ኣእሙሮኣዊ ኩነት ናይዞም ሰባት ቁሩብ ሓሲበ።

ከምቲ ኣብ እታ ብ Animal Farm and 1984 ዝፍለጥ ናይ George Orwell መጽሓፍ ዝርከቡ ገለ ገጸባህርያት፥ ስርዓት ህግደፍ ምብራዝ ስነምግባር ከም ሓደ መሳርሒ ናይ  ምእዙዝነት እዩ ዝጥቀመሉ። ከምቲ ኦርዌል ኣብ ገጻቱ ዘንበሮ ድማ ከምሳዕቤኑ እቲ ቢግ ብራዘር ዝተበሃለ ገጸባህርያት ክልተ ተደመሮ ክልተ ሓሙሽተ እንተይሉ ሓቅኻ ኣያይ፥ ጸሊም እትብልዎ ዘለኹም ጻዕዳ እዩ እንተይሉ ውን ሓቅኻ ኣያይ ዝብሉ ፍጡራት ይኹስኩስ። ምኹስኳስ ዝሩግ ስነምግባር ድማ ሓደ ካብዞም ፍቱናት መሳርሒታት ናይዚ ውጽኢት ሙኻኑ እዩ ኦርወል ዝገልጽ።

እዚ ዩትዩብ እንዳረኣኹ ኣብ ኣእምሮይ ሓደ ሕቶ ተላዒሉኒ። እቲ ናይ ጀጋኑ ጀጋኑ ዝሓተተ ዓቢ ስርሒት ፈንቅልን እዞም ስ’ርሒት ፈንቅል ነብዕል ኣሎና’ ዝብሉ ዘለዉን እንታይ የራኽቦም። ክልቲኦም ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ጫፋት ዝርከቡ እዮም። እቶም ንፈንቅል ፈንቅል ዝገበሩ ናይ ተወፋይነትን ሓርነትን ቅዱሳት ምልክት ኪኾኑ ከለዉ፤ እዞም ብስም እቲ ክቡር በዓል ብዘይካ ናቶም ደስታን ምሸትን ካልእ ዘይረኣዮም ዘይብሩኻት ድማ ኣብቲ ካልእ ጫፍ ናይ ሰብነት ስሰዐ ዝርከቡ ነዓይ ይጥዓመኒ ካልኦት ኤርትራውያን ወላ እንተተቐዘፉን ኣብ ጎዳጉዲ ተደርበዩን  ኣይግድሰንን ዝብሉ እዮም።

ርግጸኛ እየ እታ ዕለት ስለ ስሙ ደኣ ጽንብል ፈንቅል ተባሂላ እምበር ንስዕስዒት ኣጋጣሚ ካብ ሙኻን ሓሊፋ እቶም ሳዕሳዕቲ ብዛዕባ ስርሒት ፈንቅል ይኹን ብዛዕባ ንፈንቅል ዝወደቑ ስዉኣት ንሰከንድ ውን ትኹን ከምዘይዘከርዎም። ኮይኑ ድማ ርዝነት ናይቶም ዝወደቑን ኣላጋጭ ናይዞም ደበልቲን ኣስደሚሙኒ። ነብሶም ዝመነኑ ውፉያትን፥ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ዝስዕስዑ ግዙኣት ረብሓን  እንታይ የራኽቦም?

ፌስቲቫል ጀርመን ሳዕስዒት፥ ኣብ ኣፍደገ ባሕራ መንእሰያት ኣብ ዝቕዘፉላ ዘለዉ ሃገር  ፌስቲቫል ኢጣልያ ኢልካ ሳዕስዒት፥ ጎረቤትካን መቕርብካን ኣብ ጎዳጉዲኢ ተደፊኖም ከለዉ ፌስቲቫል ካናዳ ኢልካ ሳዕስዒት፥………..ሰባት ኣይዓብዩን ዲዮም?

ዕድመ እንዳቖጸሩ ብዝኸዱ ኣእምሮኦም መመሊሱ እንዳነኣሰ ንዝኸይድ ዜጋታት ፈውሶም እንታይ ኮን ኪኸውን ይኽእል?እዞም በጋጣሚ ስርሒት ፈንቅል ዝስዕስዑ ዘለዉ ናይ ለንደን ተቖጻጸይቲ ብዛዕባ ደቂ እቶም ንባጽዕ ሓራ ክገብሩ ዝወደቑሞ ዘኽቲሞም ዘለዉ ደቂ ስዉኣት ሓሲቦም ዶ ይፈልጡ። ብዛዕባቶም ኣብ ባጽዕ ዝሰንከሉ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዚንጎታት ቃኘው ዝነብሩ ዘለዉ ሰማእታት እንታይ ክንሕግዘኩም ኢሎሞም ዶ ይፈልጡ፤ ብዛዕባ ሕድሪ ናይቶም ባጽዕ ብልጽግቲ ወደብ ክትከውን እንዳሓሰቡ ዝወደቑ ግን ብኣንጻሩ ሎሚ መልኣከሞት ዝወረሳ እትመስል ኮይና ዘላ ወደብ ኣስተንቲኖም ዶ ይፈልጡ? 26 ዓመት መመላእታ እታ ወደብ እረ ብዓቢኡ እታ ሃገር ጥር ዝብል ምዕባለ ዘይረኸበትሉ ምኽንያት ሓቲቶም ዶ ይፈልጡ ይኾኑ እዞም ሳዕሳዕቲ።  ሎሚ ከተማ ኣስመራ ጸላም ተጎልቢበን ዝልምና ኣዴታት፥ኣብ ጽርግያ ዝሓድሩ ቆልዑት፥ጨቖቕ ኢሉ ዘዋህለሎ ናቕፍኡ ዝሰኣነ ስድራቤት፥ ዓይኑ ይብራህ ወደይ ጓለይ ዝረእየ ክብል ዝኸርም ወላዲ ፥ ናበይ ከይፈለጡ ዝጠፍኡ ደቂ 8 ወይስ 9 ዓመት ሕጻናት  ስለምንታይ ከምዚ ይኸውን ኣሎ ኢሎም እዞም ሳዕሳዕቲ የስተንትንዎዶ ቁሩብ።

ኣብቲ ዩቱብ ነታ ከም መንዲል ዝጥቕለልዋን ከም ተራ ነጸላ መሳዕስዒ ዝጥቀሙላን፥ ገምጢሎም ዘንበልብልዋን ባንዴራ ውን የከላብትዋ ነይሮም እዮም። እዞም ሰባት ነቶም ነዛ ባንዴራ ካብቲ ወዲቓቶ ዝነበረት ማዓሙቕ ንኸልዕልዋ ንባዕሎም ህይወቶም ናብ መዓሙቕ ዝደርበዩ ጀጋኑ ኣብታ ምሸት ዘኪሮሞም ዶ ይኾኑ ፤ወይስ ከምቲ እቲ ቪድዮ ዝሕብሮ እታ ባንዴራ ተራ በዓልቲ ኣርባዕተ ሕብሪ ጨርቂ እዮም ዝቖጽርዋ። እቲ ጽንብል ፈንቅል ዝበልዎ ምሸት ከ ናይ መስተን ዳንኬራን ለይቲ ጥራይ ድዮም ዝቖጽርዎ ወይስ ፈንቅል ክንደይ ካብ መትከላቱ ተጠሊሙ ኣሎ የስተንትንዎ እዩም።

ጽንብል ፈንቅል ማለት ምምላእ ሓደራ ምልዓል ሓላፍነት ሙኻኑ እቶም ናይ ሳዕስዒት ቆለኛታት ዝዘከርዎ ኣይመስሉን። ንዓኣቶም ፈንቅል ማለት ከም ተራ ምስ መጻምድቶም ዝኣትዉዎ ናይ ሲነማ ኣጋጣሚ ወይ ውን ናይ ቫላንታይን ደይ ምሸት እዩ ነይሩ ። ነቲ ኣብ ኣእምሮ ናይቶም ባጽዕ ዝሓረሩ ጀጋኑ ዝነበረ ( ኣነ ውን በታ ንእሽቶ ዓቕመይ ኣብቲ ስርሒት ተሳቲፈ እየ) ፍትሒ፥ ናጽነት፥ ብልጽግና፥ ቅዋማዊ መንግስቲ፥ ዴሞክራሲ ዝበሃል ጉዳያት ንምልዓል እቲ ብመስተን ሳዕስዒትን ተሰኒፉ ዝነበረ ኣእሙሮኦም ግዜ ኣይነበሮን። ንዕኡ ዘልዕል ልቦና እንተዝነብሮም እሞ ይትረፍ ክስዕስዑ ኤርትራውያን ሙኻኖም ክዝክሩ ከለዉ ውን ጸግሮም ደው ኢሉ ልቦም መንቀጥቀጠ።  ብዛዕባ እቶም ኣብታ ኣቦታቶም ዝወደቁላ መሬት ክነብሩ ስለዘይከኣሉ ኣብ ሳሃራን ማእከላይ ባሕርን ዝቕዘፉ ዘለዉ መንእሰያት ንምዝካር እቲ ጫውጫውታ ሙዚቃን ከበሮን ግዜ ኣይሃቦምን። ኮይኑ ድማ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ጆርጅ ኦርወል ዘሎ ብሩዝ ገጽ ባህሪ  እዞም ሰባት እውን ብሰንኪቲ ህግደፍ ኮነ ኢሉ ስነምግባር ንምብራዝ ኣታኣታትይዎ ዘሎ ናይ ሳዕስዒት ባህሊ፥ ናብ ቁምነገር ዘይሓስቡ የዒንቶም ብትልሂትን ኩዳን ዝተዓመተ ሰባት ተቐይሮም ከምዘለዉ እቲ ተንቀሳቓሲ ቪድዮ ኣነጺሩ ይሕብር።

መራሕቲ ህግደፍ ብፍላይ ድማ እቶም ብኢድ ዝቑጸሩ ናይ ሕጂ ገበርትን ሓደግትን ኣብ ኩናት ንዝወዓሉን ጀጋኑን ስለዘይፈትዉ ንባዕሎም ውን ብነብሰ ምትሓት ናይ ኣብ ታሪኽ ዘይምስታፍ ስለዝሳቐዩ፥ ነቶም ኣብ እዋን ገድሊ ወላሓንቲ ኣበርክቶ ዘይገበሩ እዮም ዝያዳ ዘቕርቡን ዝሸሙን። እቲ ቅማረ ንጹርዩ። ሓጺር ነዊሕ ዝኸውን ካብኡ ዝሓጽር ኣናዲዩ ምስዝረክብ ጥራይ እዩ። እዞም ኣብ ወላሓንቲ ዘይነበሩ ናይ ታሪኽ ሓጸርቲ ድማ  ንፈንቅል ከም ሓደ ናይ ዓርከ መሓዛ በርዝደይ ፓርቲ ወይ ውን ከም ተራ ናይ ድራር ዕድመ ምምሳይ እንተራኣይዎ ዘገርም ኣይኮነን።  ኣብቲ ስርሒት ክንደይ ዋጋ ከምተኸፈለ፥ ፈንቅል ንናጽነት ከምዝወለደት፥ ሳሊና ክንደይ ጀጋኑ ከምዝወሓጠት፥ ይትረፍ ክግንዘብዎ ብርሑቕ ውን ደሃዩ ዘለዎም ኣይኮኑን። ንዓኣቶም ጽንብል ፈንቅል ኣብ ለካቲት ንመስተን ሳዕስዒትን ኣጋጣሚ ትኸውን ተራ ናይ ጓይላ ምሸት እያ። ጓይላ ኣብ ልዕሊ መቓብር፥ ጓይላ ኣብ ልዕሊ ዘኽታማት ደቂ ቶም ንባጽዕ ሓራ ዝገበሩ ስዉኣት፥ ጓይላ ኣብ ልዕሊቶም ኣብ ዚንጎታት ቃኘው ዝነብሩ ዘለዉ ንባጽዕ ሓራ ዝገበሩ ስንኩላን።

ብመሰረት ዕዮ ስራሕ ህግደፍ ሃገራዊ ግቡእ ናይዞም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ደገፍቲ ምስዕሳዕን ‘ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና’ ምጭራሕን እዩ። ከምኡ ስለዝገበሩ ድማ ብዘይጥይት ዝዋግኡ ጀጋኑ ተባሂሎም ተገሊጾም ኣብ ዝሓለፈ መበል 25 ጽንብል ናጽነት። ኣምሳያ ናይቲ ዝወሃቦም ሓለፋ ድማ ኣብ ከም ናይ ጀነቫ ዝኣመሰለ ሰላማዊ ሰልፊ ወጺኦም ‘ህዝቢ ጽቡቕ ኣሎ፥ፍትሒ ኣይሰኣነን፥  ደቀንስትዮ ኣይተዓመጻን፥ መንእሰያት ብጽጋቦም እዮም ናብ ወጻኢ ዝስደዱ ዘለዉ’ ኢሎም ናይ ምስክር ደብዳበ ይጽሕፉ። እቶም ናይ ብሓቂ ደለይቲ ፍትሒ ቅዋም ይተግበር፥ ግዝኣት ሓደ ሰብ የብቅዕ ክብሉ ከለዉ፥ ንሶም ‘ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና’ እንዳፈከሩ ይዘሉ። ከምዚ ስለዝገበሩ ድማ  ሳላ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና ዘርኣዮ መኸተ ተባሂሎም ይነኣዱ።

በዚ መጎሰ ተተባቢዖም ዝተዋህቦም ናይ ትልሂታት ዕዮ ገዛ ብትግሃት ንምፍጻም፥ ጥሪ ናይ ሓድሽ ዓመት ይስዕስዑ፥   ለካቲት ናይ ፈንቅል ይለሃዩ፥  መጋቢት ናይ መዓልቲ ደቀንስትዮ ይድብሉ፥ ሚያዝያ ናይ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ የኽዱዱ፥ግንቦት ናይ ናጽነት ይቆጻጸዩ፥ ሰነ ናይ ስዉኣት ይዘሉ፥ ሓምለ ነሓሰ ናይ ፌስቲቫላት ይድርቡ፥መስከረም ናይ ባሕቲ መስከረም ይነጥሩ፥ ጥቅምቲ ናይ በዓል ዒድ ይፍንጥዙ፥ ሕዳር ናይ ዑደት ባህሊ ብድሆ ይስዕስዑ፥ ታሕሳስ ናይ በዓል ልደትን መወዳእታ ዓመትን ክዓብዱ ይቕንዩ ። ዓመታዊ ገምጋም ብምግባር ድማ ‘መኸተ ብዝሓየለ መልክዑ ከምዝተዛዘመ’ ብምግላጽ ብምኽንያት ዝተፈጸመ ዕዉት ናይ ሳዕስዒታት መኸተ ሓድሽ ሳዕስዒት ይስዕስዑ። ብሳዕስዒት ዝደንዘዘ ኣእሙሮ ካብቲ ብሓሽሽ ዝደንዘዘ ኣእምሮ ስለዘይሓይሽ ድማ  ዜጋታት ኮይኖም ናይ ዜጋን ሃገርን ክሓስቡ ትጽቢት ዘይግበረሎም ዝተኸስሩ ክፋል ሕብረተሰብ ኮይኖም ይነብሩ። እዚ ሕማም እዚ ከም ኩሎም እቶም ጸኒሖም ዝሓውዩ ውሉፋት ሕማቅ ልማዳት ፈውሶም ክሳብ ዝርከብ ከምኡ ኢሉ ይቕጽል። ንግዚኡ!

ጆን ማሕበር ተጋደልቲ ነበር

ላንደን

 

 

 

 

    Print       Email

You might also like...

ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →