Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምጽንጻን ህዝቢ፥ ሰራሕተኛታትን ሓለፍትን ‘መንግስቲ’ ከቢድ ወጻኢታት ይገብር።

By   /  July 29, 2016  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምጽንጻን ህዝቢ፥ ሰራሕተኛታትን ሓለፍትን ‘መንግስቲ’ ከቢድ ወጻኢታት ይገብር።

    Print       Email

ኣብ ኮሌጅ ማይ ነፍሒ ብቴክኖሎጂ ሓበሬታ ማለት IT ሎሚ ዓመት ዝወድኡን ተሓጋገዝቲ መማህራን ዝጸንሑን ን 5 ዓመታት ብዘይኣፍልጠኦም ንኩነታቶም ብዝምልከት መጽናዕቲ ኪካየድ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ቤትጽሕፈት ፕረሲደንት ክሰጋገሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል ናይ እምነት ገምጋም ስለዝተገበረሎም ብዕለት 24 ሓምለ ካብ ማይነፍሒ ክሰጋገሩ መምርሒ ሓሊፉ።

እቶም 11 መንእሰያት ኣብ ሳልስቱ ማለት ብዕለት 26 ሓምለ ካብ ገዛውቶምን ማይነፍሕን ከምዝተወስዱ፥ ንሶም ይኹን ስድራቤቶም ናበይ ይብገሱ ምህላዎም ከምዘይተሓበሩን ተፈሊጡ።

ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ምሉእ ብሙሉእ ህዝቢ ንምጽንጻን፥ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት እንተላይ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ዝግበር ናይ ኢንተርነትን ቴሌፎንን ርክባት ብሪከርደርን ቅዳሕ ጽሁፍን ንምሓዝን ንምምላእን  ኣበርቲዑ ይጽዕት፥ ኣብቲ ስራሕ ዝዋፍሩ ሰባት ድማ ብኣስገዳድ ይምድብ ምህላዉ ተፈሊጡ።

እቶም ኣብዚ ዓይነት ስራሕ ዝሰርሑ መንእሰያት እቲ ዕማም ሓደገኛ ብሙኻኑን ሕልነኦም ስለዘይቅበሎን ፈትዮም ከምዘይሰርሕዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ እቶም ኣብ ናይ ምጽንጻን ዓይነት ስራሕ ዝሰርሑ መንእሰያት ምስ ስድራቤቶም ርክባት ከይገብሩ፥ ምስጢር ከየውጽኡ ንባዕሎም ከቢድ ምክትታል ከምዝግበረሎም ይፍለጥ።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና ኣብ ከተማ ኣስመራ እቲ ኣብ ኢንተርነት ካፈን ቴሌኮሚኒኬሽንን ጥራይ ዝግበር ዝነበረ ምክትታል ብምስፋሕ፥ ብዕጽዋት መካይን ስልኪ ኣልቦ ተንቀሳቓሲ ናይ ምጽንጻን ስራሓት ይካየድ ምህላዉ ተፈሊጡ።

እዘን ብስልኪ ኣልቦ ርክባት ምጽንጻን ክገብራ ዝኽእላ መካይን ኣብ ዝደለየኦ ከባቢታት ብሙኻን (ፓርክ ብምግባር)  ንኩሉ ዝካየድ ዝርርባት ከምዝመልኣን ኣብቲ ተጠቃሚ ኢንተርነት ዘለዎ ገዛ ከይኣተዉ ኣብ መኪና ኮይኖም ናይ ኩሎም ኣብቲ ኢንተርነት ዘለዎ ሰባትን ከፊቶሞ ዘለዉ ኢመይላትን ሓበሬታን ዝጸናጸና መሳርሒ ከምዘለወንን ተፈሊጡ።

በተን ተንቀሳቐስቲ መደበራት ምጽንጻን ድሮ ዜጋታት ግዳያት ኮይኖም ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ብፍላይ ድማ ከባቢ ሞካምቦን ባር ኮመርቾን ኣብ ዝርከባ ኢንተርነት ካፈ ብዝተገበረ ምጽንጻን ኢንተርነት ብዕለት 25 ሓምለ ክሳብ 6 ዝኾኑ ሰባት ከምእተቐየዱ ተፈሊጡ።

    Print       Email

You might also like...

ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →