Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ ኤርትራ ንምስስጋር ደቂ ሰባት ኣመልኪቱ ዝዝቲ ሰፊሕ ዋዕላ ክውድብ ሓሳብ ከምዘለዎ ምንጭታት ካብ ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም

By   /  July 1, 2016  /  Comments Off on መንግስቲ ኤርትራ ንምስስጋር ደቂ ሰባት ኣመልኪቱ ዝዝቲ ሰፊሕ ዋዕላ ክውድብ ሓሳብ ከምዘለዎ ምንጭታት ካብ ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም

    Print       Email

መንግስቲ ኤርትራ ንምስስጋር ደቂ ሰባት ኣመልኪቱ ዝዝቲ ሰፊሕ ዋዕላ ክውድብ ሓሳብ ከምዘለዎ ምንጭታት ካብ ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም። እዚ ብቐጥታዊ መምርሒ ፕረሲደንት ኢሳያስ ክትግበር ዝሕሰብ ዘሎ ዋዕላ ኣህጉራዊ ደረጃ ክሕዝ ዝሓለነ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ‘ ምስግጋር ደቂ ሰብ ጠንቁን ፍትሑን’ ዝብል ቴማ ኪካየድ እዩ።

ነዚልዑል ባጀት ተሰሊዑዎ ዘሎ ዋዕላ ዝውድቦ ኮሚቴ ተመዚዙ ምህላዉ  ዝሓበሩ ምንጭታት፥ ኣብ ወጻኢ ዝርከቦ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኩሉ ወጻኢታቶም ተሸፊኑ ክሳተፉ ዕድመ ክለኣኸሎም ሙኻኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ዝበዝሑ ኣብቲ ዋዕላ ዝቐርቡ ወረቓቕቲ ብክኢልታት ኤርትራውያን ክግበሩ ኣብቲ መምርሒ ሰፊሩ ምህላዉ ተፈሊጡ ምህላዉ ዝሓበሩ ምንጭታት፥ ካብ ሱዳን እትርከበን ውሑዳት ሃገራት ውን ገለ ሰባት ክዕደሙ ሙኻኖም ገሊጾም።

እቲ ዋዕላ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ዋዕላ ብዝህቦም ነጥብታት ድሕሪ ምምእዛን ውጽኢት ናይቲ ዋዕላ ንግዲ ደቂሰባት ደፋኢ ረቓሒታቱ ቁጠባዊ ሽግራት ሰሓቢ ረቓሒታቱ ድማ  ሃገራት ምዕራብ ብዝገብርዎ ውዲታትን ኤርትራውያን ብፍሉይ ዝሕዝ ናይ ኢሚግሬሽን ፖሊሲታቶምን ሙኻኑ ንምድምዳምን  ንፖሊሲታት መንግስቲ ኤርትራ ሓራ ንምግባር ዝዓለመን ሙኻኑ ብኣግኡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብቲ ዋዕላ ኤርትራ ቁጠባዊ ሽግራት ዘንቀሎም ስግረዶባት እምበር ፖለቲካዊ ምኽንያት ከምዘይብሎም ዘእምኑ ወረቓቕቲ ክቐርቡ ሙኻኖም ካብቶም ዝምረጹ ዘለዉ ኣርእስታትን ንምቕራቡ ዝሕጸዩ ዘለዉ ሰባትን  ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ገለ ኣባላት ናይታ ኮሚቴ ግን እዚ ዋዕላ ኪካየድ እንተኾይኑ ሽግራትና ንምልላይ ድልውነት ከነርኢ ኣሎና ዝብል ሓሳባት ከምዘቕረቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

 

    Print       Email

You might also like...

_106539_eritrea300

ንኡስ ምልክታት ናዕቢ ኣብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

Read More →