Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ሃገሩ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዒላማ ዝገበሩ ግፋታት ብዝሰፍሐን ዝተወሃህደን መንገዲ ይቕጽሎም

By   /  July 13, 2016  /  Comments Off on መንግስቲ ሱዳን ኣብ ሃገሩ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዒላማ ዝገበሩ ግፋታት ብዝሰፍሐን ዝተወሃህደን መንገዲ ይቕጽሎም

    Print       Email

መንግስቲ ሱዳን ድሕሪ`ቲ ኣብ ሃገሩ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዒላማ ዝገበሩ ግፋታት ብዝሰፍሐን ዝተወሃህደን መንገዲ ንምቕጽሎም ዝሓንጸጾ ሓድሽ መደብ፥ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጽምዎም በደላት መግትኢ ተሳኢንዎም ከምዘሎ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ኣቃሊሖም።

እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ ካርቱም ካብ ፈለማ መዓልታት ወርሒ መጋቢት ናይ፡ዚ ዓመት ዝፈለሙ ኣልመምቲ ግፋታት፣ ናብ ካልኦት ከተማታት ሱዳን ይልሕሙ ከምዘለዉ ዝገለጹ እቶም ምንጭታት፥ ከም ሳዕቢኑ ቊጽሪ ናይቶም ናብ መዳጎኒ ማእከላት ዝምርሑ ዘለዉ ዜጋታትና ይተዓጻጸፍ ምህላዉ ኣገንዚቦም።

ኣብ ከም ከሰላ፣ ፖርትሱዳን ገዳርፍን ካልኦት ከባቢታትን እታ ሃገር ተመሳሰልቲ ግፋታት ጸኒዖም ምህላዎም ክፍለጥ እንከሎ፣ ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ሰሊኾም ናብ ከተማ ካርቱም ንዘምርሑ ስደተኛታት ንምልቃም እዉን ሲቪላዊ ኽዳን ዝለበሱ ኣባላት ጸጥታ ከም ኣሰጋገርቲን ደለልቲን መሲሎም ናብ`ተን መዓስከራት ተጸንቢሮም ምህላዎም ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ነዚ ብመንግስቶም ዝድፈኣሉ ዘሎ መደብ ከም ዕድል ወሲድካ ንብረት ዜጋታትን ናይ ምዝርፉን ደቂ-ኣንስትዮ ናይ ምድፋርን ተግባራት ብግህዶ ይቕጽልዎ ከምዘለዉ ፥ ጎድኒ ጎድኒ ናይዚ`ዉን ወተሃደራዊ ክዳን ብምልባስ ተመሳሳሊ ተግባራት ዝፍጽሙ ናይ ዘለዉ በርጌስ ሱዳናውያን ብዝሒ ይውስኽ ምህላዉ እዮም ምንጭታትና ሓቢሮም ዘለዉ።

ዮናስ ሓድጉ ዝተባህለ ስደተኛ ምስ ሳሌም ዝስማ ሃፍቱ ፥ ወተሃደራዊ ክዳን ለቢሶም ናብ ገዛኡ ነጢሮም ንዝኣተዉ ሰረቕቲ ብሓገዝ ጎረባብቱ ዝኾኑ ኤርትራውያን በዲሆም ምስ ሓዙዎም ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ክመጽኦም ንዝኽእል ተወሳኺ ጸገም ፈሪሆም፣ ነቶም ገበነኛታት ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከየረከቡ ነጻ ከምዝለቐቚዎም ይሕብር።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ዋላ እንተሓዙና ናብ ኣባላት ጸጥታ ከረክቡና ክስከፉ እዮም ዝብል እምነትን ርድኢትን ኣብ ሓያሎ ሱዳናውያን ሰረቕቲን ከተርቲን ነጊሱ ከምዘሎ እዩ ዝሕበር።

    Print       Email

You might also like...

ኢዮብ መድሃኔ ዝተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዋ ንልዕሊ 10 ዓመት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኮንትራክተር; ካብ ማእሰርቲ ምስ ሓለውቱ ኣምሊጡ።

Read More →