Loading...
You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ሓድሽ ወለዶ ኤርትራ፤ ካብቲ ዓቢ ወለዶ ክወርሶ ዘይግባእ ነውሪ

By   /  July 25, 2016  /  Comments Off on ሓድሽ ወለዶ ኤርትራ፤ ካብቲ ዓቢ ወለዶ ክወርሶ ዘይግባእ ነውሪ

    Print       Email

ሕብረተሰባት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ባህሊ፥ክብርታት፥ሕግታት እንዳባ፥ልምድታትን ኣፈ ታሪኽን ኣለዎም። እዞም ክብርታት ንቐጻልነት ናይ ወለዶታት ብምውሓስ ድልድል ኮይኖም ዘሰጋግሩ፥ብማሕበራዊ ማእለመኦም ድማ መርበብ ኮይኖም ህዝብታት ዘተኣሳስሩ እዮም።

እቶም ክብርታት ኣብ ነዊሕ እዋን ዝምዕብሉ ስለዝኾኑ ድማ፥ ወለዶታት ምስቲ ዝነብሩሉ ዘለዉ እዋን ብዝሰማማዕ መንገዲ እንዳቓነዩ፥ ኣብ መስርሕ ጉዕዘኦም ንዘድልዮም ትሕዝቶታቱ ብምርዓም ንዘየድልዮም ትሕዝቶታቶም ድማ ብምንጻግ ይቕጽልዎም ወይ ውን የቋርጽዎም።

ነብሲ ወከፍ ወለዶ ናቱ ወድዓዊ ኩነትን ንሱ ዝእዝዞን ዘምኣዝኖን መንገዲ ኣለዎ። ይኹን ግን ሕብረተሰባት ዘለዉዎም ወለዶን ግዜኦምን ብዘየገድስ፥ ብታሪኽ እንዳተኣሳሰረ ዝመጽእ ዘይሕከኽ መንነት፥ልምዲ፥ባህሊ፥ቅዲ ይውንኑ። ኣብ ምዕራብ ዲዮ ኣብ ምብራቕ ወይ ሰሜን ድዮ ደቡብ ብዘየገድስ ድማ – ደረጃኡ ይፈላለ ይኸውን እምበር – ካብ ኣቦታቱን ኣቦሓግታቱን/ኣዴታቱን ዓባዮታቱን ዘይወርስ ወለዶስ የለን።

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቐሰ ሓቂ ንዓና ንኤርትራውያን እውን ብኹሉ ሸነኻቱ ዝምልከት እዩ። ከም ኩሉ ሕብረተሰብ፥ ወለዶታትና ኣብቲ ካብ ወለዶም ዝወርስዎ ባህልን ልምድን ተሞርኩሶም ባህሎምን ክብርታቶምን ብምዕቃብ (ከምቲ ዝግባእ ዲዩ ኣይኮነን ካልእ ሕቶ ኮይኑ) ክቕጽሉ ጸኒሖም ኣለዉ።

ኣብ ምውርራስ ክብርታት ክዝረብ ከሎ ብዙሕ እዋን እቲ ዓቢ ወለዶ ነቲ ሓድሽ ወለዶ ብዛዕባ ክወርሶ ዝግባእ እምበር ብዛዕባ ከውርሶ ዘይግባእ ነውሪ ኣይዛረብን – እንተተዛሪቡ ድማ ሳሕቲ እዩ። ንሎሚ እምበኣር እዚ ዓንቀጽ ሓድሽ ወለዶ ካባና ክወርስዎ ዘይግባእ ሕማቕ ልምዲ ናይ ዝሓለፈ ወለዶ ኣብ ዘተኩር ኣርእስቲ መንእሰያትና ካባና ክወርስዎ ዘይግባእ ሓደ ልምዲ (ምናልባት ውን ባህሊ ተቐይሩ ዘሎ) ነውሪ ክዝርዝር ክፍትን እዩ።

ኣባና ኣብ ኤርትራውያን ካብ እዋን ገድሊ ጀሚሩ ዝማዕበለ ምናልባት እውን ኣሉታዊ ሓድጊ ናይተን ክልተ ንሰውራ ኤርትራ ዝመርሓ ውድባት ኮይኑ ንሰን ብሓላፍነት ዝሕተታሉ ጉዳይ፥ ዘይምጽውዋር፥ ሓሳባት ናይ ካልእ ብኣኽብሮት ዘይምእንጋድ፥ኣብቶም ዘረዳድኡኻ ነጥብታት ገዲፍካ ኣብቶም ዘየረዳድኡኻ ጉዳያት ምቱካር ንዕኡ ውን ብጸርፍን ምንኻስን ምግላጽ እዩ።

ሰባት ብሓሳብ ክፈላለዩ ባህርያዊ እዩ። እቲ ዘይባህርያዊ ሰባት ብሓሳብ ምስ ዘይፈላለዩ ወይ ብዙሕነት ርእይቶ፥መርገጺ ኣማራጺታት፥ስነሓሳብ፥እምነት ምስዘይህልዎም እዩ።

‘ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ’ ዝኣመሰሉ ንሕብረተሰብ ናብ ሓደ ብሓይሊ ናብ ዝሰርሕ ማሺን ኣእትዩ በስገዳድ ሓደ ሓሳብ ዘስርጽ ምልኪ እንተዘይኮይኑ ሚልዮናት ሰባት ሓደ ዓይነት ሓሳብ ክሓስቡ ዝከኣል ኣይኮነን።

ኣብቲ በስገዳድ ዝግበር ፈተነ እውን እቶም ሰባት ናይ ሞት ዕጫ ፈሪሆም ‘ሓደ ሓሳብ’ ይሓስቡ ከምዘለዉ የምስሉ እምበር፥ ናብ ሓደ ተምሳል ተቐይሮምስ ሓደ ሓሳብሲ ኣይሓስቡን፥ምኽንያቱ ምልኪ ውን ኣስገዲድዎ ንኪኸውን ሕጊ ባህሪ ዘየፍቅዶ ነገር ስለዝኾነ።

ዝሓለፈ ወለዶ ሓደ ካብቶም ዝዓበየ ጸገምና ብሓሳብ ዘይምጽውዋር፥ብሓሳብ ንዝተፈለየና ሰብ ከም ጸላኢ ሙቕጻር፥ወይ ኣነ ዝበልክዎ ወይ ኩሉ ነገር ይትረፍ ምባል፥ብሓሳብ ተፈላሊኻ እንዳሃለኻ ውን ተጸዋዊርካ ክትጎዓዝ ዘይምኽኣል እዩ። ዝሓለፈ ወለዶ ብሓሳብ ተፈላሊኻ ፍልልያትካ ኣኽቢርካ ተኸባቢርካ ምኻድ ኣብ ጉዕዝኡ ኣየዘውተረን።እዚ ባህሊ እዚ ኢዩ ድማ ናብ እዚ ሓድሽ ወለዶ ክሓልፍ ዘይግባእ። እዚ ሓድሽ ወለዶ ነዚ ዓቢ ወለዶ ኣትሪሩ ክነቕፎ ዝግበኦ ጉዳይ ኣብዚ መዳይ እዚ እዩ።

እቲ ካልኣይ እዚ ሓድሽ ወለዶ ካብቲ ዓቢ ወለዶ ክወርሶ ዘይግባእን ብትሪ ክነቕፈና ዝግባእን ቋንቋ ምብህሃል እዩ። ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት  ኣብ መደረታ ት፥ኣብ ቃለመጠየቓት፥ ኣብ ርክባት፥ ኣብ መግለጺታት ብጸርፊ ጀሚሩ ብጸርፊ ዝውድእ ዘይእሩም ቋንቋ፥ ዝዝልፍ ኣመለኻኽታ፥ ዝናኸስ ቃላት ብሃገር ደረጃ ብዘይሙቁራጽ ስለዝተደጋገመን ዳርጋ ወግዓዊ ስለዝመሰለን፥ ህዝቢ  ከም ንቡር ክወስዶ ኣይጀመረን ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን።

ኩሉ እቲ ዝዝውተር ቋንቋ፥ ቋንቋ ጽልኢ ስለዝኾነ ድማ፥ ዘይጻረፍ ከም ዘይ ብቑዕ ዝውሰደሉ ዘሕዝን እዋን በጺሕና። ኣብዚ እውን እተን ክልተ ዓበይቲ ውድባት ተሓተቲ እየን። ኣብ እዋን ቃልሲን ፍልልያት መስመርን  ንኣባላተን ዝፈላልየን ክለሰሓሳባዊ ዝርዝራት (እንተነይሩ)፥ ብኸመይ ይጽወርን ይከባበርን፥እቲ ከሰማምዐን ዝኽእል ባይታ፥ እቲ ክፍጠር ዝግበኦ ናይ ዘተ ባህሊ ከየተኣታተዋ፥ ‘ምዳዳ፥ ዓማ፥ ዋህዮ፥ተወልዋሊት ዘይቲ’ ክብላ ዕድመ ሰውራ ኣሕሊፈነኦ።

ብሰንኪ ብኩራት ናይ እዚ ኣብ ምክብባር ዝተመስረተ ምብህሃል ዘይምንባሩን ዘይምህላዉን ድማ ክንከፍሎ ዘይነበረና’ሞ ዝኸፈልናዮ ዋጋ ንሓድሽ ወለዶና ምንጋርን ይቕሬታ ምሕታትን ዝግባእ ጉዳይ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ሓድጊ እዚ ሎሚ ደድሕሪ እዚ ሓድሽ ወለዶ ክስዕብ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ፓልቶካት፥ ዓንቀጻት፥ ቃለመጠይቓት፥ ሰላማዊ ሰልፍታት፥ መርበብ ሓበሬታት ዝዝውተር ዘንቆልቆለ ምብህሃል፥ ዝኣቱ ጸርፍታት፥ ዝግበር ምልልሳት ኣንቆልቂልዎ ዘሎ ደረጃ ዘሰክፍ እዩ።

ካብ ዝሓለፉ ጌጋታት ንምድሓምኖም፥ እዚ እቲ ዘየኹርዕ ዝፈጸምናዮ በደል ኢዩ ኢልና ስለ ዘይነገርናዮም ሓደ ካብ ምኽንያታቱ ኪኸውን ዝኽእል፥ ብስልጡን መንገዲ ዝበሃሃሉ፥ ኣብ ትሕዝቶ እምበር ኣብ ሰባት ዘየቶኩሩ፥ ጸርፊ ዘይብሎም፥ ምዝንጣል ዘይትርእየሎም ዝርርብ ኮነ ጽሑፍ ኣዚዮም ውሑዳት እዮም።

እዚ ትዕዝብቲ እዚ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ቀጽሪ ደለይቲ ፍትሒ ዝግበር ጥራይ ዘይኮነ፥ ኣብቲ ምስ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ዝርርብ ውን ክምዕብል ዝግበኦ እዩ። ንሓደ ደጋፊ መንግስቲ ኤርትራ ሒዝዎ ዘሎ መስመር ቅኑዕ ኣይኮነን ኢልካ እትኣምነሉ ምኽንያት፥ እቲ ንስኻ እትብሎ ዘሎኻ ሓሳባት ድማ ብኸመይ ንሃገርን ንህዝብን የርብሕ ብምክብባር ምግላጽ ዝያዳ የዐውት፥ የዐውት ማለት ግድን ነቲ ደጋፊ ክትቅይሮ የኽእል ማለት ዘይኮነ፥ ኣብ ባህሊ ኤርትራ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ይኸውን ማለት እዩ። ኣብ ንትሕዝቶኻ ዝብርዝ ጸርፊ፥ ዕላማኻ ዘስሕት ትሕዝቶ እንተኣድሂብካ ግን ብጻዕርኻ ብዘይካ ግዜኻን ግዚኡን ምኽሳር ነታ ከተድሕና እትጽዕት ዘሎኻ ሃገርን ህዝባን መጻኣን ዝኾነ ፋይዳ ኣይየበርክትን።

ኣቦታትና ኣብ መጋበኣያታት ንጉዳያት ክዝትዩ ከለዉ ‘ኣብ ቅድሚ ዞም ሰብ ልቦና ክዛረብ እኳ ኣይግበኣንን ግን ከምዚ ኸማይ ሰነፍ ውን ሓሳባት ወስ እንተበልኩ ይሕግዝ ዶ ይኸውን’ ብምባል እዮም መደረኦም ዝጅምሩ ነይሮም።መሟጉቱ፥ዘየኽብርን ዘየእንግድን፥ ዝንዕቕ ዝጸርፍ እንተርእዮም ድማ ‘ክቡር የኽብረካ ዓቐን ነብሱ፥ ንዑቕ ይንዕቀካ መጠን ነብሱ’ ይብሉ ነበሩ።

ኣብ ከባቢና እውን ጎረቤትና ሱዳናውያን ኣባላት ናይ ሓንቲ ስድራ፥ ናይ 2 ወይ 3 ሰልፍታት ኣባላት ይህልዉዋ እሞ ኣብ መኣዲ እንዳበልዑ ብዛዕባ ንሰልፍታቶም ዝውክል ሓሳባት ይካትዑ ምንባሮም ይዝክር።

Evelyn Beatrice Hall ኣብታ The Friends of Voltaire, እትብል መጽሓፋ : “I disapprove of what you say, but I will defend to the death your right to say it’ ክትብል ዘስፈረቶ ጽሑፍ ኣብ ምእንጋድ ሓርነት ሓሳባት ብተደጋጋሚ እትዝከር ጥቕሲ ኢያ።

‘እቲ ትብሎ ዘሎኻ ኣይሰማማዓሉን እየ፥ ነዚ ዘይሰማማዓሉ ርእይቶኻ ንኽትብሎ መሰል ክህልወካ ግን ናይ ህይወተይ ዋጋ ውን እንተሓተተ ኪኸፍል ድልውቲ እየ’።

ክቡራት ንኡስ ወለዶ፥ እዞም ዝሓለፍና ወለዶ፥ ሃገር ካብ ምምጻእ ኣትሒዝካ ብዙሕ ዘነይት ታሪኽ ኣሎናን ኣውሪስናኩምን ኢና። ካባና ክትወርስዎም ዘይግባእ ስለዝፈጠርናዮም ድማ ይቕረታ ክንብለሉም ዝግባእ ብዙሓት ነገራት ውን ኣለዉ፥ ሓደ ካብኦም ናይ  ምጽውዋር ባህሊ፥ ሓሳባት ናይ ምእንጋድ ክብሪ፥ ካብ ቋንቋ ጸርፍን ቆይቂን፥ ካብ ቃና ዘለፋ ወጺኡ ኣብ ሓሳባትን ትሕዝቶን ዘተኩር ስልጡን ናይ ምብህሃል ባህሊ ዘይምርካብና እዩ እሞ ካብ ጌጋታትና ክትመሃሩ ኣብ እዋን ዘተ ብዘይ ጸርፍን ምብራዝ ሓሳባትን ዝከባበር ምብህሃል ከተዘውትሩ ንምሕጸን።

 

    Print       Email

You might also like...

mideast

ሓድሽ ዓለማዊን ዞባውን ስርዓት (order)፤ ንኤርትራ ብኸመይ ይጸልዋ ኣሎ።

Read More →