Loading...
You are here:  Home  >  Columns  >  Current Article

ሓደጋታት ናይ ብዘይ ልዕልና ሕጊ ዝውሰኑ ሉዓላዊ ጉዳያት ኤርትራ

By   /  July 7, 2016  /  Comments Off on ሓደጋታት ናይ ብዘይ ልዕልና ሕጊ ዝውሰኑ ሉዓላዊ ጉዳያት ኤርትራ

    Print       Email

ንሕናኣብዚ ሳልስቲ እዚ ወደብ ዓሰብ ብ500 ሚልዮን ዶላር ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምእተኻረየ ብዝተፈላለዩ ምንጭታት ወግዓውነቱ ብዘረጋግጽ መንገዲ ክግለጽ ቀንዩ ኣሎ። ኣብዛ ዝሓለፈ ዓመተ 2015 ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ዘቤትን ዞባን ኣብ ቁጠባዊ ፖለቲካዊ ማሕበራዊን መዳያት ዝተፈላለዩ ምዕባለታት እኳ እንተተራእዩ፥እቲ ዝዓበየ ግን ኣብ ጸጥታውን ወተሃደራውን መዳይ ዝተኸስተ ምዕባለታት እዩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ክስተትዚ ምስ ጽምዶ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወተሃደራዊን ጸጥታውን ኩነታት የመን ብፍላይ ኣብ ዞባ ወሽመጥ ዓረብን ማእከላይ ምብራቕን ድማ ብሰፊሑ፥ ከም ሳዕቤኑ ምናልባት ውን ብቐንዱ ከም ጠንቁ፥ ኣብ መንጎ ብእስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ዝምራሕ ወገንን ብንግስነት ስዑዲ ዓረብያ ዝምራሕ ወገንን ዘሎ ናይ ውክልና ውግእን ምትፍናንን እዩ።ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ብቐዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ዝካየድ ዘሎ ዑደትን ኣመታቱን፥ ኢትዮጲያ ከም ክርስታንያዊ ደሴት ዝርኢ ደግሲ ናይ 40ታት ዛንታታት፥ናይ ግብጺ ሻቕሎት ኣብ ፍሰት ፈለግ ኒልን፥ ናይ ስርዓት ካርቱም ‘ምስኩሉኹም ኣለኹ’ መርገጽን ንዞባታት ሰሜንን ምብራቕን ኣፍሪቃ ናብ ዝተወሳሰበ ማኣዝን ይመርሖ ኣሎ።

ከም ኩሉ ጉዳያቱ ህዝቢ ኤርትራ ናይ መሬቱን ሉዓላውነቱን ዋኒን ካብ ደገ ፍርቂ ፍርቂ ይሰምዖ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ ይትረፍ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣብ ገዛእ ህይወቱ ውን ናይ ውሳኔኡ ዋና ከምዘይከውን ጌርዎ ስለዘሎ ብሓደ ሸነኹ እዚ ተግባራት እዚ ዘየገርም እዩ።ይኹን ግን ከምዚኦም ዓይነት ተግባራት ዘየገርም ምሕሳብን ለሚድካዮም ምኻድን መጀመርታ ምልክት ናይ ምብትታን ሓደጋ ስለዝኾነ ህዝቢ ክሓመሉን ንመሰሉ ክሓትትን ይግባእ። ህዝቢ ዝርዝራቱ መታን ክፈልጦን ኣብ ምቅላስ ንሃገራዊ ጉዳያቱ መታን ክሕግዝን ሬድዮ መድረኽ እቲ ናብዚ ኩነታት ዘብጸሐ ሓፈሻዊ ስእሊ በዚ ዓንቀጽ እዚ የቕርብ።

1 ድሕረባይታ

ድሕሪቲ ብቀውዒ ሃገራት ኣዕራብ ዝፍለጥ ሰውራታት ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ የመን ዝነበረ መንግስቲ ፕረዚደንት ዓብደላ ሳልሕ ጎነጽ ብዝተሓወሶ ኣገባብ ካብ ስልጣን ምስተኣልየ፥ድሒሩ ኣብ ዝሰዓበ ዓመታት ኣብ መንጎቲ ብፕረሲደንት መንሱር ዓብደሮቦ ዝምራሕ ሓድሽ መንግስቲን፥እቲ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት የመን ተዋሲነ ኢሉ ዝኣምን ብሑቲ ዝምራሕ ተቓውሞን፥ ናይ ስልጣን ውድድርን ግጭትን ኪካየድ ጀሚሩ። ኣብዚ ውድድርዚ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ መጀመርያ ናይቲ ግጭት ናይ መንጎኛ ተራ ድሒሩ ድማ ነቲ ብሱኒ ዝተዓብለለ መዋቕራት መንግስቲ የመን ብምድጋፋ እስላማዊት ሪፑብሊክ የመን ድማ ነቲ ናይ ሺዓ ተኸታሊ ዝኾነ ናይ ሑቲ ምንቅስቓስ ወተሃደራውን ገንዘባውን ደገፍ ስለዝሃበት፥ እቲ ኣብ የመን ዝነበረ ውግእ ሓድሕድ ካብ ዘቤታዊ ጉዳይ የመናውያን ሙኻን ሓሊፉ ኣብ መንጎታ ጽልዋ ሺዓ ናብ ሃገራ ከይሰግር ዝሰግአት ስዑድያን፥ ናይ ሱኒ ዕብለላ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ብፍላይ ድማ የመንን ባሕሬንን ከብቕዕ እትጽዕር ኢራንን ናይ ውክልና ውግእ ኮይኑ ቀጺሉ። ኣብዚ መስርሕዚ፥እቲ ብመንጎኝነት ሱዑድያ ኣብ ዝተገበረ ናይ ስልጣን ምስግጋር ብዘይተጸበኽዎ መንገዲ ተጠሊመ ኢሉ ዝኣምንን ካብ ስልጣን ምእላዩ ዘይተዋሕጠሉን ፕረዚደንት ነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ንደገፍቱ፥ብፍላይ ድማ ነተን ወዱ ዝምርሐን ብርጌዳት ፍሉይ ኮማንዶ ሒዙ ነቲ ተቓውሞ ስለዝተጸንበሮ፥  እቲ ስሙር ግንባር ተቓውሞ ሓይሉ ክሳብ ከተማ ዓደን ምቁጽጻርን መንግስቲ ፕረዚደንት መንሱር ዓብዱሮቦ ናብ ስደት ከምዘምርሕን ምግባር በቒዑ ነይሩ።ናይ ሑትዪንን ዓሊ ዓብደላ ሳልሕን ስምረት ግን ግዜ ዘዋሰቦ ናይ ዘይፍቑራት ኪዳን ስለዝኾነ ኣብ ሓደ ደረጃ ነናብ ተጻይ ደንብኡ ምምላሱ ዘይተርፎ እዩ።

2 ምጽንባር ኤርትራ ኣብ ውግእ የመን

መንግስቲ ኤርትራ፥ንጹር፥ ብሕጊ ዝምእዘዝ ልዕሊ ኩሉ ድማ ንገዛእ ህዝቡን ትካላት መንግስቱን (ወላ በቲ ድኹም ደረጅኡ) ግሉጽነት ዘለዎ ናይ ውሽጥን ደገን ፖሊሲታት ስለዘይብሉ፥ ኣብ ጉዳይ የመን ይኹን ኣብ ዝዓበየ ከባቢታት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓረብን ብዝምልከት ክወስዶም ዝጸንሐ ስጉምትታን ኬካይዶም ዝኸረመ ርክባትን ይትረፍ ንተራ ህዝቢ፥ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሓለፍቲ ውን ግሉጻት ኣይኮኑን። ተቖጻጻሪ ጉጅለ ኤርትራን ሶማልያን ናብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፥መንግስቲ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ነቲ ብኢራን ዝድገፍ ናይ ሑቲ ምንቅስቓስ ይድግፍ ምንባሩ ‘ካብ ኢራን ናብ ምንቅስቓስ ሑቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሳዋን ባጽዕን ብዝራገፍ ዝነበረሞ ጸኒሑ ብባሕሪ ናብ ወደባት የመን ዝመሓላለፍ ዝነበረ ኣጽዋር ኣብ ምስግጋር  ኣብ መንጎ ኢራንን ሑቲን ናይ ኣጽዋር ድልድል’ ከምዝነበረን ክሕብር ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብቲ እዋን እቲ መንግስቲ ኤርትራ ንሑትይን ብምድጋፍ ኣብ የመን ዘይምርግጋእ ይፈጥር ምንባሩ ብተደጋጋሚ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብእትርከበን ሃገራት ይኽሰስ ምንባሩ ንምሩጋድ፥ እቲ ኣብ 2014 ኣብ ቢሻ ‘ተኻይዱ’ ተባሂሉ ዝንገረሉ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ፥ ንኤርትራ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ንምስማዕ McDonnell Douglas F-15 Eagle ብዝዓይነተን ነፈርቲ ብስዑዲ ዓረብ ከምእተፈጸመ ዝገልጹ ንትንታኔኦም መርተዖ ዘየቕረቡ ወገናት ኣለዉ። መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ ኣብ መሳርዕ ኪዳን ሱዑድያ ጸንብሩኒ ኢሉ ተሰሊፉ ክንሱ ውን ብታሕቲ ታሕቲ ንሑቲ ምድጋፍ ይቕጽሎ ኣሎ ካብ ዝብል ጥርጠራ ሱዑድያ ኣይደሓነን።

ይኹን እምበር መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ መግለጺታት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢኡ ኤርትራ ንሑቲ ናይ ኣጽዋር ደገፍ ከምዘይገብር ክገልጽ እኳ እንተጸንሐ ምስ ኢራን ዘለዎ ርክብ ናይ ኣሉታ ይኹን እምነት መግለጺ ሂቡሉ ኣይፈልጥን።

ብዙሓት ተዓዘብቲ እውን እዚ ናይ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ጸብጻብ ብመርተዖ ክድገፍ ዘይክእል ኣብ ተናኻሲ ባህርያት መንግስቲ ኤርትራን ‘ክገብሮ ዘይክእል የሎን’ ዝብል ግምታትን ዝተሞርከሰ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።

3 ኣልቦነት ልዕልና ሕጊ

መንግስቲ ኤርትራ ከም ኩሎም ካልኦት መንግስታት ዓለም (ካብቶም ሕጋውያን መንግስታት ዝፈልዩ ብዙሕ ተደላይታት ምህላዉ ከይተዘንገዐ) ኣብ ዞባዊን ኣህጉራውን ጉዳያት ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዜቐድሙ፥ልዕሊ ኩሉ ድማ ሃገራዊ ድሕነትን ሉዓላውነትን ኣብ ግምት ዘእተዉ ናይ ወጻኢ ፖሊሲታት ኪኽተልን ኪዳናት ክምስርትን ክጽንበርን ቅዋማዊ (እቲ ዘይብሉን ዝረገጾን ሰነድ) ሓላፍነቱን ባህርያውን’ዩ። እቲ ዘይባህርያዊ እቶም ዝወስዶም ስጉምታት ይኹን ውሳነታት ዝፍጽሞም ጽምዶታት፥ዝኽትሞም ውዕላት ቅንጣብ ሕጋዊ መስርሕ ዘይተኸተሉን ልዕልና ሕጊ ዘይብሎም ዘይናይ ህዝብን ዘይናይ ኤርትራን ስለዝኾኑ እዮም።

ብስም ህዝቢ ኤርትራ ዝውሰዱ ውሳኔታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኪኾኑ፥ ሕጋዊ መስርሕ ዝተኸተሉ፥ ግሉጽነት ዘለዎም፥ ዝበረኸ ዕላምኦም ድማ ምድሓን ስልጣን ምልኪ ሓደ ዘይኮነስ፥ምውሓስ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሉዓላውነትን ኪኾኑ ይግባእ። ከምኡ ሙኻኖም ዝረጋገጹ ድማ እቲ ሃገራዊ ጉዳይ ብወከልቲ ህዝቢ፥ ብትካላዊ ኣሰራርሓ፥ ብግሉጽ ከይዲ፥ ብናጽነት ሓበሬታ፥ ብምሉእ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ውነና ሃገራዊ ውሳነታት ምስዝረጋገጽ ጥራይዩ። ኣብ ኤርትራ ኩሎም እዞም ዝተጠቐሱ ኣርሒቆም ካብ ዝገሹ ክልተ ጥማር ናይ ዓሰርተ ዓመት (ዴከይድ) ኣሕሊፎም ኣለዉ። ንዝመረጾ ህዝቢ ወኪሉ ሃገራዊ ጉዳያት ዝዝቲ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ዝስረዝን ኣባላቱ ካብ ዝሓቁን ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ስለዚ ህዝቢ ወከልቲ የብሉን፥መንግስቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ድማ ንህዝቢ ዘይውክል ናይ ሓደ ሰብኣይ ሓለዋ ስልጣን እዩ። ስለዝኾነ ህዝብን ኣባላት መንግስቲን ከይተሓተቱ እረ ከይፈለጡ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ ሃገራዊ መስርሕ፥ መሬትን ባሕርን ኤርትራ ምስቶም ቀቢሮሞም ዘለዉ ሰማእታቶም ተሸይጦም ኣለዉ። ህይወት ብዙሓት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ዘይናይ ኤርትራ ውግእ ይጠፍእ ኣሎ። ሃገር ናብ ናይ ሓደ ሰብ ናይ ድሕረ ቤት ገደና ኮስካስ (ባክ ያርድ ጋርደን) ተቐይራ ስለዘላ ድማ፥ ንድሕነት ናይ ሓደ ንኡስ ጉጅለ ብውልቃዊ ምርጫታትን ብዘይተሓታትነትን ሉዓላዊ ክብረት ሃገር ናብ ዕዳጋ ወሪዱ ይርከብ።

4 ውድቀት መትከላት

ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላልዩ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝኾነት ሃገር ዝግበር ዝኾነ ይኹን ግዳማዊ ምትእትታው ብዘይካ ቅልውላው ምፍጣር ካልእ ረብሓ ከምዘይብሉ ኢዩ ዝገልጽ ነይሩ። ብኣበሃህልኡ ግጭታትን ንዕኦም ስዒቦም ዝመጹ ምእንጋድ ወተሃደራዊ መዓስከራትን  ምሕደራ ናይ ፍጡር ግጭት ኢዩ። በዚ መትከል እዚ እዩ ድማ ኣብ ሶማል፥ኣብ ዒራቕ ( ወላኳ መትሓዚ ዘይብሉ ግልብጥብጥ ዘርኣየሉ ይኹን ) ኣብ ኣፍጋኒስታን ወዘተ ንዝግበር ዝነበረ ግዳማዊ ምትእትታው ዕንደራን፥ ምፍጣር ቅልውላው እንዳበለ ዝገልጾም ዝነበረ።ንኻልኦት ‘ከዳሚ ሸቃሊ’ ኢሉ ዘነኣእሰሉ ዝነበረ ተግባራት ሎሚ ስለምንታይ ክገብሮ መሪጹ ዝገልጽ መጎታዊ ሓሳብ ስለዘይነበሮ ድማ ኣብ ናይ ሓድሽ ዓመት ቃለመሕትቱ ነቲ ሕቶ መእሰሪ ብዘይብሉ ኮለል ገሊጽዎ (ሓምሪግዎ) ነይሩ። ዝበለ እንተዝብል እውን ሎሚ ምእንቲ ዶላርን ፔትሮልን እዚ ሞራላዊ ግዴታይ ዝብሎ መትከላቱ ናብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ሰጢሕዎ ከምዘሎ ኪኽወል ዘይክእል ሓቂዩ። መንግስቲ ኤርትራ ብዘቤታውን ግዳማዊን ቅልውላው እንተላይ ብክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተዋጢሩ ስለዝርከብ ካብ ተነጽሎ ንምድሓን ንናይ መን ኣእዳው ብዘየገድስ ኢደ በይዛ ንሙኻን ድልውነቱ ብቕጽበት እዩ ኣረጋጊጹ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ይግለጽ ከምዘሎ ሰማያት ኤርትራ ሉዓላዊ ዋንነቱ ንንግስነት ስዑዲ ዓረብ ተረኪቡ ኣሎ። ከምኡ ብምግባሩ ድማ ንመትከላት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ህዝባውነት መትከላት ሰውራን ሸይጥዎ ይርከብ።ብዓቢኡ ድማ ነቲ ዘይንካእ ቕዱስነት ሰማእታት ኤርትራ ብተግባራቱ ኣራኺስዎ ኣሎ!

5 ምኽሓድ ሃገራዊ መንነት

ህዝቢ ኤርትራ ንብዙሕነት ከም ጸጋ ዝርኢ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዓለማዊ መንግስቲ እምበር ሃይማኖታዊ መንግስቲ ኪኽተል ዝመርጽ ከምዘይኮነ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት መስኪርዎ እዩ። ወዮ ደኣ በተን ነቲ ኪዳን ዘቖማ ሓያላት ሃገራት ኣብ ልዳት እምበር ውሻጠ ክኣቱ ከምዘይፍቀደሉ ተነጊሩ እምበር፥ መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ከይሓተተ ኣብቲ ብእስላማዊ ኪዳን ተባሂሉ ዝስመ ንሓባራዊ ሃገራዊ መንነት ዘይውክል ስም ዝሓዘ ኪዳን ክጽንበር እዩ ወሲኑ ነይሩ። እስላማዊ ኪዳን ንኤርትራ ብኸመይ ይውክል? እቲ 50% ህዝቢ ኤርትራ ኸ በዚ ስምዚ ብምንታይ ይውከል? ስለምንታይ ኣብዚ ሃይማኖታዊ መልክዕን ዕላማን ዘለዎ ኪዳን ምእታው የድሊ? ክጽንበርን ከይጽንበርን ተኾይኑ ኸ ህዝቢ ኤርትራ ብረፈረንድም ነቲ ውሳነ ክድግፍ ወይ ክቃወም ሃገራዊ መሰሉ ዘይተሓለወሉ ምኽንያት ስለምንታይ? ኣብ ኤርትራ ዝኾነት ሃይማኖታዊ ምትእኽኻብ እንተላይ እቲ ብንኡስ ደረጃ ዝግበር ናይ ጴንጠኮስታል፥ ጅሆቫ ወይ ውን ናይ ካልኦት እስላማዊ ክፋላት ሓርነት እምነተን እንዳጨፍለቕካ ህዝብን መሬትን ባሕርን ኣብ ሃይማኖታዊ ቁርቁስ ጸግዒ ምትሓዝ ስለምንታይ ኣድለየ፥መንግስቲ ኤርትራ ክምልሶም ዝግባእ ሕጋውያን ሕቶታት እዮም።

6 ሓደገኛ ቅድመ ፍጻመ ማለት ፕረሲደንስስ ሓደገኛ ሳዕቤን ይፈጥር

መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ዘይ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይ፥ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ናይ የመን ውሽጣዊ ኩነታት ንሓደ ወገን ደጊፉ ኣንጻር ካልእ ወገን ዝገብሮ ዘሎ ወተሃደራዊ ምትእትታውን ቅትለትን ዝመለለይኡ ሕልኽላኽ ምጽማዱ ንናይ ሕጂን መጻእቲ ወለዶታትን ኤርትራ ከቢድ ሓደጋን ልዑል ዋጋን ዝገድፍ ዘሎ ክስተታት ዕዳ’ዩ። ከም ኩሎም ግዳማዊ ወተሃደራዊ ምትእትታው ሳዕቤናት፥ ቅርሕንትን ሕነን ክህልዎ ስለዝኽእል ኣብ የመን ዝግበር ምትእትታው ንህዝቢ ኤርትራ ኣዚዩ ሓደገኛ መጻኢ ክህልዎ ይክእል።

7 መደምደምታ

እቲ ፍታሕ ኣብ ልዕልና ሕጊዩ

ኤርትራ  ኣብ ኩናት የመን ምስታፋ ሓደ ካብ ዓበይቲ ተሃወስቲ ጸጥታዊ ፍጻሜታት ብሙኻኑ ከም ኣብነት ተጠቒሱ እምበር፥ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ጉዳያት ካብ ጽፍሪ እግሮም ክሳብ ጸጉሪ ርእሶም ልዕልና ሕጊ ዘይተኸተሉ፥ ብዘይ ቅዋማዊ መርሓ ዝትግበሩ፥ ብፋንጣ ሓደ ሰብ ዝግበሩ ውሳኔታት እዮም።በዚ ድማ እቲ ቀዳማይ ገጽ ናይ ጥዑይ ሃገራዊ ህላወ ማለት ኣሳታፊ ዴሞክራሲ ተደምሲሱ ኣሎ። እቲ ካልኣይ ገጽ ናይ ልዕልና ሕጊ ተሓታትነት እዩ።

ይኹን ግን ብሱሩ ልዕልና ሕጊ ኣብ ዘይብላ ሃገር ተሓታትነት፥ ተሓታትነት ኣብ ዘይብላ ሃገር ድማ ስርዓትን መንግስትን ስለዘይህሉ ሎሚ ኤርትራ ብዘይ ልዕልና ሕጊ፥ ብዘይ ተሓታትነት እትመሓደር ዎርክሾፕ ናይ ሓደ ሰብ ኮይና ኣላ። ኣብ ጉዳይ ሰላምን ኩናትን፥ ቁጠባን ማሕበራዊ ሂወትን፥ ጸጥታን ርግኣትን፥ ንዝህዝቢ ኤርትራ ብዘርብሕ ክፍጸሙ ተኾይኖም መጀመርያ ኤርትራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ፥ ውሳነታት ድማ ብቕዋም ዝመሓደሩን ነንሕድሕዶም ዝቆጻጸሩን ዝዋደኑን፥ ብሰለስተ ትካላት መንግስቲ ማለት ሓጋጊ፥ ፈጻሚ፥ ፈራዲ ዝሕገጉ፥ ዝፍጸሙን ዝፍረዱን ኪኾኑ፥ ዓበይቲ ይኹን ነኣሽቱ ውሳነታት ድማ ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይዚ ርእሰታት ክትግበሩ ይግባእ። ሓደ ሰብኣይ ባዕሉ ዝሕግግ ባዕሉ ዝፍጽም ባዕሉ ዝፈርድ ተኾይኑ ግን መዓት ጥራይ እዩ ዝኸውን። ሃገርና ሓደ ሰብኣይ ዘይኮነ ቅዋም ዝገዝኣ ክሳብ ዘይኮነት ድማ ኤርትራ ይትረፍ ክትግስግስ ከም ሃገርን ህዝብን ህላወኣ ኣብ ሓደጋዩ ክነብር። ሉኣላውነትን መሬትን ሰማእታትን ብዶላር ዝሸይጥ ውሳኔ፥ ንወሳዲኡን ተግባሪኡን፥ ንህሉዋት ግዳያቱን ናይ ርሕቕ ወለዶታቱን ሓደገኛ ቅድመ ፍጻመ እዩ። እንኮ መንገዲ ድሕነት ድማ ካብ ውልቀ ምልካውነት ንምግልጋል ኣበርቲዕካ ምቅላስን መስዋእቲ ምኽፋልን እዩ።

 

    Print       Email

You might also like...

ሃንደበታዊ ምቅይያር ኣዘዝቲ በራጊድን ቦጦሎኒታትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

Read More →